ድለ

ኣብ ሰብኣውነት ዘማእከለ ምሉእ ዓመታዊ ጒባኤ ጳጳሳዊ ሓልዮ ባህሊ ቤት ምኽሪ ኣብ ሰብኣውነት ዘማእከለ ምሉእ ዓመታዊ ጒባኤ ጳጳሳዊ ሓልዮ ባህሊ ቤት ምኽሪ 

ኣብ ሰብኣውነት ዘማእከለ ምሉእ ዓመታዊ ጒባኤ ጳጳሳዊ ሓልዮ ባህሊ ቤት ምኽሪ

እቲ ዓመታዊ ምሉእ ዓውደ ጒባኤ ብሰለስተ ደረጃ ዚውደብ ኮይኑ እቲ ቐዳማይ ኣብ ኣናስር ሰብኣውነት ዘተኰረ “ኣተንስን ኢየሩሳሌም።” ናይ ላቲናውን ግሪኻውን ባህልን ናይ ቅዱስ መጽሓፍን ስነ ሰብኣውነት

እቲ ብካርዲናል ራቫዚ ዝምራሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ክሳብ ዕለት 23 ሕዳር ዝቕጽል ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ክበጽሖ ትጽቢት ዝግበረሉ ብመረብታዊ ውሕዘት ብዙሓት ተጋባእያን ዘሳትፍን መድረ ዘስምዑሉን ዓመታዊ ምሉእ ዓውደ ጒባኤ ዕለት 5 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ከም ዝጀመረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ካብቲ ጥንታዊ ላቲናውን ግሪኻውን ባህሊ መሰረታዊ ስርዓታትን ቅዱስ መጽሓፍን እተወልደ ሰብኣውነት ክሳብ ክንደይ ብኻልእ ባህላዊ ምንጭታት ከምዝደልደለ” ፈልዩ ሸቶ ዝገበረ ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጒዳይ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ክሳብ ዕለት 23 ሕዳር ዝቕጽል ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዝቐርበሉን ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ብዘስምዕዎ መደረ ዝተበገሰ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ዓውደ ጒባኤ ዕለት 5 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ከም እተኸፍተን ንህልው ኩነታት ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ግምት ብምእታው እውን ብመረብታዊ ውሕዘት ይካየድ ምህላዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ካብቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ እተመርጸ ናይቲ ዓውደ ጒባኤ መርሕ ቓል “ናብ ኣድላዪ ሰብኣውነት” ዝብል ኰይኑ፡ እቲ ቺቸሮነ ንጥበብ ጥንታውያን ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኺግዕዝን ከስፍሕን እንከሎ ዝተጠቀመሉ ሰለስተ መዳያት እዚ ኸኣ ግዜ (ኣረኣእያን - ምድራውን) መንነትን (ምርኻብን ምልላይን) ሰገርነት (ንእግዚኣብሔር ምስዓብ) ብጥልቂ ዝምርምር ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣናስርን ብድሆታትን ሰብኣውነት

እቲ ዓመታዊ ምሉእ ዓውደ ጒባኤ ብሰለስተ ደረጃ ዚውደብ ኮይኑ እቲ ቐዳማይ ኣብ ኣናስር ሰብኣውነት ዘተኰረ “ኣተንስን ኢየሩሳሌም።” ናይ ላቲናውን ግሪኻውን ባህልን ናይ ቅዱስ መጽሓፍን ስነ ሰብኣውነት ብዝብል ኣርእስስቲ ፕሮፈሰር ኢቫኖ ዲዮኒጂን ናይ ጳጳሳዊ ጒዳይ ባህሊ ሓልዮ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ራቫዚን ብዘካይድዎ ዘተ ዝምራሕን ዝተፈላለዩ ንሰብኣዊ ባህሊ ምዕራባውያን ህይወት ዝሃቦ ባህሊ ግሪኽን ላቲንን ኣይሁድን ክርስትናን ዘርኢ ሰብኣዊ ኣርኣያታት ብምቕራብ ክነጻጻሩ ከምዝኾኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ካልኣይ ክፋል ካብ ዕለት 12 ሕዳር ጀሚሩ ኣብቲ ሎሚ ሰብኣውነት ዜምጽኦ ብድሆታት ኬተኩር እዩ። ኣብዚ ከኣ ፕሮፈሰር ፍራንቸስኮ ቶራልባ ካብ ባርቸሎና መንበረ ጥበብ ፕሮፈሰር ኣለሳንድራ ታላሞ ካብ ላ ሳፔንዛ መንበረ ጥበብ ሮማን ፕሮፈሰር ኾሴ ካሳኖቫ ካብ ጆርጅታውን መንበረ ጥበብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ነቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ዘሎ ባህላዊ ፍልቀት ኣብ ግምት ብምእታው ኣስተንትኖ ከቕርቡ እዮም፡ ኣብ ምወዳእታ ዕለት 23 ሕዳር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላልፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ብምስትንታን ሓሳብ ንሓሳብ ብምልውዋጥ ክዛዘም እዩ። ኣብቲ ዓውደ ጒባኤ ዝቐርብ ኣስተንትኖ እውን ኣብቲ www.cultura.va ኣብ ዝብል ኣድራሻ ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሓልዮ ባህሊ ምርካብ ከምዝከኣል የመላኽት።

08 Nov 2021, 09:09