ድለ

ኣብ ዩክረይን ግጭት ካብ ዝባራዕ ሸሞንተ ዓመት ቤተ ክርስቲያን ንሰላማዊ ጻውዒት ተቕርብ ኣብ ዩክረይን ግጭት ካብ ዝባራዕ ሸሞንተ ዓመት ቤተ ክርስቲያን ንሰላማዊ ጻውዒት ተቕርብ 

ኣብ ዩክረይን ግጭት ካብ ዝባራዕ ሸሞንተ ዓመት ቤተ ክርስቲያን ንሰላማዊ ጻውዒት ተቕርብ

ዕለት 4 ለካቲት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ተዘኪሩ ኣብ ዝወዓለሉ እዋን ነታ ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ መስጐጒቲ ዝወርዳ ቤተ ክርስቲያን ጒስነትን ግብረ ሰናይን ንምቕራብ እተወፍየ ጳጳሳዊ በዓል መሰል ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ግብረ ሰናይ

ኣብ ዩክረይን ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ኣብቲ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ግብረ ሰናይ ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ዘዳለዎ ዋዕላ እቲ ኣብታ ሃገር ሸሞንተ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ግጭት ከብቅዕ ብዘይ ምቁራጽ እተቕርቦ ጻውዒት ሰላምን ትፍትሕን ብምዝካር ኣብቲ ዋዕላ እተሳተፉ ኣብ ዩክራይን ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሊቀ ጳጵሳትን ኣብ ኡክራይን ናይ ቅስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽን፥ ኣብዚ እዋን እዚ ዓመጽ እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ዘርኢ ስግኣት እናህለወ ሰላም ንምምጻእ ዘተ እንኰ መጋበርያ ምዃኑ ብኣጽንዖት ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ዩክረይን ዝረአ ዘሎ ግጭት ንኸብቕዕ ብዝተፈላለየ መዳያት ጻዕሪ ከም ዝካየድን ብፍላይ ቤተ ክርስቲያን ፍትሓዊ ሰላም ክረጋገጽ ብጸሎትን ሕልና ሕዝቢ ብምንቕቓሕን ንሰብ ሰብኣውነቱ ዝገልጾ ውግእ ዘይኮነስ ደላይ ሰላምን ፍትሕን ምዃኑ ብምሕባር እቲ ንውግእን ዓመጽን ዝባኽን ሓይሊ መጋበርያ ሰላም ክኸውን እቲ ግጭት ካብ ዝባራዕ ኣትሒዛ ጻውዒት ከም እተቕርብ ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ~

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ግጭት ዩክራይን

ዕለት 4 ለካቲት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ተዘኪሩ ኣብ ዝወዓለሉ እዋን ነታ ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ መስጐጒቲ ዝወርዳ ቤተ ክርስቲያን ጒስነትን ግብረ ሰናይን ንምቕራብ እተወፍየ ጳጳሳዊ በዓል መሰል ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ግብረ ሰናይ፥ ብዛዕባ ህላወ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጐ ግጭትን እቲ ግጭት ንኽውገድ እተሳልጦ ጻዕርን ኣብቲ ግጭት ኵነታት ቤተ ክርስቲያን ማእከል ዝገበረ ኣብ ዝጠለቦ ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ዝተካየደ ዓውደ ኣኼባ ፍልዩ መርሕ ቃል “ኡክራይን - እቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ሸሞንተ ዓመት ኣብ ዘቝጽር ዘሎ ግጭት ዘሐለፈቶን እተሕልፎን ዘላ ተመክሮ” ዝብል ኣብ ዩክረይን ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓብይ ሊቀ ፓጳሳት ጻድቕነቶም ስቪያቶልስላቭ ሸቭቹክን ኣብ ዩክረይን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ቪስቫልዶስ ኩልቦካስ ዝርከብዎም ኵሎም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ዘሳተፈ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኮቪድ ዘስዓቦ ቅልውላው እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ክልተ ዓመትን እቲ ሸሞንተ ዓመት ዘቝጽር ዘሎ ግጭት እቲ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ግብረ ሰናይ ብዝተፈላለየ መደባት ግብረ ሰናይ ኣቢሉ ነቲ ኣብ ስቓይ ዝርከብ ህዝቢ ዩክራይን ቀረባ ብምዃን ድጋፍ ከቕርብ ከም ዝጸንሔን ሎሚ እውን ንሕዝብን ነታ ኣብቲ ከባቢ እትረክብ ቤተ ክርስቲያን ሓገዝ ካብ ምቕራብ ከም ዘይቦኸረ፥ ናይቲ ንስቓይ ዝዳረግ ዘሎ ሕዝቢ ድምጺ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፥ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብውሳኔ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 26 ጥሪ 2022 ዓ.ም. መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ኡክራይን ምክያዱ የዘኻኽር።

05 Feb 2022, 17:31