ድለ

ፓሮሊን፥ መበል 26 ኣህጉራዊ ዋዕላ ዛዕባ ኣየር ኣገዳስነት ምንቅስቓ ብዝሓ ጐናውነትን ስጒምትን ፓሮሊን፥ መበል 26 ኣህጉራዊ ዋዕላ ዛዕባ ኣየር ኣገዳስነት ምንቅስቓ ብዝሓ ጐናውነትን ስጒምትን 

ፓሮሊን፥ መበል 26 ኣህጉራዊ ዋዕላ ዛዕባ ኣየር ኣገዳስነት ምንቅስቓ ብዝሓ ጐናውነትን ስጒምትን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ጥቅምቲ በቲ ኣብ ስኮትላንድ ዝካየድ ዋዕላ ምኽንያት ብቢቢሲ ዝተመሓላለፈ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቶም ኣቢሎም፥ “ቀያዲ ምርጫታት ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩን ኣብቲ ዋዕላ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን መሪሖም ዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን የዘኻኽሩ

ካብ ዕለት 31 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 12 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ልዕሊ 30 ሺሕ ዝግመቱ ተጋባእያን ኣብቲ ዛዕባ ለውጢ ኣየር ዝመክር ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም እተጸውዔ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ኣማእኪሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ልክዕ እዩ ለውጢ ንምግባር ዘኽኣለና ዓቕምን መሳለጥያን ኣሎና” ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት የመላኽቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እንግሊዝ ካብ ዘእንገደቶም እቲ ክሳብ ዕለት 12 ሕዳር ዝቕጽል መበል 26 ዛዕባ ለውጢ ኣየር ዝመክር ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ እቲ ዝዓበየ ኪኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ኣብ ግላስጐው ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዛዕባ ለውጢ ኣየር ዝመክር 200 ዝኾኑ መራሕቲ ዓለም ክኢላታት ከባቢ ኣየርን ከምኡ እውን ተሓልቕቲ ዛዕባ ምክንኻን ከባቢ ኣየር ማሕበራት ዝውክሉ ብጠቕላላ 30 ሺሕ ዝግመቱ ተጋባእያን ይሳተፉ ከምዘለዉን ዝሓለፈ ዕለት 26 ጥቅምቲ ናይ ውብድ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጒተረዝ “እንነብረላ መሬት ንምዕቋብ ቅኑዕ ስጒምቲ እንወስደሉ እዋን እዩ” ከምዝበሉን ሙቐት ምድሪ ንምንካይን በካሊ ጋዝ ንምውጋድን ጭቡጥ ውሳኔታትን ስጒምትታትን ዝረጋገጸሉ ክኸውን ይግባእ፡ ምኽንያቱ ኣብ ድነ ከቢድ ኵለንተናዊ ዕንወት ኢና እንርከብ” ዘሎና ከምዝበሉ እንክዝከር። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ጥቅምቲ በቲ ኣብ ስኮትላንድ ዝካየድ ዋዕላ ምኽንያት ብቢቢሲ ዝተመሓላለፈ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቶም ኣቢሎም፥ “ቀያዲ ምርጫታት ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩን ኣብቲ ዋዕላ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን መሪሖም ዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን የዘኻኽሩ።

ብጹዕነትኩም እቲ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ኣየር ተበጊሱ ኣሎ፡ ቅድስቲ መንበር እንታይ ዕላማ ሒዛ እያ ኣብቲ ዋዕላ ትሳተፍ ዘላ? እዚ ዋዕላ እዚ ኮቪድ 19 ድሕሪ ምዝርጋሑ ዝካየድ ዘሎ ናይ መጀመርታ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዋዕላ እዩ፡ ነዚ ለብዒ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ከተሳልጦ እትኽእል መገዲ ኣዚዩ እተሓላለኸን ዜተኣማምንን ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ካብ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ናጻ ዝኾነ ኣገባብ ምዕባለ ንምርግጋጽ መስርሕ መሰጋገሪ ከም እተጀመረ ዚከሓድ ኣይኰነን። እቲ ቀንዲ ሕቶ እዚ መስርሕ መሰጋገሪ እዚ ክሳብ ክንደይ ብቕልጡፍ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ነቲ ስነ ፍልጠት ዚእዝዞ ግዜ ብምኽባር ዝፍጸም ምስ ዝኸውን እዩ። ቅድስቲ መንበር ብብዝሓ ጐናውነት ዝግበር ምንቅስቓስን ስጒምትን ብሓቂ ክርጋገጽ ጻውዒት ተቕርብ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ እውን ቀንደይና ተዋሳኢት እያ። ሓባራዊ ድሌትን ደረጃ ህርፋን ውልቃዊ ሃገራት ዝመዝንን ክኸውን ኣለዎ።

እቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ናይ ማድሪድ ሕታም “ህንጡይ ጻዕሪ” ብምቕራብ ዝተዛዘመ እዩ። እዚ ኣብ ስልጣነ ዘጋጥም ብድሆ እዩ ቢልኵም ገሊጽክምዎ ነርኵም፡ ሕጂ እንታይ እዩ ኣንጸላልዩ ዘሎ? . . . ኣብ ታሪኻዊ ህሞት ኢና እንነብር ዘሎና። እቲ ንኮቪድ - 19 ከምኡ እውን ንለውጢ ኣየር እተወሃበ መልሲ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ይሴባህ፥ “ደቅሰብ ድሕሪ ናይ ኢንዳስትሪ ሶውራ ኣብ ታሪኽ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ሓላፍነት ዘይስምዖም ክዀኑ ዝኽእሉ እንኳ እንተዀኑ፡ ኣብ መጀመርታ መበል 21 ሰብ ከቢድ ሓላፍነታቱ ብልጊስ ተሰኪሙ ዘኽበሮን ኮይኑ ክዝከር ተስፋ እገብር” ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ንስልጣነ ዚድግፍ ብድሆ እዩ፡ እዚ ኸኣ ንሰብኣዊ ክብረት ኣብ ኵሉ ተግባር ከተኵረሉ ኣለዎ። ከም ለብዕን ለውጢ ዅነታት ኣየርን ዝኣመሰለ ዓለም ለኻውን ግዚያውን ተርእዮታት ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵላትና ነቲ ኣብ መንጐ ደቅሰብን ተፈጥሮኣዊ ኣካባብን ዘሎ ኪዳን ብፍላይ ከኣ ነቶም ብቐሊሉ ዝጥቅዑ ሰባት ኣቃልቦ ብምግባር ብሓባር ክንዓዪ ከም ዘሎና ኣብ ምስትውዓል ተምርኲሶም ዝሓትዎ ለውጢ ብዝያዳ የጐልሕ ኣሎ።

ኣብታ ይሴባህ ዓውዲት መልእኽቲ ፍራንቸስኮ ንፍጥረት ምክንኻን ንድኻታት ኣቃልቦ ምግባር ንማሕበርሰብን ንሕንጸት ሰላምን ዘሎና ጻዕሪ ዘይነጻጸል ምዃኑን እዚ ኸኣ ዘይንጽል ማሓድሮ ምዃኑ የመላኽቱ። እቲ ህጹጽ ኣግዳስነት ዘለዎ እንታይ እዩ? ብከላ ከባብን ማሕበራውን ኣጸቢቑ እተኣሳሰረ እዩ፡ እዚ ሓደ ካብቲ ብዛዕባ ዘይንጽል ማሓድሮ ዚገልጽ ቀንዲ ኣምር እዩ። ሰላምን ፍትሕን ዕቝባን ፍጥረት ምሉእ ብምሉእ እተተሓሓዘ ሕቶታት እዩ። እዚ ሕቶታት እዚ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኪተሓዝ ከሎ ናብ ምንካይ ስቓይ ዝሰንይ ኣይከውንን። በዚ ምኽንያት እዚ ኣብቲ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ለውጢ ኣየር ምላሽ ኪወሃበሉ ዘለዎ ኵለን ሃገራት ንንጥፈታት ለውጢ ኵነታት ኣየር ንምንካይን ንምትብባዕ ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ብቐሊሉ ዚጥቕዑ ሰባት ነቲ ብሰንኪ እዚ ተርእዮ እዚ ዚመጽእ ጒድኣት ንኽብድሁ ምሕጋዝ እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ኣብታ “ኵሉ እተተሓሓዘላ” ከምኡ እውን ኣብቲ ኣብ ፓሪስ ኣብ 2015 ዓ.ም. እተገብረ ውዕል ብከላ ኣየር ንምቕናስን ዘላቒ ማሓድሮ ንምኽዋን ዘውጽኦ ሸቶታት ገና ርሑቕ እዩ ዝመስል ዘሎ፥ እቲ ሸቶታት ንምውቃዕ ክስዓብ ዘለዎ መገዲ እንታይ እዩ ትብሉ? ኣብቲ ዕለት 4 ጥቅምቲ ምስ መላእ መራሕቲ ሃይማኖትን ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን ብሓባር ናብ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ምዝባዕ ኣየር ጻውዒት ንምቕራብ ኣብ እተግብረ ኣኼባ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሕድሕዳዊ ምትእስሳርን ንምትሕብባርን እተወፈየ ጥማቶ ኣድላዪ ምዃኑ የጉልሑ። “በይንና ስጒምቲ ክንወስድ ንኽእል ኢና እንተዀነ ግን ነፍሲ ወከፎም ንኻልኦት ንምክንኻንን ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህጹጽ ለውጢ ዝመርሕ ዝገብርዎ ቈራጽነት መሰረታዊ እዩ፡ ብእምነትን መንፈሳውነትን ዝተባባዕ ጻዕሪ [ …] እቲ በብመዓልቱ ኪሕደስ ዘልዎ “ደራኺ ፍቕሪ” ብቀጻሊ ኺሓትቶ ዘለዎ ቃል ኪዳን እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብና ኣስፋሕፊሑ ዘሎ “ጓሓፋይ ባህሊ” በቲ ሓባራዊ ጻዕሪ ኣቢሎም “ዘርኢ ግጭታት - ስሰዐ ዘይምጋዳስ ድንቁርና ፍርሂ ምጉዳል ፍትሒ ሻቕሎት ከምኡ እውን ዓመጽ” ዘደልድልን ንምቅዋም ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ዝለዓል ብድሆ እዩ። ኣብዚ እቲ ንዘላቒ ማሓድሮ ምስ ማሕበረሰብን ኣካባውያውን ምብልሻው ንምቅላስ ዝዓለመ መገዲ ካብቲ “ጓሓፋይ ባህሊ” ናብ “ናይ ምክንኻን ባህሊ” ምስግጋር ካብ ዝብል ግንዛበ እዩ ክጅምር ዘለዎ። በዚ ኸምዚ ጥራይ እዩ ነቲ ኣብ ዋዕላ ፓሪስ እተጻሕፈ ውዕል ብሓቂ ውጽኢታዊ ኪገብሮ ዚኽእል።

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ዜጋጥመና ዘሎ “ማሓድራዊ መሰጋገሪ” ኪርእይዎ እንከለዉ “ወትሩ መገዲ ክንቕይር ንኽእል ኢና”ብዝብል ተስፋ ተመሪሖም ብዛዕባ “መቐይሮ ህሞት ግዴታ” ምዃኑ ይዛረቡ። ካብዚ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም እተገብረ ኣኼባ እንታይ ትጽበዩ? ካብ እተፈላለየ ኣህጉራውያን ትካላት ስነ ፍልጠት እተረኽበ ናይ ቀረባ ግዜ ጸብጻብ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ውዕል ፓሪስ ንኽብጻሕ ዝስዕቦ ዘሎ መገዲ ዘተባብዕ ኣይኰነን። እዚ ኸኣ ጸገማት ናይዚ ለውጢ እዚ ዘጒልሕ ኣኳ እንተ ዀነ ዚጐድሎ  ዚመስል ነገር ንጹር ፖለቲካዊ ድሌት እዩ፡ እዚ ለውጢ እዚ ንዅሉ ሰብ ብምስታፍ ክግበር ኣለዎ። ዋላ ሓደ ኪተርፍ ኣይክእል እዩ። ኣብዚ ዓቢይ ብድሆ እዚ ደይመደይ ኢሎም ካብ ምስታፍ ከንሳሕቡ ኣይክእሉን እዮም። ነዚ ንመጀመርታ ግዜ ዘስተውዓሉ መንእሰያት እያቶም። ከምቲ መራሕቲ ሃይማኖት ዝፈረምዎ ናይ ጻውዒት ሰነድ ዝብሎ “ስፍራ ኣታኽልቲ ወሪስና ኢና ንደቅና ምድረ በዳ ክንሓገሎም የብልናን።” እቲ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ እዚ ድሌት እዚ ንምፍጻም ዘኽእል መገዲ ብጭቡጥ ንኽረጋገጽ ዝድርኽ ኣገዳሲ ህሞት እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

02 Nov 2021, 08:35