ብጽዕ ካርዲናል ኣዩሶ፥ ‘ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ ኵሉ ሰብ ዘሎ ብሕታዊ ኣረኣእያ እዩ’
ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ሚገል ኣዩሶ ሰነድ “ሰብኣዊ ሕውነት” ሰብኣዊ ሕውነት ኵላዊ ምዃኑ የብርህን ካብኡ ነቒሉ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ከነደንፍዖ ብዛዕባ ዘሎና ሓላፍነት ኣዕሚቝ ዘዘኻኽር ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣባል ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ ሕውነት ሓልዮ ላዕለዋይ ሽማግለ ኣባል፥ ዕለት 4 ካልኣይ ዓመት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕውነትን ሓባራዊ ናብራን ነቲ ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረት ብኑባሬ ዘሎ ተማራኳስነትን ሓደኣዊ በመቆል ሰብኣዊ ፍጥረት ዘረጋግጽ ምዃኑ የብርሁ።
ዓለም ለኻዊ ጻውዒት ሕውነት
ሰብኣዊ ሕውነት ብሓፈሻ ሕውነት ዓለም ለኻዊ ጻውዒት እዩ እቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድ ኣብ ኣቡ ዳቢ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበር ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ ብዕሞቆት የመላኽቶ። ናይ ኵሉ ሓላፍነት እውን እዩ። እቲ ዓለም ለኻዊ ላዕለዋይ ሽማግለ ሓልዮ ሰብኣዊ ሕውነት ሓላፍነት ነቲ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ትሕዝቶ ህያው ምግባር እዩ” ኢሎም።
ሕውነት ኣብ ግብሪ ምውዓል
ብጹዕነቶም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣስዒቦም፥ ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ክንነብሮ ዝግብኣና ክብሪ እዩ እዚ ኸኣ ህይወት ብዘማእከለ ምይይጥ እዩ ዝተባባዕ፡ ኣብዚ ድማ ኵሉ ሰብ ኣብ ዝኾነ ይዅን እዋን ኣብ ዝኾነ ይዅን ኵነት ይሃሉ “ሰናይ ሓባራዊ ጥቕሚ ውሑስ ንምግባር ንሰብኣዊ ክብረት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምጥባቕ ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብና ማሕበራዊ ሕልና ንምድንፋዕ ብሓባር ንምዕያይ” ዝተጸውዐ እዩ። ኣብዚ መዳይ እውን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ማሕበረሰብ ሃይማኖታት ሰብኣዊ ሕውነት ሰናይ ብምግባር ብመንፈስ ሕውነት ብምንባር ኣርዚኖም ክርእይዎን ክምስክርዎን ኣብቲ ሰብኣዊ ፍጥረት ብኑባሬ ሃይማኖተይና ምዃኑ ኣብ ዘሎ መግለጺኡ ዘሎ ጸዋዕታ እዩ።
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምኡ እውን ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ዝጠልብዎ ሕውነት “ኵሉ ብህይወት ንኽነብር ዘድሊ ረቛሒ እዩ፡ ከም ሰብ መጠን ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብን ክህልወና ዘለዎ ኣርኣእያ እ፥ ስለዚህ ብሕታዊ ኣረኣእያ እዩ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።