ድለ

ፓሮሊን፥ ሕውነት ካብ ቅልውላው ንምልቓቕ ዝድርኽ ተስፋ እዩ! ፓሮሊን፥ ሕውነት ካብ ቅልውላው ንምልቓቕ ዝድርኽ ተስፋ እዩ! 

ፓሮሊን፥ ሕውነት ካብ ቅልውላው ንምልቓቕ ዝድርኽ ተስፋ እዩ!

እቲ ዝተጸውዐ ሲኖዶስ ምልእቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምስማዕን ጽን ምባልን ምትሕብባርን ሓላፍነት ንኽትነብር ዝድርኽን ኣብ ተልኾ ናይ ኵሉ ተሳትፎ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘመላኽትን እዚ ኣገባብ እዚ እውን ንእነብረሉ ዘሎና እዋን ተስፋ ንኸነቕርብ ዘተባብዕ እዩ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ንመዛዘሚ እቲ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቨሮና እተኻየደ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ሰረተ እምነት ዓውደ ምርኢት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት፥ ኵሉ ኣብዚ እዋን ምቕባል ክትባትን ሕክምና ጸረ ኮቪድ 19 ብሓላፍነት ክቕበሎ ተላብዮም ብዛዕባ ናይ እምነት ስነ ሰብእ ኣረኣእያን ከምኡ እውን ናይ ህይወት ክቡር ዋጋ፥ ህይወት ንምክንኻንን ንምንቕቓሕን ንምድንፋዕን ከምኡ እውን ንምምዕባል ኣድላዪ ኵነት እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ለብዒ ኣብ ዝኽሰተሉ እዋን ህይወትና “በቶም ኣብ ሓባራዊ ታሪኽና ዘጋጠመ ወሳኒ ፍጻመታት ዝጽሕፉ ተራ ሰባት ዝተኣሳሰረን እተደገፈን እዩ።” ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ነቲ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቨሮና “ብተስፋ ተባዓት፥ ብጽንዓት መሃዚያን” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ እተኻየደ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብኣዊ ሰረተ እምነት ትምህርቲ ዓውደ ምርኢት መዛዘሚ ዕለት 28 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ኣብቲ ናይታ ከተማ ካተድራል ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክኸውን እንከሎ፥ ብጹዕነቶም “ኵላትና ኣሕዋት”  ዘርእስታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓዋዲ መልእኽቲ ጠቒሶም “እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ለብዒ ከም ሓኻይምን ኣለይቲ ሕሙማን ሰብ ሙያ ቀመማ መድሃኒትን ናይ ጽርየት ሰራሕተይናታትን ኣለይቲ ሕሙማን መራሕቲ ማካይን ሕክምናን ኣብ ኣገልግሎት መውሃቢ ዝዓዩን ወለንተንታትን ካህናትን ገዳማውያንን ደናግልን ኵሎም ብተወፋይነት ዘቕረብዎ ኣገልግሎት፥ ሓደ ንበይኑ ክድሕን ከም ዘይኽእል ዘረጋገጽ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብጹዕነቶም ድሕሪ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ “ተለ ፓቸ” መደብር ተለቪዥን ሃገረ ቫቲካንን ምስ ናይ ኢጣሊያ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት “ቲቩ 2000” ምስ እተሰምየ መደብር ተለቪዥን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ብጹዕነትኵም ነዚ ካብ ዕለት 25 – 28 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ቨሮና  “ብተስፋ ተባዓት፥ ጽኑዓት ብምህዞ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ እተኻየደ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ሰረተ እምነት ዓውደ ምርኢት ብዘዕረግክምዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ተዛዚሙ እዩ። ሎሚ ተስፋ ምስራጽ ክበሃል እንከሎ እንታይ ማለት እዩ? ሎሚ ተስፋ ምስራጽ ከምዘድሊ እሙን እዩ። እንተ ዀነ ግን ሓፈሻዊ ብዝኾነ ለበዋን ጻውዒትን ጥራሕ ዘይኮነ ብጭቡጥ መገዲ ምምስካርን ምቕራብ የድሊ። በዚ መዳይ እዚ ነቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ሰረተ እምነት ዓውደ ምርኢት ምምልካት የድሊ። ሓደ ካብቶም መገድታት ከኣ፥ ከምቲ እቲ ዓውደ ምርኢት፥ ነዚ ትምህርቲ እዚ ምስትንታንን እቲ ተስፋ ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ መዳይ ከብጽሕን ከስርጽን ዝኽእል ኣገባብ ምልላይ የድሊ፡ ልክዕ እዩ ምእመናን ንማሕበረሰብኣዊ ሰረተ እምነት ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን እያቶም ዘመልክቱ፡ ብዛዕባ ሰላም ስራሕ ምዕባለ ሓባራዊ ህይወት ፖለቲካ ዝኣመሰለ ጒዳያት ኣብ ዝምልከት ኵሉ። ስለዚ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ሰረተ እምነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓደ ሰብ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ናይ ተስፋ መገድታት ክሃንጸሉን ክሕብረሉን ዝኽእሎ ጐደና ተስፋ እዩ ቢለ እየ ዝኣምን።

ኣብ ዘመነ ምጽኣት እኳ እንተሎና ለብዒ ኮቪድ 19 ገና ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን ኢና እንርከብ፡ እዚ እዋን እዚ ብኸመይ ክንበር ኣልዎ ትብሉ? በቲ እቶም ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ጥዕና ንምፍታሕ ክእለትን ሙያዊ ብቕዓትን ዘለዎም ሰባት ሓላፍነት ብምኽባር ክንበር ዘለዎ እዋን እዩ። ስለዚ ኣብቲ ሰባት ዚገብርዎ ጻዕሪ እዩ ዚምርኰስ። በዚ መዳይ እዚ እቲ ተረኺቡ ዘሎ ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ብሓላፍነት ምቕባልን ክሳብ ኣብቲ ምሉእ ብምሉእ ነቲ ለብዒ ከወግድ ዝክእል ዝሃሸ ሕክምና ኣብጻሕ እቲ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንምብዳህ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ብቖራጽነትን ህርኩት ጻዕርን ንቕድሚት ክስጉም ምግባር እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ወቕቲ ምጽኣት ብጀካ ብጸጋ ኣምላኽ ጻዕርታትና ፍረ ከፍሪ ከም ዘይኽእል ፈሊጥና እዋኑ ምስ ጐይታ ንኽንራኸብ ዝጽውዓና ምዃኑ ኣሚንና ናብ ምጻእቱ ምባልን ነዚ ምጽኣት እዚ ክፉታት ምዃንን የድሊ። ጻዕሪ ሰብ ኣድላዪ ከም ምዃኑ ተኣሚንና ግን ከኣ ንጸጋ ኣምላኽ ርሁዋት ብምዃን እዩ ክንበር ዘለዎ። . . . ኣተሓሒዞም እውን ብዛዕባ ናይ ህይወት ባህሊ ኣብ ዝምልከት ጒዳይ ኣተኵይሮም፥ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋንን ኵነትን ሕይወት ክኽበር ኣለዎ። ብፍላይ ናይቶም ተነቀፍቲ . . . ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ ናይ እምነት ሰነ ሰብእ ከተኵሩ ኣለዎ። ህይወት ክትደልይ ክትነብሮ ክትድልይ ክተጥፍኦ ዝተዓደለ ኣኰነን ካብ ምጽናስ ካሳብ  ባህርያዊ ሞት ክኽበር ኣለዎ። “ኣብ ህይወት ንዘጋጥም ስቓይ ትርጒም ምሃብ የድሊ” ከምቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳማዊ ኣብታ “ዘድሕን ሕማማት” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ 1984 ዓ.ም. ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን፥ ነቲ ዘጋጥምን ዝንበርን ስቓይ፥ ኣብቲ ዘድሕን ናይ ክርስቶስ ሕማማት ሕቡር ምግባር” ከምዘድሊ የዘኻኽሩ . . . ።

ኣብዚ እዋን እዝን ከምኡ እውን ምስቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ንኽመክር ዝጸውዕዎ ድሮ ኣብ ከባቢያዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተበገሰ ኣብ 2023 ዓ.ም. ሃገረ ቫቲካን ብዝካየድ ሲኖዶስ ዝዛዘም ጉባኤ መላእ ብጹዓን ጳጳሳት ብምትሕሓዝ ንናይ ቤተ ክርስቲያን መጻኢ ብኸመይ ትርእይዎ? ንፒዮስ ታሽዓይ “ብዛዕባ እታ መርከብ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ኣዚና ንጭነቕ” ምስ በልዎም፥ “እቲ ዘጨንቐኒ ብዛዕባ እታ መርከብ ዘይኮነስ እቶም ኣብታ መርከብ ዘለዉ ባሕረይናታት እያቶም ዘጨንቝኒ” እንክብሉ ዝሃብዎ ብርቱዕ መልሲ ብሓቂ ሓድሓድ ግዜ ኣነው ኣውን ነቲ ንቤተ ክርስቲያን ዘጋጥማ ኵነታት ክርእይ እንከሎዅ እጭነቕ እንተኾነ ግን እቲ ር.ሊ.ጳ. ዝህብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ናይቲ ተስፋ ዘቝርጽ ሃዋሁ ምቝሕ ንኸይትኸውን ዝመርሕ መገዲ እዩ። ጸጋ ኣምላኽን ጻዕሪ ሰብን እውን ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዝተጸውዐ ሲኖዶስ  ምልእቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምስማዕን ጽን ምባልን ምትሕብባርን ሓላፍነት ንኽትነብር ዝድርኽን ኣብ ተልኾ ናይ ኵሉ ተሳትፎ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘመላኽትን እዚ ኣገባብ እዚ እውን ንእነብረሉ ዘሎና እዋን ተስፋ ንኸነቕርብ ዘተባብዕ እዩ። ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሕብርዎ “ሕውነት” ሓደ ካብቲ ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ዝርአ ዘሎ ቅልውላው ንኽንወጽእ ዘኽእለና መሰረታዊ መገዲ እዩ . . .  እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

30 November 2021, 08:52