ሊቀ ጳጳሳት ፓሊያ፥ ሞት ስደተይናታት ንኤውሮጳ ውርደት እዩ! ሊቀ ጳጳሳት ፓሊያ፥ ሞት ስደተይናታት ንኤውሮጳ ውርደት እዩ! 

ሊቀ ጳጳሳት ፓሊያ፥ ሞት ስደተይናታት ንኤውሮጳ ውርደት እዩ!

ኣብቲ ቤላሩስን ፖላንድን ዘዳብዎ ስፍራ ዝርከቡ ስደተይናታት ዘሎ ኵነታት ጽንኵር ምዃኑ ዝገልጽ ሞት ወዲ ሓደ ዓመት ሶርያዊ ቈልዓ ዘረጋግጾ ኮይኑ። እዚ ፍጻሜ እዚ ንመላእ ዓለም ፍርዲ እዩ

ኣብ ዶብ ቤላሩስን ፖላንድን ተዓጊቶም ዝርከቡ ስደተይናታት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ጽንኵር ኵነታት ሞት ሓደ ዓመት ዝዕድመኡ ሶሪያዊ ስደተይና ቈልዓ ክሳብ ክንደይ መሪርን ትሕቲ ሰብኣውነትን ምዃኑ እዩ ዝምስክር። እዚ ፍጻመ እዚ ንብምሉኡ ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ኣብ ሕቶ ዘእትው እዩ፡ እዛ ክፍለ ዓለም እዚኣ እቲ ኣይሁዳውን ክርስትያናውን ልምድታታ ትርስዕ ከም ዘላ ዝሕብር ምዃኑ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣብነ ፓሊያ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ኣብ ዶብ ቤላሩስን ፓላንድን ኣብ ዘሎ ስፍራ ተዓጊቶም ናይ ዝርከቡ ስደተይናታት ገድላዊ ጉዕዞ ይቕጽል ኣሎ። ሒደት ኣማኢት ካብ ዚኣቶም ናብ ዝመጹላ ሃገረ ዒራቕ ከም እተሰጒን ኣስታት 5 ሺሕ ዝግመቱ ድማ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ናብ ዓዶም ክስጐጒ ምኻኖም ይንገር። ኣብ መንጐ ናይ ጀርመን መራሒት መንግስቲ ኣንገላ መርከል ከምኡ እውን ርእሰ ብሔር ቤላሩስ ኣለክሳንደር ሉካሼንኮ ብዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ መሰረት ኣስታት 2 ሺሕ ስደተይናታት ናብ ጀርመን ንኽኣትዉ ዘኽእሎም ናይ ሰብኣዊ መተሓላልፎ ክፍጠረሎም ኣብ ዝብል ስምምዕ ከምእተበጽሔን፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዶብ ሰጊሮም ናብ ሃገረ ፖላንድ ዝኣተዉ 45 ስደተይናታት ብሓለውቲ ጸታ ዶብ እታ ሃገር ከምእተተሓዙን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሞት ወዲ ሓደ ዓመት ሕጻን!

ኣብቲ ቤላሩስን ፖላንድን ዘዳብዎ ስፍራ ዝርከቡ ስደተይናታት ዘሎ ኵነታት ጽንኵር ምዃኑ ዝገልጽ ሞት ወዲ ሓደ ዓመት ሶርያዊ ቈልዓ ዘረጋግጾ ኮይኑ። እዚ ፍጻሜ እዚ ንመላእ ዓለም ፍርዲ እዩ። እቲ ቈልዓ ምስ ስድራ ቤቱ ንሓያሎ መዓልታት ኣብቲ ዶብ ከምዝነበረን ምናልባት እውን በቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ቍርን ኣስሓይታ ተሳቕዩ ከምዝሞተ ዝዘከሩ ብዛዕባ እዚ ጒዳይ እዚ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ሓዋርያዊ መንበር ንብረት ኣመሓዳሪ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ቪቸንዞ ፓሊያ፥ “እዚ ዘሕዝን ፍጻመ እዚ ንሕልና ኵላትና ኣብ ሕቶ ዘእትዎ - ንብምሉእ ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ድማ ውርደት እዩ” ኢሎም።

ሞት እቲ ወዲ ሓደ ዓመት ሶርያዊ ቈልዓ ንዅላትና ዘሰንብድ ጓሂ እዩ፥ ብርግጽ! ኣቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዝፍጸም ጃማልዊ ቅትለት ሎሚ እውን ኣብ ዓለም ብእተፈላለየ መገዲ ይቕጽል ኣሎ። ኣብዚ ጒዳይ እዚ ነቶም ዕቝባ ዝደልዩ መጻኢኦም ንምጽናዕ ዚደልዩን ኣዚዮም ሒደት ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን እውን ከይተረፉ ህልው ኵነታቶም እቲ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ፍታሕ ዘይህብ ጭካነ ተግባር ዘጒልሕ እዩ። ሞት እዚ ቈልዓ እዚ ብምሉኦም ተቐማጦ ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ዘይግደስሉ ምዃኖም እውን ዝርኣይ ዘሎ ሓቂ እዩ። ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ደጋጊሞም ንኣገዳስነት እታ ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ብቐጻሊ ካብ ዝተፈጽመ ናይ ስደት ጒዕዞ ኣብ ዝቘመት ኤውሮጳ ክርስትያናዊ መበቈላ ዕሽሽ ክበሃል ከምዘይግባእ ደጋጊሞም ዝገልጽዎ ዝነበረ ሓሳብ እዩ። ሎሚ ንታሪኽ እዛ ክፍሊ ዓለም እዚኣ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ኣይሁድን ክርስትያንን ልምድታታ ዝኽሕድ ተግባራት እዩ ዝርአ ዘሎ። እቲ ኣይሁድን ክርስትናን ባህሊ እዛ መሬት እዚኣ ጋሻ ምቕባል ሓደ ካብቲ ናይ ልምድታታ ክቡር ዋጋ እውን እዩ ኢሎም።

ብጹዕነትኵም እዚ ሶሪያዊ ቈልዓ እዚ ኣብ ገማግም ናይ ቱርኪ ባሕሪ ሞይቱ ናይ ዝተረኽበ ኣይላን ዝስሙ ቈልዓ ታሪኽ እዩ ዘዘኻኽረና። እቲ ዘስካሕክሕ ጽንኵር ኵነታት ስደተይናታት ይቕጽልን ይሰፍሕን እዩ ዘሎ። ብባሕሪ ብዝግበር ጒዕዞን ብምድርን እውን፥ ነዚ ጒዳይ እዚ እንታይ መልስታት ኢና ክንህበሉ ዘሎና? መልሲ ናይዚ ኸኣ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ሳጥናኤላዊ ተግባር ቢሎም ዝገልጽዎ ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ናይ ዘይምግዳስን ሸለልትነትን ባህሊ ካብ ምስዓር እዩ። ምኽንያቱ እዛ መልእኽቲ ክርስትና ንዕስራ ዘመን ኣስተንፍሶ ዝገበረትን ወንጌል ኣብ ባህልታት ህዝቢ ኤውሮጳ ዝሰረጸላን ክፍለ ዓለም እዚኣ እዚ ሰብኣውነት ዘማእከለ ባህላ እዩ መልሱ። ከምቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ ንኤውሮጳ በብቝሩብ ናብ ኣህጒር ዘሰጋገረ ዕስራ ዘመን ዝጸንዔ ብክልተ ሳናብኡ ንኸተተንፍስ ዝገበራ ባህላ ምዕባጥን ቀስ ብቐስ ምእላይን ብቐዳምነት እትጒዳእ ኤውሮጳ ባዕላ እያ። ኤውሮጳ ንምህናጽ እውን ኣጸጋሚ እዩ ዝኸውን። ኤውሮጳ እንደገና ኣዕሚቓ በቲ ምብራቓውን ምዕራባውን ሳምቡኣ ከተተንፍስ ተስፋ እገብር። እዚ ዓበይቲ ልምድታት እዚ ኸኣ ንዘመናት ኣብ ዓለም ቀንደይ ተዋሳኢት ክትከውን ኣብቂዕዋ እዩ። ብዘይካ እዚ ብዛዕባ እቲ ዓውሎማዊ ምዕባለን ሕውነትን ምትሕብባርን ሓልዮን ምስቲ ኵሉ ድሩትነት ከምኡ እውን ምስቲ ኵሉ ግድፈታታ ብወንጌል ዝተደረኸ ሰብኣውነት ክህልዋ ዝገበራ ባህላ ክትነብሮ ይግብኣ። ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ ዝያዳ ኣድላዪ እዩ - በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እቶም ማዕጾና ብምዅሕኳሕ ዝሓሸ መጻኢ ክረኽቡ ዝደልዩ ሰባት - ቈልዑ ኣንስትን ኣሰብኡትን - እውን ከይተረፉ ብምዕጋት ኣብ ገዛእ ርእስና ክንዕጸው ምፍታን ንዅላትና ስቓይን መከራን ምብትታንን እዩ። ስለዚህ ንባህሊ ኤውሮጳ ዝቐረበ ዓይነት ምንባር ምምራጽ እዩ ዘድሊ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

20 November 2021, 15:10