ድለ

2022.02.04 Rabbino Lustig 2022.02.04 Rabbino Lustig 

ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መምህር፥ ‘ሕውነት ንዓለም ብፍቕሪ ዝፍውስ ኣጋጣሚ እዩ’

ሃይማኖት ኣይሁድ ምስ ካልኦት ኣብርሃማውያን ሃይማኖታት ዘየጋጭው፥ “ኵላትና ብኣምሳልን ኣርኣያን እግዚኣብሔር ከም እተፈጠርናን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ልዑል ዘይገሃስ መሰላት በዓል ቤት ምዃንና” ዘረጋግጽ ሓባራዊ ማእስር

ዕለት 4 ለካቲት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ እተዘከረሉ ዕለት ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መምህር -ረቡኒ ብሩስ ሉስቲግ መዓልቲ ዝኽሪ ሰብኣዊ ሕውነትን እታ ነዚ መዓልቲ እዚ ዝደረኸት ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ ዓለም ዝርአይ ፍልልያት መጋበርያ ዓመጽን ግጭትን ውግእን ኢፍትሓውንትን ከይኸውን መታን ምግምማዕ ብፍቕሪ ንምሕዋይ ኣጋጣሚ ዝኸፍት እዩ እንክብሉ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ሰብኣዊ ሕውነት ዘሎ መሰረታዊ ስርዓታት “ኵላትና ክንስዕቦ ኣሎና” እቲ መሰረታዊ ስርዓት፥ ብዛዕባ ክብረን ፍትሕ ስምምዕ ሰላም ናይ ሓባር ጥቕሚ ብዛዕባ ፍቕሪ እዩ ዝዛረብ፥ ነዚ ዝበሉ ኣብ ሕቡራት መንግስታታ ኣመሪካ - ዋሽንገተም ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ዓቢይ ራባይን ኣባል ዓለም ሓቆፍ ላዕለዋይ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ኣብቲ ኣብ ኣቡ ዳቢ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝኽሪ ካልኣይ ዓመት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዝተሳተፉ ራባይ ብሩስ ሊስቲግ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፥

ሓባራዊ ኣብርሃማዊ ማእስር

ሃይማኖት ኣይሁድ ምስ ካልኦት ኣብርሃማውያን ሃይማኖታት ዘየጋጭው፥ “ኵላትና ብኣምሳልን ኣርኣያን እግዚኣብሔር ከም እተፈጠርናን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ልዑል ዘይገሃስ መሰላት በዓል ቤት ምዃንና” ዘረጋግጽ ሓባራዊ ማእስር ኣለዎ። እዚ ሓባራዊ ማሕስር እዚ ኣብራሃማዊ ማእስር እዩ ኢሎም፥ ኣተሓሒዞም እቲ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘሎ መሰልን ክብርን ፍቕርን ርህራሄን ኣፍልጦ ንኽንህበሉ “ጻውዒት” እዩ ኢሎም።

ኣብ ዋሽንግቶን ናይ ሃይማኖት ኣይሁድ ዓቢይ ራባይ ሊስቲግ፥ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ዓቢይ መምህር ኣልጣይብን እዩ ንዅሉ ሰብ ከም ሓውን ሓብትን ጌርና ክንርእዮ ምስ እንጅምር “ዓለም ክትልወጥ እያ” ቢሎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ኣብ ዓለም ካብ ጠቕላላ ብዚሕ ህዝቢ ነቲ 41 ሚእታዊ ዝሽፍን ክፍሊ ዝውክሉ ከም ዝኾኑ ይገልጹ።

ከምዚ ዓይነት ጽልዋ ዘልዎ ካልእ ሰብ የሎን፥ ቢሎም ዓለምና ተባላሽያ እያ ዘላ እዚ ኸኣ ብፍቕሪ ንኸነሕውያ እቲ ሰነድ ነቲ ዘሎ ኣጋጣምታት የመላኽተና፥

ሰብኣዊ ሕውነት ብቛንቋ እብራይስጥ ‘ቲኵን ኦላም’ ብዝብል ቃል እዩ ዝውከል እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ዓለም ዝርአ ፍቕራዊ ህያውነት ተግባራት ማሕበራዊ ፍትሒ ርሕራሐን ኰታ እቲ ንዓለም ዘሕውያ ዘበለ ነገራት እዩ ዝውክል እዚ ኸኣ ኣብቲ ሰነድ ዝተመላኸተ ትጽቢት እዩ!

እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

05 Feb 2022, 17:28