ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅርበት ንሊባኖስ ንኸረጋግጹ ናብ በይሩት
ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጒዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ካብ ዕለት 31 ጥሪ ክሳብ ዕለት 4 ለካቲት 2022 ዓ.ም. ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ሊባኖስን ኣብ በይሩት ምብጻሕ ከካይዱን ምስ ናይ መንግስትን ናይ ፖለቲካን ሃይማኖት ኣካላትን ክራኸቡ እውን ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ፣
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ሊባኖስን ንምብዓል ኣብ በይሩት ኣብ ዝካየዱ መደባት ንኽሳተፉ ዕለት 31 ጥሪ ናብ ሊባኖስ ክነቕሉ ከም ዝኾኑን በዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ከቢድ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቍጠባውን ጒዳያት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሻቕሎት ከም ዘሕድረሎምን ነቲ ካብቢ ሕዝቢ ቀረባ ምዃኖም ከረጋግጹ ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ክሌኣዊ ርክብ
ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ቅዋሜ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ሊባኖስን ኣብ 1995 ዓ.ም. ናይ ሊባኖስ ብጹዓን ጳጳሳት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ድሕሪ ዘካየድዎ ሲኖዶስ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “ሓድሽ ተስፋ ንሊባኖስ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ንኽልግሱ ዕለት 10 ግንቦት 1997 ዓ.ም. ኣብ ሊባኖስ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዝኽሪ መበል 25 ዓመትን ከምኡ እውን ናይ ማእከላይ ምብራቕ ብጹዓን ጳጳሳት ኣብ 2010 ዓ.ም. ድሕሪ ዘካየድዎ ሲኖዶስ በነዲክቶስ መበል 16 “ቤተክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ንኽልግሱ ኣብ በይሩት ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዝኽሪ 10 ዓመት መሰረት ገይሮም ኣብ በይሩት ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ናይ ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ምብጻሕ መርሓ ፍጻሜታት
ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ኣብቲ ኣብ በይሩት ኣብ በይሩ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን ምስ ሰበ ስልጣን መንግስትን ፓትሪያርካት ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ቤተ ክርስቲያን ከምኡ እውን ምስ መራሕቲ ሃይማኖት እስላምን ድሩዘን ናይ ባህልን ናይ ፖለቲካን ኣካላትን ክራኸቡ እዮም። ኣብ ገሊኡ ኣገዳሲ ቦታታትን ማሕበረሰብኣውን ክበጽሑን ኣብ ካስሊክ መንበረ ጥበብ መንፈስ ቅዱስ “ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ሊባኖስን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ኣኼባ ድማ ክሳተፉ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንበይሩት
ብጹዕነቶም ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሊባኖስ ዘለዎም ፍቕርን ቅርበትን ንመላእ ህዝቢ እታ ሃገር ከረጋግጹን ሊባኖስ ወትሩ ኣብ ሓሳባት ቅዱስነቶም ከም ዝኾነት እውን ክምስክሩ ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ምስ መላእ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ነቶም ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ዘጨንቕ ቍጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ፍታሕ ንምርካብ ዝጽዕሩ ፍቑራት ህዝቢ ሊባኖስ” ጸሎቶም ኣሐዲሶም “ኣድላዪ ተሓድሶን ደገፍ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነታ ሃገር ከም ኣርኣያ ሰላማዊ ህላወን መጠን ግቡእ መንነታ ንኸተጽንዕ ኣብ ጐድና ክኸውንን ክሕግዛን” ተማሕጺኖምን እዚ እውን ክውን ከም ዝኸውን ተስፋኦም ከም ዝገለጹን ዕለት 25 ሕዳር 2020 ዓ.ም. መራሔ መግንስቲ ሊባኖስ ናጂብ ሚካቲ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ኣትዮም ምስ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘካየድዎ ርክብ “ሊባኖስ ሃገር መልእኽቲ መብጽዓን”እንክብሉ ድሕሪ ምግላጽ፥ “ኦ ጐይታ ንሊባኖስ ብኢዳ ሒዝኻ እተንስእ!” ዝብል ጸሎት ከም ዝደገሙ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ዕለት 4 ነሓሰ 2021 ዓ.ም. ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም እቲ ኣብ ሊባኖስ ዘጋጠማ ብርቱዕ ዕንወት ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ምዃኑ ብምዝካር፥ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ “ሊባኖስ ብቓላት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ጐደና ትንሳኤ ክትጓዓዝ ብጭቡጥ ንጥፈታት ኣቢሉ ክሕግዛ” ዝብል ምሕጽንታ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ኣብ መወዳእታ ዕለት 1 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ምእንቲ ሊባኖስ መዓልቲ ጸሎትን ኣስተንትኖን ምክያዱን ቅዱስነቶም “ነቶም ካብ ስቓይ ብዙሓት መኽሰብ ዝረክቡ ሒደት ሰባት ነዚ ተግባራቶም ጐይታ መወዳእታ ይግበረሉ! ፍርቂ ሓቂ ንተስፋታት ሰባት ኬፍሽል ኣይፍቀድ፡ ንረብሓታትን መኽሰብን ኢልካ ሊባኖስን ማእከላይ ምብራቕ መጋበርያ ኣይትግበር። ህዝቢ ሊባኖስ ብዘይ ጸቕጢ ኢደ ኣታውነት ኣብ ሃገሮም ዝሓሸ መጻኢ ናይ ምህላው ኣጋጣሚ ክወሃቦ ኣለዎ።” ቢሎም፥ “ኣሕዋተይን ኣሓተይን እቲ ግጭት ዝበዝሓሉ ምሸት ቅድሚ ሓድሽ ወጋሕታ ተስፋ የብቅዕ። ወግእ የቋርጽ ዘይምስምማዕ ይታኣለ፡ ኣብ ሊባኖስ ከም ብሓድሽ ብሉጽ ብርሃን ሰላም የንጸባረቕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።