ድለ

2021.11.02 Intervento card. parolin alla Cop26 di Glasgow 2021.11.02 Intervento card. parolin alla Cop26 di Glasgow 

ፍራንቸስኮ፥ ንመንእሰያት ጥዑይ ዓለም ክንሓድገሎም እንተ ዄንና ምርጫና ሕጂ እዩ

እዋኑ ኵለን ብፍላይ ከኣ ናይተን ዝያዳ ክእለት ዘለወን ሃገራት ቈራጽ ጻዕሪ ዘድልየሉ ናይ ስልጣነ ብድሆ ዝርኣየሉ መዋዕል እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ዓውዲ ቍጠባ ከባቢ ኣየር ማለት ብከላ ከባቢ ኣየር ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ መሪሕ ግደ ክህልወን ኣለዎ

“ኣብዚ ኣገዳሲ ምርጫ ኣብ ዝገበረሉ እዋን ብጸሎት አሰንየኵም” ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ግላስጐው ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ተወዲቡ ናብ ዝካየድ ዘሎ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ናብ ዝመክር ዘሎ ዘመሓላለፍዎን ኣብቲ ዋዕላ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን መሪሖም ብዝሳተፉ ዘለዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዝተነበ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ “ነተን ዝደኸያ ሃገራት ዚጐድእ ማሓድሮኣዊ ዕዳን ጽኑዕን ኣርሒቝ ዝጥምት ዘይንጽል ተሓባባሪ ምዕባለ ንምርግጋጽ ትኵር ዝኾነ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ጉባእያዊ ስጒምቲ” ዘቕርብ ክኸውን ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣቐዲሞም ነቲ ናይቲ ዋዕላ ኣቦ መንበር ኣሎክ ሻርማንን ኣስዒቦም እውን ንዅሎም ተጋባእያን ሰላምታ ዘቕረብሉ ናብቲ ዓውደ ጉባኤ ዘመሓላለፍዎ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ እተነበ መልእኽቲ፥

ንብምሉኡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ኣሉታዊ ጽልዋታት ለውጢ ኵነታት ኣየር ንምውጋድ ከምኡ እውን ነቶም ኣዚዮም ዝሳቐዩ ድኻታትን ተነቀፍትን ህዝቢ ንምሕጋዝ ዝያዳ ሰብኣውን ቝጠባውን እደ ጥበባውን ሃብቲ ንምክፋል ዝድርኽ ፖለቲካዊ ድሌት ኣገዳሲ ዕማም ምዃኑ እነስተውዕሎ ጒዳይ እዩ

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ መንጐ ህዝብታት ምትሕብባርን ሓድነትን ናይ ግድን እዩ

መራሕቲ ዓለም ዘጋጥሞም ዘሎ ነገር በቲ ንደቂ ሰብ ዜጥቅዕ ለብዒ እናተጋደደ ዚኸይድ ዘሎ ዓቢይ ብድሆ እዩ። ካብ ኮቪድ - 19 “ኣብ መንጐ ኵሎም ህዝብታት ዓለም ዓሚቝ ደገፍ ዘለዎ ምትሕብባር” እንተድኣ ኣልዩ ጥራይ እዩ ክንላቐቕ ንኽእል። እቲ ምስ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝግበር ቃልሲ እውን ከይተረፈ ምትሕብባርን ሓላፍነት ዝስምዖን ስጒምቲ ምውሳድ ዝሓትት ካልእ ኣማራጺ ኣርእዩና እዩ”። ሎሚ ብዛዕባ እዚ ስጒምትታት እዚ ምውሳንን ዀነ ጽባሕ ኣብ ሓንቲ ‘ጥዕይቲ’ መሬት ዘሎ ኵነታት ንሰብኣዊ ህይወት ክብሪ ዝበረኸ ነዚ ውሑስ ምግባር ኣባኹም እዩ፥”

እዋኑ ኵለን ብፍላይ ከኣ ናይተን ዝያዳ ክእለት ዘለወን ሃገራት ቈራጽ ጻዕሪ ዘድልየሉ ናይ ስልጣነ ብድሆ ዝርኣየሉ መዋዕል እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ዓውዲ ቍጠባ ከባቢ ኣየር ማለት ብከላ ከባቢ ኣየር ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ መሪሕ ግደ ክህልወን ኣለዎ። ቍጠባዊ ስርዓትን ህይወት ሰባትን ንምድንፋዕ ነተን ብቐሊሉ ዝሳቐያ ሃገራት ምስቲ ለውጢ ኵነታት ኣየር ዘሕድሮ ጽዋልዋ ንኽገጥማ ዘኽእለን ከምኡ እውን ነቲ ካብዚ ተርእዮ እዚ ዝመጽእ ጒድኣትን ምላሽ ክህባሉ ምድጋፍ ከምዘድሊ ዝሕብር እዋን እዩ

ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ድርብ መብጽዓ

ቅድስቲ መንበር ነቲ ከባቢ ኣየር ዝብክል ጋዝ ናብ ዜሮ ንምንካይ ዝብል ኣገባብ ከም እተቐበለቶም ኣብ 2050 ዓ.ም. ኣብ ሕውነት ዘተኮረ ሓድሽ ኵለንተናዊ ምሉእ ማሓድሮኣዊ መዳይ ኣብ ሕውነትን ኣብ መንጐ ሰብን  ተፈጥሮን ኣብ ዘሎ ኪዳናዊ ምትእስሳር ዘተኵር “ዘይንጽል ማሓድሮኣዊ ትምህርቲ” ንምድንፋዕ ዝኣመተ መደብ ከም እተተባብዕን እቲ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ብሓባር እንነብረላ መሬት ምድሓን ዝብል ዘቕረብዎ ጻውዒት እውን ኣዘኻኺሮም፥

እተን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት እተፈላለየ ድምጽን ስምዒትን ዘለወን እያተን እንተዀነ ግን ካብቲ ኣብ ሕብረተሰብና ኣስፋሕፊሑ ዘሎ “ከም ውዳቕ ዝሓስብ ነጻልን ጓሓፋይን ባህሊ” ናብ “ባህሊ ኽንክን” ናይ ሓባር ቤትናን እቶም ኣብኡ ዝነብሩን ስዒቦም ንዝነብሩን ፍጥረት ብቘራጽነትን ብምትእምማንን ለውጢ ንምግባር ኵሉ ክሓብር ከምዘለዎ ብንጹር የመላኽት፡

ነቲ ኣብ ደቡባዊ ዓለም ዘሎ “ማሓድሮኣዊ ዕዳ” ምሕዋይ

ምስ ለውጢ ኵነታት ኣየርን ለብዕን ዚመሳሰል በሰላ ኼጋጥም ከሎ ምስቲ ካብ ዓለም ለኻዊ ግጭት ዝመጽእ በሰላ ዝመሳሰል እኳ እንተ ዀነ ነዚ በሰላ እዚ ንምግጣም “ተስፋን ብርታዐን” የድልየና። ኰይኑ ግና ንደቂ ሰብ ካብዚ ለውጢ እዚ ከውጽእ ዘኽእል መገዲ ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ቁርጺ ፍቓድ ዝሓትት እዩ። ብዛዕባ እቲ እተን ዝሃብተማ ሃገራት ዝኣከበኦ “ማሓድሮኣዊ ዕዳ” ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ልክዕ ከም ናይ ወጻኢ ዕዳን ንዕብየት እቶም ዝደኸዩ ሰባት ዝዕንቅፍ እዩ ዝሕሰብ፥ ነዚ ዕዳ እዚ ንምሕኻኽ ነዚ ኵነት እዚ ንምሕዋይ ዘይሕደስ ጸዓት ምጥቓም ምድራቱን ከምኡ እውን ነተን ዘላቒ ምዕባለ ከህሉ ዝድግፍ ፖለቲካን ስርዓትን መደባትን ንምድፋዕ ዝያዳ ሓገዝ ዘድልየን ድኻታት ሃገራት ዘድሊ መሳለጥያ ምቕራብ ይግባእ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፥

ብፍጹም ክንፈሽል የብልናን!

ቅዱስነቶም ሰብኣዊ መሰላት እውን ኣብ ቅልውላው ከምዘሎ ኣዘኻኺሮም፡ ነቲ ዝደለናዮ ሸቶታት ካብ ምውቃዕ ክሳብ ክንደይ ርሒቕና ከም ዘሎና ዘጒሂ ምዃኑ ገሊጾም፥ እንተዀነ ግን እዚ ፍሽለት እዚ ከም ቅቡል ክንርእዮ ዝከኣል እኰነን፥

ንመበል 26 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ኣየር ኣብ ግምት ብምእታው፥ እንጽበዮ ግዜ የብልናን ግዚኡ ሕጂ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ በዚ ቅልውላው ከባቢ ኣየር እዚ ዝሳቐዩ ብዙሓት እያቶም ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ብዙሓት ሰባት ብፍላይ ከኣ ኣብቶም ብቐሊሉ ዝጥቅዑ ሰባት ዘሕድሮ ተደጋጋምን ብርቱዕን ጽልዋ ኣብ መሰላት ቈልዑ እውን ቅልውላው ከም ዝኾነን ኣብ ሓጺር እዋን ካብ ግጭት ዘምልጡ ስደተይናታት ንላዕሊ ብዙሓት ከም ዝኾኑን ንፈልጥ ኢና።

ከም ዝበሉ ሓቢሩ።

ንሓድሽ ወለዶ ከመነስግኖ ኣሎና

ስለዚ ብትብዓትን ብሓላፍነትን ሕጂ ስጒምቲ ክንወስድ ኣሎና። ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ብቐንዱ ሳላ እቶም መጻኢና ናታቶም ስለ ዝዀነ ከንኣምኖም ዘሎና መንእሰያት እዩ። - “ካብታ ንዓታቶም እንገድፈሎም መሬት እተፈለየት መሬት ኣይክትህሉን እያ። እዛ መሬት እዚኣ ከኣ ካብቲ ብመሰረት ሎሚ እንገብሮ ጭቡጥ ምርጫታት ክቕበልዋ ዝኽእል ዝተፈለየ መሬት ኣይክትህልዎምን እያ። እዚ ህሞት እዚ ኣብ መጻኢ ምትእምማን ከም ዚሓድሮም ዚገብር ውሳኔ ዝጠልብ እዩ። ወሳኒ ህሞት ምዃኑ የመላኽቱ። እቲ ናይ ቅዱስነቶ መልእኽቲ ይብሉ  ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን “እቲ ናይ ግላስጐው ቈጸራ ካሳብ ክንደይ ከም ዘገድሶን ዘረጋግጽ እዩ” ቢሎም ቅዱስነቶም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ምሳኻትኵም ክኸውን ምደለኹ ነይረ። ግና ኣተኻእለን። ይዅን እምበር ኣብዚ ኣገዳሲ ምራጫታታ እዚ ብጸሎት እሰንየኵም ኣለዅ” እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

04 Nov 2021, 08:42