ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ኣብ ደቡብ ሱዳን ንምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ባይታ ንምፍጣር
ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጒዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ካብ ዕለት 21 ታሕሳስ ክሳብ ዕለት 23 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ኣብ ጁባ ምስ ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ ፖለቲካን ሃይማኖትን መራሕትን ምስ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ቀረባ ተሓባበርትን ከምእተራኸቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2022 ዓ.ም. ኣብ ደቡብ ሱዳን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዶም ምሹእ ኵነት ዘሎ እውን ዘይመስል እንተዀነ ቅዱስነቶም ኣብታ ሃገር ሓዋርያዊ መገሻ ንኸካይዱ ብዙሕ እዋን ደጋጊሞም ዝገልጽዎ ትምኒት ተፈጻሚ ክኸውን ኣብ ዝኸእል ጉዳይ ከምዝመኸሩን። እዚ ምብጻሕ እዚ እውን ክኡል መታን ክኸውን ኵለ መዳያዊ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጒዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገር ነዚ መሰረት ብምግባር እውን ካብ ዕለት 21- 23 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ኣብታ ሃገር ናይ ሰለተ መዓልቲ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ናይ ፖለቲካ ላዕለዎት ኣካላትን ናይ ሃይማኖት መራሕትን ተራኺቦም ከም እተመያየጡ ኣፍልጡ።
ብጹዕነቶም ኣብ ምምላሶም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ምሹእ ፍጹም ግዜ ፍጺሙ ክህሉ ኣይክእል እዩ ይኹን እምበር ኣብቲ ዘይምሹእ ኵነት እቲ መደብ ምብጻሕ ተኻኣሊ ዝገብሮ ባይታ ምንዳይ ኣገዳሲ እዩ። ናይ ር.ሊ.ጳ. ናብ ደቡብ ሱዳን ናይ ምብጻሕ ባህጊ ትግቡር ንኽኸውን ዘድሊ ጻዕርታት ይካየድ ከም ዘሎ ሓቢሮም።
ትምኒት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ
ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ኣብቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ እቲ ኣብ 2017 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ወልባይ ናብ ደቡብ ሱዳን ንኽበጽሑ ዝገለጽዎ ትምንቲ ንኸረጋገጽ ዘኽእል ባይታ ንምፍጣር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ከም እትመያየጡን እዚ እውን ምስ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ኮይኖም ዘካየድዎ ርክብ ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።
ንመራሕትን ሕዝብን ምስማዕ
ኣብዚ እዋን እዚ ኵሉ ከም ዝፈልጦ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ብዙሕ ነገራት ክተሓላለኽ ገይሩ እዩ ኣብ ልዕሊ እዚ እውን ህልው ኵነታት ደቡብ ሱዳን ርኢኻ እቲ ናይ ቅዱስነቶም ምብጻሕ ኣብታ ሃገር ክኡል ክገብር ዝኽእል ምሹእ ኵነት የሎን ይዅን እምበር፥ እቲ ምብጻሕ ክፍጸም ብዝብል ብርቱዕ ድላይ ምስ ህዝብን ናይ ፖለቲካን ሃይማኖትን መራሕቲ ተራኺብካ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኣገዳሲ ብምዃኑ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ዘካየድዎ ምብጻሕ ምዃኑ የመላኽቱ።
ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ርክባት ጉዳይ ቤት ጽሕፈት በዓል መዚ ብጹዕ ኣቡነ ኣንድረያ ፒቾኒን ተሰንዮም ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ መቐመጢኦም ኣብ ናይሮቢ ዝዀነ ኣብ ድቡብ ሱዳን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሁበርቱስ ማተውስ ማሪያ ቫን መገን ኣብ ጁባ ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ናይ ሓፈሻዊ ጉዳያት ሓላፊ ዮኑት ፓውል ስትረዣች ናይ ሰበኻ ጁባ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ሰበኻ ማላካልን ዋዉን ጳጳስ ቡጹዕ ኣቡነ ስተፈን ኣመዩ ማርቲን ሙላን ብናይ ካልኦት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ኣቀባብላ ከም እተገበረሎምን ምስኣቶም እውን ከም እተመያየጡን ኣፍሊጦም ጁባ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ ወጻኢ ጒዳይ ሚኒ. ማዪክ ኣዪ ደንግ ከም እተቐበልዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ምስ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ብጹዕ ኣቡነ ፕረሸስ ኣሙኩን ኣብ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ዕርቂ ሽማግለ ኣደ መንበር ማርታ ጃርቪስን እውን ሓሳብ ንሓሳብ ከም እተለዋወጡ ኣፍሊጡ።
ክሌኣዊ ርክብ ምስ ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪር
ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ዕለት 22 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ንጐሆ ብሓባር ምስ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ምስ ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪር ከም እተራኸቡን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ኣብ ድቡብ ሱዳን ሰላም ውሕስ ዝገብር መስርሕ ሰላም ከም ዝድግፍኦ ደግሚመን ከረጋግጻ እንከልዋ ር.ሊ.ጳ. ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማውን ኣብ ስኮትላንድ ናይ ፕረስቢተራዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ኣብ ደቡብ ሱዳን ንኽበጽሑ ዘኽእል ባይታ ንምንዳይ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ እውን ሰፊሕ ምይይጥ ከምዘካየዱ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።
ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪር ኣብቲ ርክብ እቲ እውን ር.ሊ.ጳ. ንደቡብ ሱዳን ዘቕርብዎ ሰብኣዊ ሓገዝን ከምኡ እውን ሰላም ውሕስ ክኸውን ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ከም ዘመስገኑን ብጹዕነቶም ሓቢሮም ምስ ናይ መንግስትን ሃይማኖታትን መራሕቲ ጥራሕ ዘይኮነ ምስ ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ላዕልዎት ኣካላት እውን ከም እተራኸቡ ገሊጾም፡ ዕለት 23 ታሕሳስ ጁባ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ናይ ደቡብ ሱዳይ ሳልሳይ ምኽትል ርእሰ ብሔር ታባን ደንግ ጋይን ምእመናን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ድሕሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ምእመናን ከምኡ እውን ኣብ ጁባ ቅድስቲ ኪያራ መእለዪ ዘኽታማት ምብጻሕ ኣካይዶም ነቲ መእለዪ ዘኽታማት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለኣኸዎ ሓገዝ እውን ከም ዘብጽሑ ይሕብሩ።