ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ነቶም ግዳያት ንግድ ሰብ ዚሕግዝ ሰብ ትንቢታዊ ድምጺ ቤተ ክርስቲያን እዩ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ነቶም ግዳያት ንግድ ሰብ ዚሕግዝ ሰብ ትንቢታዊ ድምጺ ቤተ ክርስቲያን እዩ 

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ነቶም ግዳያት ንግድ ሰብ ዚሕግዝ ሰብ ትንቢታዊ ድምጺ ቤተ ክርስቲያን እዩ

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣስንትዮ ዚወርድ ዓመጻ ካብ ዓለም ንምጥፋእ ብርቱዕ ጻዕሪ ናይ ኵሉ ምትሕብባርን ኣገዳሲ ምዃኑ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዕለት 25 ሕዳር ዓለም ሓቆፍ ጸረ ዓመጻ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣስንትዮ ምዃኑ ብምዝኽኻር

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኣብቲ ዓለም ለኻዊ ጸረ ንግድ ሰብ ዝዓዪ “ታሊታ ኵም” እተሰምየ ማሕበር ብምኽንያት ዕለት 25 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ዓመጻ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ “ስጒምቲ ንኽትወስድ እተጸዋዕካ” ብዝብል መርሕ ቃል ዘዳለዎ መደብ ብወግዒ ኣብ ዝቐረበሉ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዖ ቃል “ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ንምውጋድ ንጡፍ ምዃን። እናረኣና ዘይረኣን ኣይንኵን” ዝብል ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፥ ሳላ እቲ ታሊታ ኵም እተሰምየ ነቲ ጭካነ ዝመልኦ ተርእዮ ንምዕጋት ቈራጽነት ዝገበረ ናይ መላእ ደናግል ማሕበር መረብታዊ ጥምረት ጸረ ንግድ ሰብ ነተን በዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ዝጥቕዓ ደቂ ኣንስትዮ እንታይ ከምዘጓንፈንን ካብቲ ዝወደቓሉ ንምእላይን ዘድሊ ምትሕብባር ክተባባዕ ከምዝገበረን ብዙሓት እውን ካብዚ ጸረ ሰብኣዊ መጻወዲያ እዚ ናጻ ከምዝወጻ ኣዘኻኪሮም። እዚ “ንስጒምቲ ጸውዕ” ዝብል ዓለም ለኻዊ ተበገሶ እዚ “ንቝጠባ ንድግ ሰባት ናብ ቍጠባ ክንክንን ንዅሉ ሰብ ብፍላይ ከኣ ንደቂ ኣስንትዮ ድሕንነትን ዕቤትን ዝብል ማሕበረሰብ ንምድንፋዕ ዝያዳ ክእለት ክህልዎ ንዝብል ዕላማ ምቕያር” የድሊ እንክብሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ወጅህታት ትንሳኤ

ብጹዕነቶም እቲ ናይ ማሕበር ታሊታ ኵም ብወግዒ ዝቐረበ መደብ ጓስጓስን ሰነድን “ንዅሉን ንሰብ ጽቡቕ ድላይን ኣብዚ ሰናይ ተግባር እዚ ክዋሳእ ጻውዒት እዩ” እንክብሉ ኣዘኻኺሮም፡ ታሪኽ ዮሴፍ ካብ ቅድም ሎሚ እዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ዮሴፍ ተሸይጡ በሕዋቱ . . . እግዚኣብሔር ግና ንበይኑ ኣይሓደጐን . . . ዮሴፍ እውን በቲ ዘጋጠመ ጸገማት ንጐይታ ኣይረሰዐን ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ምውካል ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ዝሸጥዎ ኣሕዋቱ ይቕረ ዝበለን እዩ። ኢየሱስ ንማርያም መግደላዊት ክብረታ ክምለስ ከምዝገበሮን እቶም ዝጸርፉዋን ክትፍረድን ዝብልዋ ዝነበሩ ከይተረፉ ተነሲሖምን ተለዊጦምን ንሳ እውን ሓዋርያት ኮነት” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ደቂ ኣንስትዮን ቈልዑን ዝልወጡን ዝሽየጡን ንብረት ኣይኮኑን!

ሎሚ እውን ኣንተ ዀነ ብዛዕባ ንግድ ሰብ ዝዛረቡ ዛንታታት ተደጋጋሚ እኳ እተመሰለ ማሕበር ታሊታ ኵም ንብዙሓት ኣንስትን ቈልዑን ተሓላቒ ኮይኑ እዚ ጸያፍ ተግባር እዚ ክውገድን ብዙሓት ካብቲ ጸያፍ መጻወዲያ ንኽላቐቑ ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ዓለም ክተባባዕ ገይሩ እዩ። ምስ እዚ ማሕበር እዚ እቲ ዘይከኣል ዝመስል ዝከኣል እዩ፥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትንቢታዊ ድምጺ እዩ!” ቢሎም - እንተ ኾነ ግን ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ጸረ ንግድ ሰብ ስለ ዝሳተፉን ረብሓታት እውን ስለ ዘለዎም ኣብ ምውጋዱ ክዋስኡ ብፍጹም ዘይደልዩ እውን እንተ ኾነ ታሊታ ኵም ማሕበር እቲ ንኽፋእ ዝጥቀምሉ ጉልበቶም ንሰናይ ከውዕልዎ ጻዒት የቕርብ ጐስጓሳት እውን  የሳልጥ፥ ንተበግሶታት ጽዉዕ ዝብል መርሕ ቃል ሕልና ዘንቕሕ እዩ፡ ብክርስቶስ ምጥማት ዘድሕን እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ብርቱዕ ጻዕሪ

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣስንትዮ ዚወርድ ዓመጻ ካብ ዓለም ንምጥፋእ ብርቱዕ ጻዕሪ ናይ ኵሉ ምትሕብባርን ኣገዳሲ ምዃኑ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዕለት 25 ሕዳር ዓለም ሓቆፍ ጸረ ዓመጻ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣስንትዮ ምዃኑ ብምዝኽኻር ካብቲ ዓውደ ርክብ ወጻኢ ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ እቲ ቐንዲ ክንገብሮ ዘሎና ደቂ ኣስንትዮ ንምኽባርን ኵነታት ደቂ ኣንስትዮ ክመሓየሽ ዝነቓቕሕ መጸብ ሕንጸት ንመንእሰያት ወሳኒ እዩ፡ ኣስዒቦም እውን ብዛዕባ ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ኣመልኪቶም፥ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ ምኽታብ ናይ ፍቕሪ ተግባር እዩ፥ ምኽንያቱ ክትክተብ እንኰለኻ ገዛእ ርእስኻን ካልእን ኢኻ እተድሕን። ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክኽበር ኣለዎ። ናይ ሰብን ሰብኣውነት ክብሪ ምክንኻን ኣገዳሲ እዩ ምስ በሉ ኣብ ቀረባ እዋን ዝካየድ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ምርጫ ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ “ናይቲ ምርጫ ማእከል ናይ መላእ ሃገር ጥቕሚ እዩ ክኸውን ዘለዎ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።   

27 November 2021, 16:33