ድለ

2021.02.17 Merecoledi' delle Ceneri Santa Messa 2021.02.17 Merecoledi' delle Ceneri Santa Messa 

2 መጋቢት ስለ ሰላም ኡክራይና ኣብ ዝግበር ጾምን ጸሎትን ምስ ር.ሊ.ጳ ንሕበር! ካርዲናላት ኮኽን ኣዩሶን

ጽባሕ ዕለት 2 መጋቢት 2022 ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጾመ ነነዌ ዘዘኻኽር ብረቡዕ ናይ ሓሙዂሽቲ ብዕሊ ጾመ ኣርባዓ ኣብ እትጅምረሉ ስለ ሰላም ኡክራይና ኣብ ዝግበር ጾምን ጸሎትን ሓለፍቲ ክልተ ላዕለዎት ቤትጽሕፈታት ሓድነት ክርስትያንን ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተን ሓለፍቲ ደገፎም ብምግላጽ ውግእ ደው ንክብል ብጸሎት ኩልና ንክንሓብርን ኣብ ጐድኒ ዝሳቀዩ ደው ክንብልን ንሰብ ሕልና ኩሎም ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ዜና ቫቲካን!

ገና ነጋሪት ውግእ ሩስያን ኡክራይናን ኣብ ዝጋዋሓሉ ዝነበረ ዕለታት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸኮስ ዕለት 2 መጋቢት ስለሰላም ኡክራይና ጾምን ጸሎትን ኣዊጆም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኰይኑ፣ ሎሚ ኣብ ድሮ እቲ ዕለት ሓለፍቲ ክልተ ላዕለዎት ኣብያተ ጽሕፈት ቅድስት መንበር ሓላፊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ሓድነት ክርስትያን ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽን ሓላፊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ብፁዕ ካርዲናል ሚገል ኣንኸል ኣዩሶ ጒኾትን ብሓባር፣ ‘ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ጭካኔ ዝመልኦ ሰይጣናዊ ተግባር ዓመጽ ብኣጽዋር እግዚአብሔር ማለት ብጾምን ብጸሎትን ክንምልስ ምሂሩና። ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 23 ለካቲት 2022 ዓም ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ፍጻሜ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ምጅማር ጾመ ኣርባዓ ዘመልክት ሮቡዕ ሓሙዂሽቲ ዕለት 2 መጋቢት ንሃገረ ኡክራይና ዝተወፈየት ኰይና ኩሎም ኣመንቲ ብፍሉይ መንገዲ ስለሰላም እዛ ሃገር ብልቢ ክጽልዩ ንዝጸውዕዎ ሓሳባት ሰላም ንክስዕሩ ኩልና ንሓብር’ እንክብሉ ምስ ር.ሊ.ጳ ከምዝሓብሩ ገሊጾም።

ብፁዕ ካርዲናል ኮኽ ብወገኖም እዚ ጻውዒት ንሕዝባዊ ሓፈሻዊ ጸሎት ብቀንዱ ናብ ሕልና ነፍሲወከፍ ዝቀርብ ጻውዒት ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ኣብሪሆም።

ንዓና ንካቶሊካውያን ሮቡዕ ሓሙዂሽቲ ምጅማር ጾመ ኣርባዓ ስለዝኾነ ድሮ ንጾምን ጸሎትን ዝተወሰነ ዕለት እዩ። ቅዱስነቶም ነዚ ጻውዒት እዚ ከቅርቡ እንከለው ብቀንዱ ንኣና ንምዝኽኻር እኳ እንተኾነ ንኣባላት ካልኦት ኣብያተ ክርስትያንን ኩሎም ሰብ ጽቡቅ ድላይ ዝኾነ ሰባትን ኣብ ጸሎት ሰላም ንክሓብሩና እዩ። እዚ ከኣ ኩልና ክንተሓባበርን ክንደጋገፍን ንማለት እዩ። ምኽንያቱ ከኣ ሓደ ዓቢይ ውግእ እንክለዓል ንሕና ደቂሰባት ምንም ክንገብር ዘይንኽእል ኰይኑ ስለዝስመዓን እንታይ ንግበር ዝብል ሓሳብ ይህውጸና። ኣብዚ ግዜ እዚ ናብ እግዚአብሔር ምትእምማን ኣድላዪ እዩ። ምኽንያቱ ከኣ እግዚአብሔር ወትሩ ሰላም እዩ ዝደሊ ብምንም ተኣምር ውግእ ኣይደልን። ኣብ ርእሲ እዚ ሓፈሻዊ ሕዝባዊ ጸሎት እንክእወጅ ናብ ሕልና እቶም ውግእን ሰላምን ክገብሩ ዝኽእሉ ሰበሥልጣን ዝቀርብ ጻውዒት እውን እዩ። በዚ ከኣ ሕልናኦም ክምርምሩን ከንጽሑን ኣብ ሕልናኦም ናይ ሰላም እምበር ናይ ውግእ ሓሳብ ከይህልዎም ይጽውዕ። ብሳልሳይ ደረጃ ከኣ ስለሰላም ዝግበር ጸሎት ነቶም ኣብ ማእከል እቲ ትራጀዲ ኰይኖም ስድራቤቶምን ገዛውቶምን መረበቶምን ንዝሓድጉን ንዝሳቀዩን ሰባት ኣብ ጐድኖም ከምዘሎኻ ቅርበትና ዘረጋግጽ እዩ። ነዞም ሰባት እዚኦም ጸሎት በይኖም ከምዘይኮኑ ስለኦም ዝሓስቡን ስለኦም ዝጽልዩን ኣሕዋትን ኣሓትን ከምዘለውዎም የረጋግጸሎም ኢሎም።

ብፁዕ ካርዲናል ኣዩሶ እውን ብወገኖም ኩሎም እምነታ ብሓባር ንምጽላይ እንክእከቡ ናይ ብዙሓት ባህልታትን እምነታትን ዝኾነ ጾምን ጸሎትን ቀንዲ መራኸብን መዛተዪን ስለዝኸውን ንውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ እውን ዘደንፍዕ ብምዃኑ ንጻውዒት ቅዱስነቶም ብዙሓት ተኸተልቲ ካልእ እምነታት እውን ሃንጐፋይ ኢሎም ተቀቢሎሞ። ከም እምነት ኩልና ከኣ ጾምን ጸሎትን ናይ ኩሎም ንሰላም መላእ ዓለም ከረጋግጽ ዘለዎም ተስፋ ብምግላጽ ኩልና ክንሳተፍ ጸዊዖም።

01 Mar 2022, 13:24