መስርሕ ሲኖዳውነት፥ ቀዳማይ ገምጋም ዛዕባ ብድሆታትን ዝካየዱ ዘለዉ ምቅስቓሳትን
ነቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ዝተበገሰ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝዛዘም ሲኖዶስ ማእከል ዝገበረ ብናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሲኖዶስ ዝተወደበ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 26 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ብመረብታዊ ውሕዘት ከም እተኻየደን እቲ ድሮ ኣብ ከባቢያዊት ቤተ ክርስቲያን ዝካየድ ዘሎ ርክብ ዘሐጉስ ምዃኑን ነፍሲ ወከፍ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበለ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዘለዎ ምስትውዓል ክብ ንኸብል ይሕግዞ ምህላውን ምሉእ ብምሉእ ናብ ሲኖዳውነት ከዘምብል ግዜ ከም ዘድልዮ ኣብቲ ዓውደ ኣኬባ ከም እተሰመረሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብዛዕባ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ብደረጃ ሰበኻታት ኣብ መላእ ዓለም እተበገሰ መስርሕ ሲኖዳውነት ናይ መጀመርታ ገምጋም ከም ዝቐረበን እዚ እውን ካብ መላእ ሃገራት ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያ ተክርትያን ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳት ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ጸብጻብ ሰነድ ዝተመርኮዘ ከም ዝዀነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ መስርሕ ሲኖዶስ ካብ ዝግበስ ድሕሪ ሰለተ ወርሒ ኣቢሉ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሲኖዶስ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ ካብ መላእ ሃገራት ዝርከቡ ኣባይቲ ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳትን ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ሶኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳት ዝቐረበ ጸብጻብ መስርሕ ሲኖዳውነት ከም ዝገምገመን ብናት ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ግረች ተመሪሑ ብመረብታዊ ውሕዘተ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከብ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ብዛዕባ ሲኖዶስ ንዝምልከት ጉዳይ ንኽከታተሉ እተሾሙ ኣካላት ዘሳተፈ ምንባሩ ኣፍሊጡ።
ብድሆታት
ብዛዕባ እዚ ዝተበገሰ ሲኖዳውነት እዚ ዓለማውያን ምእመናን ኵሎም ውፉያን ውዕዉዕ ስምዒት የሕደረሎም ከምዘሎን ሲኖዳውነት ብዝተፈላለየ ተበግሶታት ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ይትርጐም ከምዘሎን ነዚ ዘረጋግጽ እውን ሓያሎ ምስክርነት ድሮ ኣብቲ ናይቲ ሲኖዶስ ወግዓው መርበብ ሓበሬታ ተመልክቲ ከም ዘሎን ኵሉ ተስፋ ንኽገብር ጥራሕ ዘይኮነ መንፈስ ቅዱስ ይዓዪ ከምዘሎ ዝሕብር ምልክት እውን ምዃኑ ኣብቲ ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ከም እተሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እቲ ሕጂ ዘሎ ለብዒ ነቲ ብኣካል ናይ ምራኻብ ክእለት ስለ ዚድርቶ ዓቢዪ ዕንቅፋት ኰይኑ ኣሎ። እቲ ናይ ሓቂ ብድሆ ናይ ሓባራዊ ምስማዕን ናይ ሓባር ምስትውዓልን ስለ ዝዀነ ምኽሪ ህዝበ እግዚኣብሔር ናብ ሕቶ ጥራይ ክቕየር ኣይክእልን እዩ። ካልእ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ብድሆ፥ 1. ሲኖዶስ ብሓቂ መንፈሳዊ መስርሕ ደኣ እምበር ናብ ባይቶኣዊ ክትዕ ምእንቲ ከይቕየር ብፍላይ ኣብ ምስማዕን ምስትውዓልን ክምስረት ምግባር፡ 2. እዚ ኣብ ጸሎትን ቃል ኣምላኽ ንምስማዕ መሰረት ዝዀነ ሓባራዊ ምስማዕ ንኻልኦት ወንጌል ንምእዋጅ ገዛእ ርእስና ናብ ምርሃው ምእንቲ ኪመርሓና ኣብ ናይ ጒጅለኣዊ ኣኼባታት ርእስና ንኸይነወፊ ካብ ዝድርኽ ፈተና ምርሓቕ ዝብልን ሓንቲ ሲኖዳዊት እትበሃል ቤተ ክርስቲያን ነፍሲ ወከፍ እተጠመቐ ሰብ ንተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ተሓባብሪ ኰይኑ ዝስምዓላ ልእኽቲ ወንጌል ቤተ ክርስቲያን ማለት እዩ ዝብልን። 3. ተሳትፎ መንእሰያት ከተመሓይሸሉ እትኽእለሉ መግድታት ምርካብ፡ 4. ነቶም ኣብ ሕድጋት ኤቅለሲያዊ ተቕዋማት ዚነብሩ ክሕቆፉ ምግባር፡ 5. ኣብዚ ጒዳይ እዚ ብዛዕባ ሰጋእ መጋእ ዝብሉ ካህናትን ጒዳይን ዝብል ምዃኑ እቲ ኣኼባ ከም ዘመልከተ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
መደምደምታ
ብሓጺሩ ሓድሽ መስርሕ ሲኖዳውነት ብዙሕ ሓጐስን ብርቱዕ ምንቅስቓስን የምጽእ እንተ መሰለ ብዙሕ ክፍታሕ ዘለዎ ምጥርጣራት እውን ኣሎ። ኵሎም እቶም እተጠመቝ ሰባት እምነቶም ክብ ዘብልሉ ሲኖዶስ ክሳብ 2023 ዓ.ም. ዝቕጽል ነዊሕ መስርሕ ምዃኑ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ እውን ይኸይድ ምህላዉን ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ባህጊ እዚ ካብ 2021 – 2023 ዓ.ም. ዝቕጽል ሲኖዶስ ብምዃኑ ጭቡጥ ምልክታ ሲኖዳውነት ኣብ ቤተ ክርስቲያብ ብዝያዳ ኪርአ ዝብል እዩ።
ጸብጻብ ንምድላው እተገብረ ምድላዋት ምስትብሃል
ነቲ ጠቕላሊ ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዘቕረቦ ሓያሎ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ ካብ ኣባይቲ ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳትን ሰበኻታትን ዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት ብኸመይ ነቲ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ምድላው ከም ዘድሊ ዚገልጽ መዘኻኸሪ ከም ዝቐረበን እቲ ጸብጻብ ንምድላው እተገብረ ምድላዋት ንባዕሉ ናይ ምስትውዓል ተግባር ማለት ፍረ መንፈሳዊ መስርሕን ምትሕብባርን ምዃኑ የረጋግጽ ብዝብል ሓሳብ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ከም እተዛዘመ ዜና ቫቲካን የመላኽት።