ድለ

ብጹዕ ካርዲናል ራቫዚ፥ ዘተ ሱርን ውርሻን ኵለን ሃይማኖታት እዩ! ብጹዕ ካርዲናል ራቫዚ፥ ዘተ ሱርን ውርሻን ኵለን ሃይማኖታት እዩ! 

ብጹዕ ካርዲናል ራቫዚ፥ ዘተ ሱርን ውርሻን ኵለን ሃይማኖታት እዩ!

እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ምርኢት ኵለን ዓበይቲ ሃይማኖታት ናብቲ ኣገዳሲ ውርሻአን ዚምለሳሉ መገዲ ዘጒልሕ እዩ፡ ኣብ ኵለን ሃይማኖታት ውርሻ ኣሎ፡ ውርሻ ኣብ ዝብል ሓሳብ ሓባራውነት ኣሎ ፍሉይነት እውን ኣሎ ስለዚ እቲ ፍሉይነት ብናይ ሓባር ዘተን ርክብን እዩ ክምላእ ዘለዉ፡

ኣብዚ ዓለም ሓቆፍ ካልኣይ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ቡጹዕ ካርዲናል ራቫዚ፥ ኣብቲ ኵላትና ዘላቕን ዝሓሸ ዓለም ናይ ምሕናጽን ንመጻኢ ናይ ምቕራጽን ሓይሊ ኣሎና ብዝብል ቃል ተመሪሑ ኣቡ ዳቢ ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ምርኢት ናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ምርኢት ብወግዑ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

 እቲ ኣብ ዱባይ ዝካየድ ዘሎ ኵላዊ ምርኢት ሱታፌ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ትርጒም ሕውነት ምሕዝነት ዘተን ምርኻብን ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጐ ባህልታት ዝግበር ናይ ምቅርራብን ምልውዋጥን ብርታዔ ንኸተፍልጥ ዝሕግዝ መገዲ ምዃኑ ናይ ባህሊ ጒዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ራቫዚ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ ዕለት 4 ለካቲት ካልኣይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት እውን ዝቕርብ ብምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ምርኢት ኣብ ሰብኣዊ ሕውነት ዘተኮረ ምዃኑ የመላኽቱ።

ካብ ርክብ ቅዱስ ፍራንቸስኮን ሱልጣንን ናብቲ ኣብ ኣቡ ዳቢ ዝተፈረመ ሰነድ

እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ትርኢት ሕመረት፥ ካብቲ ኣብ 1219 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚን ሱልጣን ማሊክን እተኻየደ ክሌእዊ ርክብ ናብቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡ ዳቢ ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ዝተኻየደ ርክብን ብሓባር ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ዝፈረምዎ ሰነድን ዘሎ ታሪኻዊ ከይድታት ዘነጽር ምዃኑ ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጒዳይ ሓልዮ ጨንፈር ናይ ስነ ምርምርን እምነትን ርክብ ጒዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ የኔታ ኣባ ቶማስዥ ትራፊንይ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ብጹዕ ካርዲናል ራቫዚ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ምርኢት ኵለን ዓበይቲ ሃይማኖታት ናብቲ ኣገዳሲ ውርሻአን ዚምለሳሉ መገዲ ዘጒልሕ እዩ፡ ኣብ ኵለን ሃይማኖታት ውርሻ ኣሎ፡ ውርሻ ኣብ ዝብል ሓሳብ ሓባራውነት ኣሎ ፍሉይነት እውን ኣሎ ስለዚ እቲ ፍሉይነት ብናይ ሓባር ዘተን ርክብን እዩ ክምላእ ዘለዉ፡ ምኽንያቱ ዘተ ነቲ ፍልዩነት ንምፍላጥ ስለ ዘብቅዕ እንክብሉ ይገልጹ።

05 Feb 2022, 09:47