ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚት፥ ‘ብዘይ ደቀንስትዮን ሰብኣዊ ሕውነት የሎን’
ኣባል ላዕለዋይ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ለይማ ጉቦዊ ኣብ መላእ ዓለም ሰብኣዊ ሕውነት ንምድንፋዕ መሰላት ድቀንስትዮን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣዋልድን ምድንፋዕ ወሳኒ ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ብኣጽንዖት የዘኻኽራ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዕለት 4 ለካቲት ኣብ መላእ ዓለም ከም ዝበዓልን እዚ ድማ እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምኡ እውን ኣብ ምስሪ ናይ ዓል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ኣብ ኣቡ ዳቢ ብሓባር ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ዕለት 4 ለካቲት ከቲሞም ወግዓዊ ምስ ዝገበርሉ መዓልቲ ዝተተሓሓዘ ክኸውን እንከሎ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ተቐባልነት ካብ ዝረክብ ንነጀው ንኻልኣይ ዓመት ይዝከር ኣሎ። ነቲ ሰነድ መሰረት ዝገበረ ዝቖመ ዓለም ሓቆፍ ላዕለዋይ ሽማግለ ሓልዮ ሰብኣዊ ሕውነት ንዝኽሪ ካልኣይ ዓመት ሰብኣዊ ሕውነት ካብ ዕለት 2 ክሳብ ዕለት 5 ለካቲት 2022 ዓ.ም. ኣብ ዱባይ ዓውደ ኣኼባ የካይድ ከምዘሎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ ።
ፍጻሜታት ዱባይ
ካብ ዝተፈላለየ ደረጃ መነባብሮ ዝመጹ ሰብኣዊ ሕውነት ንምድንፋዕ ኣብ ዝካየዱ መደባት ኣበርክቶ ዘለዎም ኣብዚ ናይ ለምዘበን “ኣብ ታሕቲ ሓደ ሰማይ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጒባኤ ይሳተፉ ምህላዎም ኣብቲ ናይ ሎሚ ዕለት 4 ለካቲት መደብ እውን ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓረብ ናይ ምጽውዋርን ሓባራዊ ናብራን ጒዳይ ሚኒ. ሸኽ ናሃያን ማባራክ ኣል ናህያን መደረ ከም ዘስምዑ ብጀካኦም እውን ሃገረ ቫቲካንን ልኡካን ቫቲካን መሪሖም ዝሳተፉ ዘለዎ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ሚገል ኣንገል ኣዩሶን ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይመምህር ተራዳኢ ዶክተር ሙሃማድ ኣልዱዋኒን ናይ ሰብኣዊ ሕውነት ላዕለዋይ ሽማግለ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ዳይና ሞሃመድ ኣብደልሳላም ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታታ ዓለም ናይ ትምህርትን ስነ ምርምርን ባህልን ውድብ ነበር ዋና ኣመሓዳሪት ኢሪና ቦኮቫን ናይ ዓለም ሓቆፍ ኣቢያተ ክርስቲያን ጒባኤ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ዶክተር ይኣን ሱኣካን ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ኣቦ መንበር ፕሮፈሰር ሞሃመድ ኣል ማህራዊ መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካ ሓቢሩ።
ድምጺ ደቀንስትዮ
ኣብቲ ናይ ኣቡ ዳቢ ዋዕላ ዝሳተፋ ዘለዋ ኣብ 2011 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚት ላይበሪያዊት ናይ ሰላምን ናይ ደቀንስትዮ ጒዳይ ተጣባቒት ናይ ዓለም ሓቆፍ ሰብኣዊ ሕውነት ሓልዮ ላዕልዋይ ሽማግለ ኣባል ላይማህ ጎብዊ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝካየደኦ ቃለ መሕትት፥ “ዘይንጸል ክፍሊ ፍጥረት ኣምላኽ” ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ድምጺ ኰይነን ኣብ ምንቕቓሕ ዓለም ሓቆፍ ሰብኣዊ ሕውነት ይዓያ ከም ዘለዋ ይሕብራ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ኣንስትን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣዋልድን ኣብ ዓለም ግጭት ይሃሉ ኣይሀሉ ንከቢድ ዓመጽ ዝቃልዓን ካብ ፖለቲካዊ መስርሕን ውሳነ ካብ ናይ ምግባር መስርሕ ከም ዝንጸላን ብዘይ ደቂ ኣንስትዮን ምኽባር መሰል ደቀንስትዮን ኣብ ዓለም ሰብኣዊ ሕውነት ክህሉ ዘይሕሰብ እዩ” ይብላ።
ብዘይ ላሳን ደቀንስትዮ ሕውነት ኣይህሉን
“ብዘይ ደቀንስትዮ ሰብኣዊ ሕውነት ክህሉ ኣይክእል፡ እቲ ቀዳማይ ጭቡጥ ስጒምቲ ንሱ ምዃኑ እውን ብሰንኪ ጽንዓት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብን ኣብ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ተመልኪቱ ኣሎ፡ ኣብ ሃይማኖት ኮነ ኣብ ፖለቲካ ማዕርነት መሰልን ክብርን ውሑስ ክኸውን ከም ዘለዎ እቲ ሰነድ የተሓሳስብ፡ ስለዚ ኣብ ዓለም ኣብቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዝትክፍ እተፈላለየ ጒዳያት ለውጢ ምእንቲ ክንርኢ ነቲ ሰነድ ኣብ ግብሪ ንምውዓል እቲ ላዕልዋይ ሽማግለ ዓለም ሓቆፍ ሰብኣዊ ሕውነት ኣበርቲዑ ይዓዪ” እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።