ድለ

ምእንቲ ሓድነትን ሲኖዶስን ጸልይ! ምእንቲ ሓድነትን ሲኖዶስን ጸልይ! 

ምእንቲ ሓድነትን ሲኖዶስን ጸልይ!

ከምቶም ሰብኣ ሰገል ኣብ ኣምልዀን ስግደትን ንኽርስቶስ ከም ዝሓበሩ ናብ ወድኻን ብሓድሕድና ብዝያዳ ተቐራሪብና ምልክት እቲ ንቤተ ክርስቲያንካን ንብምሉኡ ፍጥረት እትብህጐ ሓድነት ክንከውን

እቲ ናይ 2022 ዓ.ም. ቅነ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን፥ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ግረችን ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኵርት ኮኽ፥ ኣብ መንጐ ክርስቲያን ሓድነት ክህሉ መላእ ማሕበረ ክርስቲያን ክጽልን ኣብዚ መደብ እዚ እውን ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጒዕዞ ከተባብዕ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኮኽን ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ግረች ኣብታ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ብምኽንያት እቲ ናይ 2002 ዓ.ም. ቅነ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ሰበኻታትን ቍምስናታትን ብሓፈሻ ኣብ ከባቢያዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን  ድሮ ዝተበገሰ ሲኖዶስ ዛዕባ ሲኖዶሳውነት ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓቑፍ ማዕቅን ክህልዎ ናብ ብጹዓን ጳጳሳት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሓደራ ከም ዝበሉን ሲኖዳውነት ኮነ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ጒዕዞ ናብ ሓድነት ንናይ ሓባር ጒዕዞ መስርሕ ከም ዝኾነን ስለዚህ ናይ ዝተፈላለያ ኣህቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጒዕዞ ከምውህበት ምልውዋጥ ጌርካ ክርአ ከም ዘለዎን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ካልኦት ካልኦት ክትቕበሎ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክቕበለኦን ዚከኣል ውህበትን ተመክሮን ጒዕዞ ሲኖዳውነት ብዕምቆት ንምርዳእ ዝሕግዝ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ዕለት 19 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅድም ክብል ከም እተሓበረ እቲ ናይ 2022 ዓ.ም. ቅነ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን መርሕ ቃል፥ ካብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. 2,2 ዝተወስደ“ኮዀብ ብምራቕ ርኢና እሞ ክንሰግደሉ መጺእና” ዝብል ቃል ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ ነታ ናብ ክርስቶስ እትመርሕ ኮዀብ እናጠመትናን ብኣኣ ተመሪሕና ብሓባር ናብ ክርስቶስ ምጉዓዝን ንኣኡ ምምላኽን ምስጋድን ንዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ውህደት መሰረት ምዃኑ ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ከም ዘብርሁን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ሳጹን ውህበታትና ምኽፋት

ብጹዕ ካርዲናል ግረቸን ብጹዕ ካርዲናል ኵኽን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ማሕበረ ክርስቲያን እውን ልክዕ ከምቶም ሰብኣ ሰገል ብሓባር ብሰማያዊ ብርሃን ተመሪሖም ብሓባር ክጓዓዙ (ዲኖዳውነት) ተመሳሳሊ ዓለማዊ ጸልማት እውን የጋጥሞም እዩ። ከምቶም ሰብ ጥበብ ድማ ኣብ ኢየሱስ ፊት ቀሪቦም ከምልኽዎን ክሰግዱሉን ገጸ በረኸት ንኸቕርብሉ ናይ ህያባት ሳጹናቶም ከም ዝኸፈትዎ ማሕበረ ክርስቲያን እውን ናይ ውህበታቱ ሳጹን ከፊት ውህበት ክልወወጥ ብልቢ ንትስፈው” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ጸሎት

ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዋና ጸሓፍን ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ክርስቲያናዊ ሓድነት ንምድንፋዕ ነቲ ናይ 2022 ዓ.ም. ናይ ቅነ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን መርሕ ቃል ኣስተንፎ ገይሮም፥

ሰማያዊ ኣቦ

እቶም ሰብኣ ሰገል ብኸዋኽብቲ ተመሪሖም ናብ ቤተ ልሄም ኪጐዓዙ ከለዉ ሰማያዊ ብርሃንካ ከም ዝመርሖም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ እዋን ሲኖዶስ እዚ ምስ ኵሎም ክርስቲያን ብሓባር ክትጓዓዝ ምርሓያ።

ከምቶም ሰብኣ ሰገል ኣብ ኣምልዀን ስግደትን ንኽርስቶስ ከም ዝሓበሩ ናብ ወድኻን ብሓድሕድና ብዝያዳ ተቐራሪብና ምልክት እቲ ንቤተ ክርስቲያንካን ንብምሉኡ ፍጥረት እትብህጐ ሓድነት ክንከውን ብወድኻ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንልምነካ!

ኣሜን

ብዝብል ጸሎት ከም ዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

21 January 2022, 17:14