ካርዲናል ችዘርንይ ናብ እስሎቫክያ ገጾም ንዝግዕዙ ስደተኛታት ኡክራይና ቅርበት ር.ሊ.ጳ ገሊጾም!
ዜና ቫቲካን!
ዝሓለፈ ሮቡዕ ዕለት 16 መጋቢት 2022 ዓም ብፁዕነቶም ነቲ ኣቀዲሞም ኣብ ሃገረ ሃንጋርን ኡክራይንን ናይ ዝገበርዎ ምብጻሕ መቀጸልታ ኣብ ኮሺስ እትበሃል ከተማ ምብራቃዊ እስሎቫክያ ብምንጻሕ ግሪኻዊ ሥርዓተ ኣምልኾን ላቲናዊ ሥርእተ ኣምልኾን ዝኽተሉ ሰበኻታት ጳጳሳት ከም ፍሉይ ልኡኽ ር.ሊ.ጳ ንስደተኛታት ቀሪቦም። ንምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን ናይ እትሓሊ ቅድስት መንበር ዋና ጸሓፊ ነበር ሕጂ ግን ናይ ኤጳርቅና ኮሺስ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሲሪል ቫዚል ተሰንዮም ከኣ ኣብ ዶብ እስሎቨክያን ኡክራይናን ዝርከብ ቭይሽነ ነመከ ዝበሃል ቦታ ካብ ኡክራይና ዚሃድሙ ስደተኛታት ዝቅበሉሉን ዘድሊ ሓገዝ ዝብርከተሉን ቦታታት በጺሖም።
ካብኡ ናብ ሃገረ ኡክራይና ስግር ኢሎም እውን ኣብ ከተማ ኡዝሆሮድ ዝርከብ ካተድራል ምስ ምእመናንን ውሉደ ክህነት ናይታ ከተማን ብሓባር ስለሰላም ጸሎት ከምዘዕረጉ ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ገሊጹ።
ቅርበት ር.ሊ.ጳ!
ብፁዕነቶም ኣብ ደብ ኡክራይናን እስሎቨኪያን ብቀንዱ ቅርበት ር.ሊ.ጳ ንምግላጽ ኣብቲ ቦታ ከምዝርከቡ ምስ ገለጹ ር.ሊ.ጳ ብዛዕባ ዶባት ‘ዶባትሲ መራኸቢ ቦታ እምበር መፈላለዩ ኣይኮኑን’ ንዝበልዎ ብምዝኽኻር እቲ ቦታ እቲ መራኸቢ ክኸውን ሓደራ ኢሎም። ቀጺሎም ብፁዕነቶም ነቶም ኩሎም ጸጊምዎም ዘለው ስደተኛታት ሓገዝ ብምውፋይ ሃንጐፋይ ቢሎም ንዝቅበሉ ኩሎም ኣመስጊኖም ቅድሚ ምኻዶም ነዚኤን ቃላት እዚአን ለጊሶም።
ቀጻሊ ተልእኮ ናብ ስደተኛታት ኡክራይና!
ብፁዕ ካርዲናል ችዘርይ ዝሓለፈ ሳምንቲ ካብ ዕለት 7 መጋቢት ክሳብ ዕለት 10 ሃንጋሪ ከምዝበጽሑን ንሓጺር ግዜ ኣብ ውሽጢ ኡክራይና ከምዝኣተውን እንክምልከት ገበዝ ር.ሊ.ጳ ብፁዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኪ እውን ብዶብ ፖላንድን ኡክራይናና ኣቢሎም ንሃገረ ኡክራይን ከምዝበጽሑ ዝዝከር እዩ።
ናይ ቅድስት መንበር ወሃብ ቃል እዚ ተደጋጋሚ ምብጻሕ እዚ ዝገልጾ ጉዳይ እንተሎ ር.ሊ.ጳ ነዞም ዝሃድሙን ዝሳቀዩን ዘለው ስደተኛታ ኡክራይና ቅርበቶም ብጸሎት ንምግላጽ እዩ እንክብል መብርሂ ሂቡ ከምዝነበረ እውን ዝዝከር እዩ።