ኣብ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ፥ ዓውደ ምረቓ ናይ ራትዚንገር ዓቢይ መድብላዊ ድርሳን
ብቤት ማሕተም ቫቲካን ዝተሓትመ 16 መጻሕፍቲ ዘጠቓልል ሻምናይ ተኸታታሊ ናይ ራትዚንገር - በነዲክቶስ መበል 16 ድርሳን ዕለት 2 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ ጀርመናዊ ተቕዋም ንንባብ ከም ዝበቕዔን እቲ መጽሓፍ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ብዛዕባ ስነ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝምልከት ኣርእስታት ራትዚንገር - በነዲክቶስ መበል 16 ከም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቕ መጠን በዚ መንጽር እዚ ዝሃብዎ ሰፊሕ ትንታነ “ኣብ መንጐ ህዝብታት ምልክት ቤተ ክርስቲያን” ብዝብል ኣርእስቲ ተኣኪቦ ዝተደርሰ ተኸታታሊ መጽሓፍ ከም ዝኾነ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ነዚ ራትዚንገር ናብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ስልጣን ቅድሚ ምሕራዮም ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ዝሃብዎ ስነ ቤተ ክርስቲያናው ዓሚዩቝ ትንታነን ቤተ ክርስቲያን ብቲዮሎጊያ ዘንብብ ዝተፈላለዩ ጽሑፋቶም ኣብ ሓደ ተጠርኒፉ “ቤተ ክርስቲያን፥ ኣብ መንጐ ህዝብታት ምልክት” ብዝብል ኣርእስቲ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ተሓቲሙ ንንባብ ዝበቕዔ መጽሓፎም ዘማእከለ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ሮማ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ዕለት 16 መጋቢት ከም ኣተኻየደ ሓቢሩ።
እዚ ሻምናይ መድብላዊ መጽሓፍ ራትዚንገር ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግረጎሪያናን ማሕበር ራትዚንገር ብምትሕብባር ዘዳለውዎ ከም ዝኾነን ብሓቂ ኣብቶም ናይ እዋንና ዓበይ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ተባሂሎም ዝንገረሎም ጽሑፋቶምን ቲዮሎጊያዊ ትንታነታቶም ኵሉ ጠርኒፍካ ብተኸታተሊ ንንባብ ንምብቃዕ ክብሪ ምዃኑ ናይ ቫቲካን ቤት ማሕተም ሓላፊ ሎረንዞ ፋዚኒ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ሓቢሮም፥ ራትዚንገር ቤተ ክርስቲያን ብሓፈሻ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሓባር ዘተን ዚገልጽ ቲዮሎጊያዊ ጽሑፋቶም ኣብ ውሽጢ ሓምሳ ዓመታት ተጠናቒቝ ዝቐርብ እዩ ዝኸውን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስነ መጽናዕታዊ ምርምር ባይታ ዝገረበ ዓውደ ጉባኤ
ፋዚኒ ኣስዒቦም፥ ስነ ቤተ ክርስቲያናዊ መጽናዕቲ ንምስጢር ቤተ ክርስቲያንን ነቲ ኣብ ታሪኽ ዘሎ ምስጢር ህይወት ክርስቶስን ብባህርያዊ መገዲ ስለ ዝምልከቶ ንቲዮሎጊያዊ መሰረታዊ ሕቶ ዝምልከት ይኸውን . . . ኣብ ናይ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ሕዳሴ ቲዮሎጊያን ስነ ቤተ ክርስቲያንን ዘተኮረ 900 ገጽ ዘለዎ ሓያል ጽሑፍ ኣቃውማ ቤተ ክርስቲያን ከም ህዝቢ ኣምላኽ ዝብል ኣምር ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ዘናብብ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እቲ ናይዚ መጽሓፍ ቀዳማይ ክፋል ኣብ 1969 ዓ.ም. እተዳለወ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ቤተ ክርስቲያናዊ ኣረኣእያን ኣነባብራን ዝድህስ እቲ ካልኣይ ከኣ ኣብ 1977 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ፥ ንኣብነት እቶም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ዝሕረዩ ካልአ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ ፍጹማን ከም ዘይኰኑ የግዳስ ንሓድነት እታ ቤተ ክርስቲያን ዝውክሉን ዘቑሙን ሰባት እያቶም ዝብል ቃሎም ዘማእከለ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ኣብቲ ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ዕለት 16 ግንቦት እተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ፥ ናይ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ዋና ሓላፊ ኣባ ኑኖ ዳ ሲልቫ ኮንሳልቨስ ብኣካል ክርከቡ እውን እንተዘይካኣሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብቤት ማሕተም ሃገረ ቫቲካን ሓላፊ ሎረንዞ ፋዚኒ ከም እተነበን ናይ ማሕበር ራትዚንገር - በነዲክቶስ ኣቦ መንበር ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲን ናይ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ መስራቲ ፕሮፈሰር ኣንድረያ ሪካርዲን ናይ ኢጣሊያ ማእከላይ ዞባ ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋም ምኽትል ኣቦ መንበር ኣለሳንድሮ ክለመንዚን ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽን ባህላዊ ቅርስታት ጨንፈር መጽናዕቲ ፕሮፈሰር ሮበርቶ ረጋሊ መደረ ከም ዘስምዑን ነቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ዝምርሑ ኣብ ሚላኖ ናይ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ መንበረ ጥበብ ፕሮፈሰር ፒየትሮ ሉካ ኣዛሮ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።