ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ስዊዘርላንድ ንዝኽሪ መበል 100 ዓመት ክሌኣዊ ርክብ
ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ንዝኽሪ መበል 100 ዓመት ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ስዊዘርላንድ ኣብ ስዊዘርላንድ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘካየዱን ዕለት 7 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ኣብ ኣይንሳይደል ኣብ ዝርከብ ኣብ ገዳመ በነዲክታውያን ቤተ መቕደስ ቅድስተ ማርያም መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሚእቲ ዓመት ይገብር ኣብ በርና ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ከምዝቖመን በዚ ምኽንያት እዚ እውን ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ናይ ዝዊዘርላንድ ፈደራላዊ ኣማኻርን ምኽትል ርእሰ ብሔርን ናይ ወጻኢ ጒዳይ ሚኒስተር ኢግናዚዮ ካሲዝ ብዘቕረቡሎም ዕድመ መሰረት ኣብ ስዊዘርላንድ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶምን ኣብ መንበረ ጥበብ ፍሪበርግ ብዛዕባ እቲ መበል 100 ዓመት ዘቝጽር ዘሎ ክሌኣዊ ርክብ ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓውደ ጒባኤ ተሳቲፎም ሰፊሕ ገምጋም ክሌኣዊ ርክብ ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ካብ 1586 ክሳብ 1873 ዓ.ም. ኣብ ስዊዘርላንድ ድሮ ልኡኽ ር.ሊ.ጳ. ከምዝነበሩን ብወግዒ ናብ ክሌኣዊ ክርብ ተሰጋጊሩ ብልኡካን ደረጃ ካብ ዝቐውም ግና 100 ዓመት ከምዘቝጸረን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብጹእ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ቅድሚ 550 ዓመታት ኣቢሉ እቲ ደሓር ናይ ስዊዘርላንድ ሓላዊ ቅዱስ ቢላ ቤተ ክርስቲያን ዝሰመየቶ ቅዱስ ኒኮላ ዳ ፍሉወ ዘገልግለሉ ናብ ዝነበረ ስፍራ መንፈሳዊ ንግደት ከምዘካየዱን ሎሚ እዚ ርክብ እዚ ብወግዒ ካብ ዝብገስ ሚእቲ ዓመት የቝጽር ከምዘሎን ነቲ ኣብ መንጐ ክልተ ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ንንምሕያሽ ተባሂሉ እውን ክሌኣዊ ዘተ ይቕጽል ከምዘሎን ኣፍሊጡ።