ኣቡናት ፈረንሳ ኣብ ንጽሕናን ሕዳሴን ሓገዝ ር.ሊ.ጳ. ይሓትቱ
ናይ ፈረንሳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ሉርደስ ዘካየዶ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ኣብ መዛዘሚ ዝወጸ ናይ ጸብጻብ ሰነድ ወግዒ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃብሉ ናይቲ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ሙሊንስ በውፎርት ምስ ናይ ሃገሮም ሰበ ስልጣን ፍርዲ ምሉእ ምትሕብባርን ብምኽንያት ገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ዓመጽ ንግዳያት ንዝኾኑ ካሕሳ ከም ዚወሃብን ር.ሊ.ጳ. ኣብ ፈረንሳ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከምዚ ዓይነት ጸያፍ ተግባር ከይፍጸም እተሳልጦ ዘላ ተግባርን እትስዕቦ መገድን ብቐረባ ዝምልከት ሓዋርያዊ ተዓዛቢ ኣካል ኽልእኹ ዝብል ውሉዳዊ ሕቶ ከምዘቕረበ ኣፍሊጦም።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ከም ተቕዋም ሓላፍነትና ኣፍልጦ ሂብናሉን ነቶም ግዳያት ካሕሳ ንምሃብን ናይ ሕዳሴን ዕርቅን ኣገባብ ንምርግጋጽ ወሲንና።” ኣብ መደምደምታ እቲ ኣብ ሉርደስ እተገብረ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ኣማእኪሎም ናይ ፈረንሳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ረኢምስ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኤሪክ ደ ሙሊንስ በውፎርት፥ “ጳጳሳት ፈረንሳ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፈረንሳ ነቲ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ጾታዊ ማህሰይቲ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ተመሳሳሊ ገበን ከይፍጸም ክትስዕቦ ዝግብኣ መገዲ ከምዝሓንጸጸትን ነቲ ኣብ ፈረንሳ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ጾታዊ ማህሰይቲ ዝምርምር ሽማግለ ዘቕረቦ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ ልዕሊ 330 ሺሕ ካብ ኣቶም እውን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝርከብዎም ከምዝኾኑን እዚ ካብ 1950 ክሳብ እዚ እዋን እዚ ዝምልከት ከምዝኾነን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፈረንሳ ንእተካይዶ ናይ ምድሓን ንጽሕናን ሕዳሴን ጉዕዞ፡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓገዝ የድልዮ ዝብል ሓሳብን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፈረንሳ እትወስዶ ዘላ ናይ ሕዳሴ ስጒምቲ ብቐረባ ዝምርምር ኣብ ጉዕዞ ሕዳሴ ዝሕግዝዋን ፍሉይ ሓዋርያዊ ተዓዛቢ ኣካል ክልእኹ ብጹዓን ጳጳሳት ፈረንሳ ከምዝሓተቱት ኣፍሊጦም።
ነቶም ግዳያት ይቕረታ ምሕታት
ከም ሓቂ እንተደኣ ዀይኑ ኣቡናት ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ እቶም ጾታውዊ ህስያ ዝፈጸሙ ገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ነቶም ግዳያት ነቲ ዝወረዶም ጾታዊ ማህሰይቲ መልሲ ንምሃብ ዝወሰድዎ ስጒምቲ ዘብርህ ፍልዩ መርማሪ ሽማግለ ክቐውም ከምዝሓተቱን ማለት “እቶም ኣደዳ ጾታዊ ማህሰይቲ ዝዀኑ መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ክሳብ እታ መወዳእታ መዓልቲ ኣብ ጽምዋ ዝነብዑ” ቤተ ክርስቲያን ቀረባ ብምዃን እትህቦም መልስን ኣገልግሎትን ብቐረባ ዝከታተል ሽማግለ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዘነጸሩን እቶም ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ እተሳተፉ 120 ዝኾኑ ንዅሎም ብካህናት ከምዚ ዝኣመሰለ ዘስካሕክሕ በሰላ ዝወረዶም ሰባት ዘኪሮም ጣዕሳን ይቕረታን ተመክሮ ከምዝገበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ውርደትን ናጽነትን
ናይ ፈረንሳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣቦ መንበር ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤን ፍጻሜታቱን ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣስዒቦም “ናብ ድኻ ቤተ ክርስትያን ኢና እንጐዓዝ ዘሎና” ቢሎም “እዚ ንድኻታትን እተነጸሉን እተናዕቁን ሰባትን ብዝሓሸ መገዲ ንኽንረኽቦም ኪሕግዘና ዚኽእል እንተ ኰይኑ ውረድትን ድኽነትን ክንትሕትን ዚግብኣና ምዃኑን እዚ እውን ጸዋዕታና ምዃኑ ዝሕግዘና መገዲ ብምዝኽኻር ዘመላኸተን እዩ። እታ ናትና ዝዀነትን ከነገልግላን እንደሊ ቤተ ክርስቲያን ንገዛ እርሳ እትሓስብ ኣብ ገዛእ ርእሳ እተዓጸፈት ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ እትሓስብ እትንእድን ክትከውን ከምዘይትኽእል ንምሕባርን ንምንባርን ሓራ ወጺእና ኢና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ምስ ናይ ሃገሮም ሰበ ስልጣን ፍርዲ ምሉእ ምትሕብባር
ብጹዕ ኣቡነ በውፎርት፥ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ሰበ ስልጣን ሃገረ ፈረንሳ ጥብቂ ምትሕብባር ከምዝህልዋን ኣብ ከም ርእሲ ከተማ ፓሪስ ዝኣመሰላ ገሊኣተ ከተማታት ነቲ ኣብ መንጐ ሰበ ስልጣንን ኣኽበርትን ዓቀብትን ሕጊ ዘሎ ምትሕብባር መምርሒታት ንምዝርጋሕ ዝግበር ርክብ ቀጻሊ ከምዝነበረን ገሊጾም፥ “ኣብ ናይ ሃገርና ኣገልግሎት ፍትሒ ብምትእምማን ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ ውዕል ምፍራም ንዓና ዝሓሸ እምበር ዘሕስር ኣይኰነን እቶም ገበን ዝፈጸሙ ምሕረት ኣምላኽ ነገልግሎቶም ከውዕልዎ ኣይክእሉን እያቶም፡ ካብ ዝፈጸመዎ ገበን ንኸምልጡ ምኽንያት ክኾኖም ኣይኽእል” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ቤተ ክርስቲያን እተገብረ ተሓድሶ
ከም ተቕዋም መጠን ቤተ ክርስቲያን “ዓሚቝ ተሓድሶ” ከም ዘድልያ ናይ ፈረንሳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሓቢሮም “ነቶም ግዳያት ብቐዳምነት ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ኤቅለሲያዊ ዕዮና ንኸነስፍሕ ናጽነት ረኺብና ኢና። እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደልይዎን ዘበገስዎን ናይ ሲኖዶስ ጒዕዞ ዝያዳ ምስማዕን ኣገዳሲ ለውጥታትን ንምትብባዕ ኣጋጣሚ ክኸፍተልና እዩ - እተፈላለየ ኣረኣእያ ንምስጋር ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣረኣእያ ኣበርክቶ ንምርካብ ንህዝቢ ኣምላኽ ንምምኻር መገድታት ንምድላይ እዚ ዅሉ ዕቤት ንምግባር እተኣትወ መብጽዓታት ዝመልአ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወት ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣቃልቦ ንኽንገብረሉ ኣጋጣሚ ክኸፍተልና ይኽእል እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ኣምር ኣቦነት
ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ንዅሎም ካህናት ዝያዳ “ዕጽፊ ንቑሓት” ከምኡ እውን “ልኡማት ንመንፈስ ቅዱስ። ናይ ክርስቶስ ምጽንናዕን ናይ ኣምላኽ ቅርበትን ንዅሉ ንኸነብጽሕ ብፍቓዱ ካህናት ኢና። ስለዝ ንኣቦነት ቃልን ተግባርን ብጌጋ ከይንጥቀመሉን ወይ ንጥቕሚ ውልቅና ከነውዕሎ ምጥንቃቕ የድሊ። ዝወሃበካ ናይ ኣቦነት ሓላፍነት ከም ናይ ውልቂ ንብረት ጌርካ ካብ ምጥቓም ገዛእ ርእስኻ ክብ ንምባል ንኻልእ እትሒትካ እትርእየሉ ሓላፍነት ኣይኮነን” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።