ድለ

2020.09.22 Eutanasia assistenza vita 2020.09.22 Eutanasia assistenza vita 

ናይ ምሕረት ቅትለት ብምንም ተኣምር ማሕበራዊ ደገፍ ክኸውን ኣይክእልን! ላዕለዋይ ቤ/ጽ ስድራቤትን ሕ

ዓለምና እዝጊ ጸሊኡሉ ኤውታናዝያ ብዝብል ናይ ግሪኽ ቃል ዝፍለጥ ናይ ምሕረት ምቅታል ሕጋዊ ይኹን ዝብል ሥነ መጐት ከካይድ ኣብ ገሊኤን ሃገራት እውን ሕጊ ኰይኑሉ ኣብ ዘሎ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ስድራቤትን ሕይወትን ቅድስት መንበር ‘ሕይወት ወዲሰብ ብምንም ኩነታት መወዳእታ ጻዕርን ስቃይን ዘይውሰን ክብሪ ኣለዎ ካብ ጽንሲ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክዕቀብ ኣለዎ’ እንክብሉ እታ ካቶሊክ ትበሃል ሃገረ ጣልያን ነዚ ሕጊ ብድምጺ ሕዝቢ ክተጽድቅ ኣብ ትሸባሸበሉ እዋን መርገጺ ቤተክርስትያን ዳግም ኣነጺራ።

ዜና ቫቲካን!

ሓንሳእ ናይ ምሕረት ቅትለት ሓንሳእ ከኣ ብሕክምና ተደጊፍካ ሕይወትካ ባዕልኻ ምሕላፍ እንክብሉ ኣብ ዘመንና ገኒኖም መከራኸሪ ብዙሕ ጉባኤታት ፓርላመንታት ኰይኖምሉ ኣብ ዘለው እዋን ንኩነታት ስድራቤትን ሕይወትን ክከታተል ዝቆም ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስት መንበር ‘እንተ እቲ ብሕክምና ተደጊፍካ ሕይወትካ ባዕልኻ ምሕላይ ይኹን እንተ እቲ ብኤታናዝያ ዝፍለጥ ናይ ምሕረት ምቅታል መልክዕ ማሕበራዊ ደገፍስ ይኹን ክርስትያናዊ ፍቅሪ የብሎምን፣ ነዚ መንፈስ እዚ ክተስርጽ ኢልካ ዝግበር ጻዕርን ምድንፋዖምን ከኣ ባህሊ ምክንኻን ጥዕናስ ይኹን ሰብኣዊ ርሕራሔ ኣይገልጽን’  እንክብል ሰፊሕ ኣስተንትኖ ኣብ መርበር ሓበሬታኡ ዘርጊሑ። ቤተክርስትያን ደጋጊማ ከምዝገለጸቶ ሕይወት ካብ ጽንሲ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክንከናኾኖ ዘሎና ዓቢ ጸጋ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ነዚ ከኣ ክሳብ መወዳእታ ብፍቅሪ ክነሰንዮ ምስ በለት እያ።

ክሳብ መወዳእታ ብምፍቅሪ ምስናይ!

እንታይ ጸገም ኮን ይኸውን ንደቂሰባት ኣብዚ ዘብጽሖም ቢልና እንተሓተትና ኣብ ዓለምና ብዝተፈላለየ ሕማማትን መግደራን ዝሳቀዩ ምናዳ ፈውሲ ዘይርከቦም ዝተፈላለዩ ዓይነት መንሽሮ ወይውን ካንሰርን ካልእ ብሓደጋ መልመስትን ካልእ ጸገማትን ዘጋጠሞም ሰባት ኣብ ተስፋ ቊርጸትን ሞቶም ዘይተርፍ ብምዃኑ ሞቶም እንተኣቀላጠፍናዮስ ብዝብል ሓሳብን ምክንኻኖምን ምስናዮምን ብምኽባዱን ዝተላዕለ ምጒት እዩ ኣብዚ ዘብጸሐ።

እንተኾነ እዚ ብላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ስድራቤትን ሕይወትን ዝቀረበ ኣስተንትኖ ነዚ ጸገም እዚ መፍትሒ ዝኸውን ካልእ መንገድታት እውን ከምዘሎ ንምግላጽ ‘ነቶም ብምንም መድሓኒት ክተሕውዮም ዘይከኣሉ ሰባት ክትሕግዘሎም እትኽእልን ኣብ ስቃይ ንዝርከቡን ኣብ ጻዕሪ ሞት ንዘለውን ከተሰንየሉ እትኽል ካልእ መንገድታት ኣሎ። ኣብ ካልእ ከይከድና እቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝገበሮ ምዝካር የድሊ። ነቲ ስቃዩ ንምቅላል ሓኪሙ ዘኒኑ ኣብ ቦታ ዕረፍቲ ኣብጺሕዎ። ንሓደ ሰብ ዋላ ካብ መፋርቅ ሕይወቱ ንላዕሊ እውን ብፍቅርን ክብርን ክተሰንዮ ይከኣል እዩ። ነዚ ኣብነት ዝኾኑ ብዙሓት ስድራቤታት ኣዕሩኽ ሓካይም ኣለይቲ ሕሙማት ብተግባር ኣርእዮምና እዮም ገና እውን ብዓቢ ፍቅርን ተወፋይነትን ይገብርዎ ኣለው። ነዚ ግን ብመጋበሪ ሞት ዘይኮነ ብፍልጠን ጥበብን ሕይወት እዮም ዝገብርዎ’ እንክብል ንነፍስወከፍ ዘመደ ኣዳም ክሳብ መወዳእታ ብፍቅሪ ምስናዩ ክሳብ ክንደይ ሰብን እዝግን ዝፈትዎ ስራሕ ምዃኑ ብምግላጽ መንፈስ ማሕበራዊ ስድራቤት ነሕድር ቢሎም ጽሒፎም።

ማሕበራዊ ስድራቤት!

ሓደ ካብቲ ንዘመናዊ ማሕበረሰብና ከቢዱ ዘሎ ጉዳይ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስን እንታይ ገደሰኒ ዝብል ሸለልትነትን ምዃኑ ብሩሕ ብምዃኑ ነዚ ከም ፈውሲ እዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ዘቅርቦ ሓሳብ እዚ ዚስዕብ እዩ።

“ሕይወት ነፍስወከፍና ንኩልና እትምልከት ጉዳይ እያ። ነንሕድሕድካ ምትሕልላይ ኣብ ጐድንና ናይ ዘለው ሕይወት ኣብ ልብኻ ከምዝስቈረካ ምግባር ናይ ቁሩባት ምርጫ ጥራይ ክኸውን የብሉን እንታይ ደኣ ዕዮ ገዛን ቀንዲ ውራይን ነፍሰወከፍና ሓባራዊ ሓላፍነት ማሕበርሰብናን ኮይኑ ኣብዚ ምድሪ እዚ ንማሕበረሰብ ዘመደ ኣዳም ኣብ መወዳእታ ኣብ ቅድሚ እቲ ካብኡ እንመጾን ናብኡ እንኸዶን ፈጣሪ ጸብጻብ ክንህብ ኢና። ኣብ ሓንቲ ስድራቤት ከም እንውለድ ንዘክር እንተኾነ ናይ ዝዓበየ ማሕበራዊ ስድራቤት ዓለምና ክፍሊ ምዃና ነስተውዕል። ንሕይወትና ንሕይወት ካልኦትን እንተዘይተኻናኺንና ጓንነት ጥራይ እዩ ዝተርፈና። እዚ ነንሕድሕድካ ጓኖት ምዃን ከኣ ዝሓሰመ ሕስረት ዘመደ ኣዳም እዩ። ንሕይወት ባዕላ ጓናኣ ንኸውን እንክንውለድ ጓኖት እንክንመውት እውን ጓኖት ንኸውን ንወዲሰብ ካብዚ ዚሓዝን ዘሕዝን ጉዳይ ከጋጥሞ ኣይክእልን። እዚ ከኣ ሞራላዊ ሕጊ ዘይኮነ ናይ ስንምግባር ብሩህ ጉዳይ እዩ።”

ሞት ክፍሊ ምድራዊ ሕይወትና ኰይና ማዕጾ ዘለዓለማዊ ሕይወት እያ። ነዛ ናብታ ሓንቲ ሕይወት እተቅርበናን እተእትወና ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ምድራዊ ጒዕዞ ሕይወትና ምክንኻንከስ ንዓናስ ይኹን ንካልኦት ክንፍጽሞ ዘሎና ግቡእ ግዴታ እዩ እንክብሉ ንጹር መብርሂ ምስ ሃበ እቲ ኣስተንትኖን ነታ ዝሓለፈ 9 ለካቲት ቅዱስነቶም ‘መሰል ሕይወት እዩ እምበር ሞት ኣይኮነን! እዛ መሰል ዝኾነት ሕይወት ከኣ ሃንጐፋይ ቢልካ ትቅበላ እምበር ኣይትቈጽያን። እዚ ኤቲካዊ መሠረታዊ ዕላማ ኰይኑ ንክርስትያን ጥራይ ዘይኮነ ንኩሎም ኣመንቲ ዝምልከት እዩ’ ንዝበልዎ ብምጥቃስን ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ኣብታ ኢቫንጀልዩም ቪተ እትብል መልእኽቶም ዝሃብዎ ትምህርቲ ብምዝኽኻርን ኣስተንትኖኡ ይድምድም።

ብድምጺ ንምክትታል!
17 Feb 2022, 13:57