ድለ

ፓሮሊን፥ እቶም ጽሕፍቶ ዓለም ኣብ ኢዶም ዝዀነ ካብ ዘስካሕክሕ ውግእ የናግፉና!

ድሕሪ እቲ ሩሲያ ኣብ ዩክረይን  መጥቃዕቲ ዘበገሰትሉ ዕለት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን “ሕጂ እውን እንተ ዀነ ጽቡቕ ፍቓድን ውዕላትን ዝግበረሉ ግዜ ኣሎ” ቢሎም ተጻባእቲ ሓይልታት ናብ ዘተ ክምለሱ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዩክረይን ዘጋጠመ ቅልውላው ናብ ግጭት ኣብ ዝተሰጋገረሉ መዓልቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብመራኸቢ ብዙሓን ኣቢሎም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥

ሎሚ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ቅልውላው ናብ ግጭት ኣብ ዝሰጋገረሉ ዘሎ እዋን ዕለት 23 ለካቲት 2022 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዝለገስዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ ዘሎ ዘሕዝን ኵነታት ኣመልኪቶም ዝበልዎ ብሓቂ ልባዊ እዩ። “ብርቱዕ ቃንዛ” ማለት “ጓህን ሻቕሎትን” ከም ዘለዓዓለሎም እዮም ዝገለጹ። ንዅሎም እቶም ኣብቲ ጒዳይ እቱዋት ዝኾነ ጒጅለታት ከኣ “ነቲ ኣብ መንጐ ሃገራት ዘሎ ህላወ ዝህውኽን ኣህጉራዊ ሕጊ ዘሕስር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝያዳ ስቓይ ካብ ዘምጽእ ዝዀነ ይዅን ስጒምቲ ክቝጠቡ ሰላማዊ ህላወ ኣብ ምርግጋጽ ክተግሁ” ተማሒጺኖም እዮም። እዚ ቅዱስነቶም ዘመሓላለፍዎ ጻውዒት እዚ ኣብ ዞባ ዩክረይን ወተሃደራዊ ንጥፈታት ሩስያ ምስ ተጀመረ ከም ዝኾነን እቲ ናይ ቅዱንቶም ጻውዒት ብህጹጽ ብዅሉ ተቐባልነት ረኺቡ እዩ። እቲ ዘሕዝን ግን ኵሉ ሰብ ዚፈርሆ ዝነበረ ዘጒሂ ፍጻመታት ጋህዲ እናዀነ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። እንተዀነ ግን ጽቡቕ ስምዒት ዝህልወሉ ንምይይጥ ዝኸውን ግዜ ናይ ወገናት ረብሓታት ንምስፋሕ ዝብልን ነቲ ሕጋዊ ትምኒታት ኵሉ ሰብ ዘዕቍብ ከምኡ እውን ንዓለም ካብ ጽላለን ዘስካሕክሕ ውግእን ዘናግፍ ጥበብ ናይ ምጥቃም ግዜ ሕጂ እውን ህልው እዩ። ንሕና ኣመንቲ ስለ ዝዀንና ኣብ ሕልና ናይቶም መጻኢ ዓለም ኣብ ኢዶም ዘለዎም ሰባት ተስፋ ንገብር። ኣብ ዩክረይንን ኣብ መላእ ዓለምን ሰላም ምእንቲ ኪህልወና ድማ ብቐጻሊ ንጽሊ። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዘተሓሳሰብዎ ዕለት 2 መጋቢት 2022 ዓ.ም. መዓልቲ ጾምን ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክረይን ክካየድ እዩ”  እንክብሉ ከምዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካ ኣፍሊጡ።

25 Feb 2022, 17:14