ኣዩሶ፥ ኵላትና ናይ ‘ሰላም ኣንጠረይናታት” ክንከውን ዝተጸዋዕና ኢና!
ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ናይ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኣዩሶ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ትሪቨነቶ ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋም ብምኽንያት ናይ ትምህርቲ ዓመት መኽፈቲ ኣብ ዝተኻየደ መዓልቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ህልው ኵነታት ዓለም ዳህሲሶም “ኵላትና ናይ ሰላም ኣንጠረይናታት” ንኽንከውን ዝተጸዋዕና ኢና ስለዚ ሰብኣውነትና ኣብ ሰላም እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 15 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ናይ ትሪቨነቶ ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋም ናይ ትምህርቲ ዘመን መኽፈቲ ምኽንያት ኣብ ዝተኻየደ መዓልቲ ዓውደ መጽናዕቲ ክርከቡ ዝነበሮም ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ናይ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጒይክሶት ብስራሕ ምኽንያት ክሳተፉ እውን እንተ ዘይከኣሉ እቲ ከቕርብዎ ዝነበሮም ነቲ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓዋዲት መልእኽቲ ድሕረ ባይታ ዝገበረ ኣብ ኵለንታዊ ሕውነት ዘማእከለ ንህልው ኵነታት ማሕበርሰብ ዓለምን ብፍላይ ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኤውሮጳ ማለት ኣብ ዩክረይን ዝረአ ዘሎ ግጭት ብፍሉይ ኣብ ዝድህስስ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም፡ ሃይማኖት መጋበርያ ኣድማሳዊ ሕውነት ብምዃኑ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ኣገዳሲ ጥራሕ ዘይኮነ ሓላፍነት እውን እዩ፡ ስለዚ እዚ ናይ ሓባር ዘተ እዚ ብመሰረት ሕውነትን ማሕበራዊ ምሕዝነትን ክካየድ ኣለዎ ከመይሲ በዚ መገዲ እዚ ጥራይ ኢና “ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵሉ ናይ ሰላም ኣንጠረይና’ ክኸውን ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ግብኡ መልሲ ክንህበሉ እንኽልእ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ንመኽፈቲ ናይ ትምህርቲ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ናይቲ መንበረ ጥበብ ዋና ሓላፊ ናይ ቨነዚያ ፓትሪያርክ ብጹዕ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ሞራሊያ ናይ ከተማ ፓዶቫ ጳጳስ ኣቡነ ክላውዲዮ ቺፖላ ከም እተሳተፉ ኣፍሊጡ።
ብጹዕነቶም ኣብ መልእኽቶም፥ “ሃይማኖታት ኣብ ሃገርን ሕብረተሰብን እንታይ ግደ እዩ ዘለወን? ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፡ ብቐዳምነት “ብናይ ሓባር ዘተ ኣቢሎም ንሓድሕዶም ክፋለጡን ብምፍላጥ ክህብቱም ነቲ ዝፈላልዮም ዘይኰነ ዘሕብሮም የለልዩን ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ምትሕብባር ክህሉ ይገብሩ።” እዚ ናይ ሃይማኖታት ሓላፍነት እዩ። ከም ሓቂ እንተኾይኑ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ፥ “ፈላላይ መናድቕ ዘይኮነስ ዘራኽብ ድልድል ንምሕናጽን” ንብጻይካ ምሕረት ምግባርን ንድኻታት ድንጋጸን ሓልዮትን ምርኣይ ተፈጥሮ ንምክንኻ ብሓባር ምዕያይ ዝብል ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ምውዓል እዩ። በዚ ኣገባብ እዚ ድማ ንዓመጻ ብምኹናን ሰላምዊ ህላወ መላእ ሕብረተሰብ ምህናጽ ምስ ምጒዳል ፍትሒ ብምቅላስ ሓባራዊ ጥቕሚ ንኽረጋገጽ ይድግፍ። ሃይማኖታዊ ምይይጥ ኣብ ዓለም ሰላም ንምስፋሕ ኣድላዪ ኵነት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሃይማኖታት “ኣብ ማሕበራዊ ምይይጥን ህዝባዊ ክትዕን ናይ ምስታፍ መሰልን ግዴታን ኣለወን” ከምኡ እውን በዚ ምኽንያት እዚ “ሃይማኖታዊ ናጽነት መሰረታዊ መሰል ከምዝኾነን ኵለን ሃይማኖታት ብዛዕባ ማሕበራዊ ጒዳያት ኣረኣእያአን ብግህዶ ክገልጻ ኣለወን” ቢሎም እዚ ክረጋገጽ እውን ከምዘለዎ ኣጒሊሖም፡ እቲ ሓደ ኣማኒ ዘረእዮ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ማለት ጽድቂ ሓባራዊ ጥቕሚ ፍቕሪ ንብጻይካ ኣቃልቦ ምግባር ምሕረት እተፈላለያ ሃይማኖታት ዘርእየኦ ክቡር ዋጋ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ “ነዚ መገዲ እዚ ብምስዓብ ሰላምን ፍትሕን ሰብኣዊ ክብርን ዕቝባ ኣካባብ ንምክልኻልን ንምድንፋዕን ሕይወት ንምክልኻልን ንምዕቍብን ቆራጽነት ክህሉ ዝኽእል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እዚ ዅሉ ግን ካብ ክልተ መሰረታዊ ስርዓታት ጥራይ እዩ ኪጅምር ዝኽእል፥ እቲ ቀዳማይ ብዛዕባ መንነትካ ምስትንታን የድሊ፡ ብዘይ እዚ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሓቀይና ዘተ ክህሉ ኣይክእልን። እቲ ካልኣይ ነጥቢ ኸኣ ሓባራዊ መበቈል ደቅሰብ ዝብል እዩ፡ ከመይሲ “ኣምላኽ ንዅሉ ነገራትን ሰብ ዝፈጠረ ስለ ዝዀነ ድማ ኵላትና ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ኢና። ነዚ ምስ እነቃልበሉ ድማ ካብ ተኸኣኢልካ ምንባር ናብ ሕውነታዊ ሓባራዊ ናብራ ንሰጋገር።”
እቲ ኣብ መንጐ እተፈላለያ ሃይማኖታትን እተፈላለየ ባህሊ ዘለዎ ሕብረተሰብ ብሓባር ናይ ምንባር ልምዲ ንኤውሮጳ የዘኻኽረና። ሎሚ እታ ጥንታዊት ክፍለ ዓለም ጒዳይ ስደተይናታት ቍጠባዊ ቅልውላው ኣረጋዊ ክፍሊ ሕብረተሰብ ብሰፊሕ ዝሽፍን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋን ኮቪድ 19 ዘስዓቦ ህጹጽ ኩነታት ጥዕና ዝኣመሰሉ ጸገማት ከጋጥም ከሎ ብሓድነት ስጒምቲ ምእንቲ ክውስደ ኣብ መንጐ ኣመንቲ ሰናይ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምትሕብባርን ዘተን የድልያ” እዩ፡ . . . ።
ኣብዚ ታሪኻዊ ህሞት እዚ ይብሉ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝርአይ ዘሎ ግጭት እናሓሰቡ፥ እቲ ኤውሮጳ ዘድልያ “ኣጽዋር፥ ናይ ምርኻብን ዘተን ባህሊ እዩ” እዚ ኸኣ፥ ናይ ሰላም ባህሊ ምስፋሕን ኣብ ሕብረተሰብን ፖለቲካን ቍጠባን ሰላም ንምስራጽ ይሕግዝ፥ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ባህሊ ምትብባዕ የድሊ . . . ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ “በይኑ ዚድሕን የልቦን” . . . ኵሉ ናይ ሰላም ኣንጠረይና ክኸውን ተጸዊዑ እዩ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።