ድለ

ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ዛዕባ ክህነት ዚገልጽ ዓቢይ ዓውደ ኣኼባ ትውድብ

ስፍሓት ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ምስ እዋናዊ ዓለም ብምትሕሓዝ ክህነትን ንጽሕናን ዘተጣምረ ህይወት ከመይ ክንበር ከምዘለዎ ዘመላኽት

ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጒዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ማርክ ኦለት ብዛዕባ እቲ ካብ ዕለት 17 ክሳብ ዕለት 19 ለካቲት 2022 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ዝኽፈት ዛዕባ ክህነት ዚገልጽ ቲዮሎጊያዊ ዘማእከለ ዓውደ ኣኼባ መሰረት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት መብርሂ ሂቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ሃገረ ቫቲካን

እቲ ብሓልዮት ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጒዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር እተወደበ “ናብ መሰረታዊ ቲዮሎጊያ ምስጢረ ክህነት” ዘርእስቱ ቲዮሎጊያዊ ዓውደ መጽናዕቲ ጸዋዕታ ክህንትን ዓለማውያን ምእመናንን ካህናት ብሓባር ዝዓዩሉ መገዲ ምምሕያሽ ተልእኾ ኣገልግሎት ንጽሕና ኣብ ክህነታዊ ህይወት ዝኣመሰለ እትፈለልየ ጒዳያት ንምምርማር ዝዓለመ ምዃኑ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ማርክ ኦልት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ ብዛዕባ ተጋባእያን ዘቕርብዎ መሰረታዊ ሕቶታትን ኣርእስትታትን መሰረት ገይሮም እውን ሓፈሻዊ ርእዮቶ እንክህቡ፥

እቲ ኣጋጣሚ ኣብ መንጎ ምስጢረ ክህነትን ብዛዕባ እቲ ኣብ ምስጢረ ጥምቀት እንቕበሎ ሓፈሻዊ ክህነታውነትን ዘሎ ርክብ ዘማእከለ ሰፊሕ ቲዮሎጊያዊ ምርምርም ዘጠቓልልን ነዚ ምርምር እዚ እውን ብሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን መሰረት ዘንብብ ኮይኑ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጎ እተፈላለየ ጸዋዕታ ዘሎ ሱታፊኣዊ ምትሕብባር ተማላኢ ምዃኑ እውን ብዕምቖት ዘብርህ ቲዮሎጊያዊ ዓውደ መጽናዕቲ እዩ ኢሎም።

ብዛዕባ ንጽሕና ኣብ ክህነት ዝምልከት ሕቶ

ኣብታ ናይ ላቲን ሕገ ቀኖና እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጸዋዕታ ክህነት ምስጢረ ክህነትን ዝንበርን ዝሕበርን ንጽሕና ብዙሕ ኣገዳስን ምርምርን ዝግበረሉ ኣብ አእዋኑ እናተላዕለ ብዙሓት ርእይቶ ዝህብሉ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ነጥቢ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ብዛዕባ ምስጢረ ክህነትን ነዚ ኸኣ ምስቲ ካብ ምስጢረ ጥምቀት እንቕበሎ ዓይነት ክህነት ኣብ ግምት ብምእታው ሰፊሕ መብርሂ ክቐርብ ምዃኑን እቲ ዋዕላ እቲ ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ንጽሕና ህይወት ኣብ ምስጢረ ክህነት ዝገልጽ ኣናስራዊ ታሪኽ ዝቐርበሉ እውን እዩ ይብሉ።

ይዅን እምበር ስፍሓት ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ምስ እዋናዊ ዓለም ብምትሕሓዝ ክህነትን ንጽሕናን ዘተጣምረ ህይወት ከመይ ክንበር ከምዘለዎ ዘመላኽት ምዃኑ ገሊጾም ንጽሕና ኣብ ክህነታዊ ሕይወት ግቡእን ግደታን እዩ ኣይኮነ ንዝብል ብተደጋጋሚ ብዝተፈላለየ መዳያት ንዝቐርብ ሕቶታትን ክትዓትን ዝምልስ ዓውደ መጽናዒት ኣይኩነን፥ እንታይ ደኣ ንጽሕና ኣብ ምስጢረ ክህነት ዘብርህ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

09 Feb 2022, 17:48