ድለ

ካብ ቆጵሮስ ብርሃን ኣብ ሲኖዶሳዊ ከይዲ “ናይ ትዕግስቲ ቤተ ክርስትያን” ካብ ቆጵሮስ ብርሃን ኣብ ሲኖዶሳዊ ከይዲ “ናይ ትዕግስቲ ቤተ ክርስትያን”  ርእሰ ዓንቀጽ

ካብ ቆጵሮስ ብርሃን ኣብ ሲኖዶሳዊ ከይዲ “ናይ ትዕግስቲ ቤተ ክርስትያን”

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ካብ ኣረማውነት ብዝተለወጡ ሓደስቲ ክርስቲያን ዝቘመ ክርስቲያን ማሕበርሰብ ኣንጽዮኪያ ክበጽሖም ምስ ተመርጸ ካብ ካልእ ዓለም ካብ ካልእ ባህሊ ከምኡ እውን ካብ ካልእ ሃይማኖታዊ ስምዒት ዝመጹ ሰባት እዩ ዘጓነፎ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ንማሕበረሰብ ካቶሊክ ቆጵሮስ ዘስምዕዎ ቃል፥ ነቲ ሰባት ብዘይ ምጒርምራምን ዕቤት ንምርካብ ዘለዎም ናፍቖትን ምሳታቶም ሓቢሮም ንኽዓብዩ ዝብል መንነት ከለልዩ ዘተባብዕ ምዃኑ ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ክኸውን እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ቆጵሮስ ነቶም ሒደት ግን ከኣ ህያዋን ማሕበርሰብ ካቶሊክ ክዛረብዎም እንከለዉ፥ ብዛዕባ እቲ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝጀመረቶ ሲኖዶሳውነት ዝብል መገዲ ጠቓሚ ሓበሬት የመላኽቱ። ቅዱስነቶም ነቲ ቅዱስ ሓላዊ እታ ዴስት ዝኾነ ቅዱስ በርናባስ ዝነበሮ ኣረኣእያ ብምዝኽኻር ብዛዕባ እምነቱን ሚዛኑን ልዕሊ ኵሉ ትዕግስቱን ይገልጹ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ካብ ኣረማውነት ብዝተለወጡ ሓደስቲ ክርስቲያን ዝቘመ ክርስቲያን ማሕበርሰብ ኣንጽዮኪያ ክበጽሖም ምስ ተመርጸ ካብ ካልእ ዓለም ካብ ካልእ ባህሊ ከምኡ እውን ካብ ካልእ ሃይማኖታዊ ስምዒት ዝመጹ ሰባት እዩ ዘጓነፎ። እቶም ብውዕውዕ ስምዒት ዝተመልአ እምነት ዝነበሮም ተነቀፍቲ እውን እያቶም ዝነበሩ። በርናባስ ከኣ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም እንክብል ጽን ኢሉ ይሰምዖም። እታ ኦም ክሳዕ እትዓቢ ብኸመይ ከም ዝጽበ ይፈልጥ ነይሩ። ብትዕግስቲ ኸኣ ናብ ህይወት እቶም ክሳብ እቲ እዋን እቲ ዘይፍሉጣት ዝነበሩ ሰባት ይኣቱ። ተሃዊኽካ ከይፈረድካ ሓድሽ ነገር ምቕባል፡ ብትዕግስቲ ብምስትውዓል ኣብ ኵሉ ቦታ ትእምርቲ ዕዮ ኣምላኽ ብኸመይ ከም እትርድኦ የብቅዓካ። ልዕሊ ዅሉ ድማ እቲ ንሓደ ጳጳስ ዘድልዮ ትዕግስቲ እዩ። ምኽንያቱ ምስቲ ሕዝቢ ክትዓቢ ስለ ዝሕግዘካ። ነቲ ተነቃፊ እምነት እቶም ሓደስቲ ክርስቲያን ብተሪር በቲ ክገብርዎን ክኾንዎን ብዝብል ብዙሓት ነገራት ኣይጭፍልቖምን።

እቲ ዘጋጥመና ዘሎ ለውጢ ምስኡ ዚመሳሰልዶ ይኸውን፥ ወንጌል ብምእዋጅ ነቲ “ካልእ ዓለም” ከምኡ እውን እዚ ዘለናዮ እዋን “ካልእ ባህልታት” ብርሃን ክሰርጾ ኣብ እንዓየሉ እዋን ድኻም ዝረኣየሉዶ ኣይመልስን? እቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ወደቐ ንገዛእ ርእስኻ ብናይ ናፍቆትን ምጉርምራምን ኣረኣእያ ንኽትዕጸው ወይ ከኣ ቤተ ክርስቲያን ናብቲ ኣብ መድረኽ ዓለም “ኣገዳሲት” ዝነበረትሉ ቦታ ክትመልስ ምሕላም ከጋጥም ዝከኣል እዩ። ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ እታ በቲ ናይ እምነት ቅልውላው ኣተለበጠት ቤተ ክርስቲያን ከምቲ ሎሚ ኣብ ኤውሮጳ ዝርአ ዘሎ ካብ ኣረኣእያ በርናባስ ሓድሽ መንፈስ ብምርካብ ብፍላይ ነቶም ሓደስቲ ወለዶታት ብትዕግስቲ ወንጌል ክትእውጅ ምጅማር ሰናይ እዩ።

ትዕግስቲ ቤተ ክርስቲያን ዘየቋርጽን ዘይጽንቀቕን ዘይኮነስ፡ የግዳስ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ዘይትሓስቦ ዘተምበሃላ ተግባር ክትቕበሎ ክፍትቲ እያ። ንዝኾነ ይኹን ዝርርብ መሰረታዊ ምኽንያት ናይ ምስማዕ መንፈሳዊ ራእይ ማለት ነቶም እተፈላለየ ስምዒት ወይ ራእያት ዘለዎም ሰባት ምቕባልን ቦታ ምሃብን ምዃኑ ስለ እትፈልጥ ነቲ መንፈስ ናብ ሓድነት ዝመርሖ በበይኑ ዝዓይነቱ ፍልልያት ኣኽቢራ እያ እትርእዮ። እዛ ቤተ ክርስቲያን እዚኣ ብህያው መገዲ እትማጐት እኳ እንተኾነ ኣይተገማማዕን እያ። ፍራንቸስኮ ንቆጵሮስ ነቶም ኣብታ ደሴት ዝርከቡ እተፈላለየ ስርዓተ ሊጡርጊያ ዝኽተል ማሕበርሰብ ካቶሊክ ክዛረብዎም እንከለዉ፥ እቲ ፍልልያ “ውግእ ንምግባር ገዛእ ርእስኻ ምድላው ዘይኮነስ ነቲ ፍቕርን ሕብረትን ዝኾነ መንፈስ ንምግላጽን ንምንባርን ዝድርኽ እዩ።” ንከራኸርን ንቋየቕን እንተ ዀንና ኣሕዋት ኴይናን ኢና እንቕጽል።” ልክዕ ከም ሓንቲ ስድራ ቤት። በዚ ከምዚ ኸኣ እዩ ሶኖዶስ ኣብቲ ኣብ መኣዲ እተጸንዐ መደባት ጒስነት ወይ ኣብ ጠረጴዛ እተሓንጸጸ ሃይማኖታዊ ሜላ ናብ ዝገብር ተግባር ክወርድ ዘይብሉ። ሃይማኖት ኣብ ምስዳዕ ተግባር ዝብል ዓይነት ሃይማኖታዊ ንግድ እትኣትው ዘይኮነ ሕውነት ንኽንነብር እትመርሓናን ንዓለም መሳርሒ ሕውነት ዝኾነትን ቤተ ክርስቲያን እያ እተድልየና እንክብሉ ኣድንረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

04 December 2021, 09:39