ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ንህዝቢ ዩክረይን ሓገዞም ይገልጹ
ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ምስ ናይ ክየቭን ሃልይችን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ዝቪያቶስላቭ ሸቭቹክ ዕለት 14 ለካቲት ብስልኪ ተራኺቦም ቅድስቲ መንበር ምስታ ኣብ ዩክራይን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጥብቂ ርክብ ከም ዘለዋን ኣብዚ ጽንኵር እዋን እዚ ንህዝቢ እታ ሃገር ቅርበቶም ደገፎም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሊቀ ጳጳሳት ሸቭቹክ ኣብቲ ዕለት 14 ለካቲት ካብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዝተገብረሎም ናይ ተለፎን ጻውዒት ብዛዕባ ህልው ኩነታት ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዩክረይን ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ዩክራይን ዘዘንብይ ዘሎ ሰፊሕ ወራር ሩሲያን ሰፊሕ ሓበሬታ ከም ዝሃቡን ቅድስቲ መንበር እውን ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ውጥረት ብቐረባ ትከታተሎን ሰላማዊ መፍትሒ ንኽርከቦ እተካይዶ ጻዕሪ እውን ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ኣብ ዩክረይን ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ብፍላይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 ለካቲት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ህልው ኵነታት ዩክረይን እናሓሰብ “ኣብ ዩክረይን ሰላም ክወርድን ውግእ ከይካየድ” ኵሉ ክጽሊ ስለ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣመስጊኖም ህዝቢ ዩክረይን ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ዩክረይን ክጽለ ዘቕርብዎ ምሕጽንታ ብቐረባ ይከታተሎን ይሰምዖን ይትግብሮን እውን ምህላዊ ገሊጾም ነዚ ምኽንያት ኣህጉራዊ ቅልውላው ዘስዕብ ውጥረት ንምስናፍ ቅድስቲ መንበር ብስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ኣቢላ ንእተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ሞሳኦም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ኣብዚ ሽግር ዝመልኦ እዋን እዚ ብጹዕ ካርዲናል ናብ ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ሸቭቹክ ዘካየድዎ ናይ ስልኪ ርክብ፥ “ብጹዕ ሸቭቹክ ንኤጲስ ቆጶሳት ነቶም እተምርሕዎም ካህናትን ምእመናንን ከምኡ እውን ንዅሎም ህዝቢ ዩክረይን ደገፍ ቅድስቲ መንበር ከም ዘይፍለዮምን ወትሩ ኣብ ጸሎት ህልዋን ምዃኖም ብኣኹም ኣቢለ ከረጋግጽ እፈቱ” ብዝብል ሓሳብ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።