SAFRICA-POLITICS-ELECTIONS-VOTE SAFRICA-POLITICS-ELECTIONS-VOTE 

‘ኣፍሪቸ ሙኑስ’ መብጽዓ ኣፍሪቃ ኣብ ዓሠርተ ዓመቱ!

ናይ ሎሚ ዓሠርተ ዓመት ይገብር ብዕለት 20 ሕዳር 2011 ዓም ነቲ ብ1995 በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ኤክለዝያ ኢን ኣፍሪቃ ቤተክርስትያን ኣፍሪቃ ብዝብል ንዝጸሓፍዎ ቃለ ምዕዳን ስዒቡ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ሮማ ንዝተኻየድ ሲኖዶስ ቤተክርስትያን ኣፍሪቃ ተኸቲኦም ‘ኣፍሪቸ ሙኑስ’ መብጽዓ ኣፍሪቃ እትብል ሓዋርያዊት ቃለ ምዕዳን ከም ዝጸሓፉ ይዝከር፤ ነዛ ኣብ ባህልን እምነትን ኣፍሪቃ ተመሥሪታ ዝቀረበት ንመደብ ስብከተ ወንጌል ኣፍሪቃ ዓቢ ኣበርክቶ ክትገብር ዝተጻሕፈት ኣባ ጁልዮ ኣልባነዘ ኣብ ጋዜጣ ሎዘርቫቶረ ሮማኖ ‘ዓሠርተ ዓመታት መብጽዓ ኣፍሪቃ’ ብማለት ዘቅረብዎ ጽማቊ ነቅርብ።

ዜና ቫቲካን!

ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት መላእ ካቶሊካዊትቢቤተክርስትያን ንጉዳይ ኣፍሪቃ ጉዳይና ኢሎም ዕለት 4 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም.ፈ ጀሚሮም ‘ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንምሉእ ወርሒ ተጋቢኦም ብጉጅለታት ተዋሲኦም ይኸውን ንዝበልዎ ሓሳባት ብመልክዕ ለበዋ ሰኒዶም ንልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክስቶስ መበል 16 ምስ ኣረከቡ ቅዱስነቶም ብግዲኦም ንክልተ ዓመታት ዚኣክል ብዙሕ ድሕሪ ጸሊዮምን መኺሮምን ብዕለት 20 ሕዳር 2011 ዓም ናብ ኣፍሪቃ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ዝፍጽመሉ ዝነበሩ ኣብ ከተማ ኮቶኑ ሃገረ በኒን መብዛሕት ኦም ጳጳሳት ኣፍሪቃ ኣብ ዝተረኽቡሉ፤ ኣፍሪቸ ሙኑስ መብጽ ዓ ኣፍሪቃ ብዝብል ሓዋርያዊት ቃለ ምዕዳን ብዕሊ ኣረከብዎም።

ኣብ ግዜኡ ተገሊጹ ከምዝነበረ እቲ ሰነድ ብሓቂ ንነዊሕ ግዜ ን ኣህጉር ኣፍሪቃ ብባህላን እምነታትን ኣብ ከከባቢኡ ንዝካየድ ስብከተ ወንጌልን ጒስነትን ምሕደራን ዝሕግዙ ክሳብ ሕጂ እውን ኣዎንታዊ ጽልዋ ዘለዎም ጉዳያት ኣቅሪቡ ነበረ፤ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብሓጐስን ህያው ተስፋን ን እግዚኣብሔር ክብሪ እተቅርብ ኣህጉር ኰይና ዚኣክል ዓቅምን ሓይልን ከምዘለዋ ዘመልክት ነበረ።

እታ ሙኑስ እትብል ቃል ላቲን መብጽዓ ጥራይ ዘይኮነ ደይመደይ ቢልካ ሓላፍነትካ ተሸኪምካ ክትፍጽሞ ዘሎካ ዕዮ ገዛ ፈሊጥካ በቲ ዝመደብካዮን ዚኣቶኻዮ ቃልን ክትፍጽሞ ዘሎካ ርእሰ ፍተሻን ቁጽጽርን እናኣካየድካ ዚግበር ንተል እኮ ስብከተ ወንጌል ቅድምያ ዝህብ ነበረ፤ ስለዚ ኣፍሪቃውያን ባዕሎም ንገዛእ ርእሶም ንሓዲስ ምንቅስቃስ ቤተክርስትያን ከበግሱን ክዋስኡን ሓላፍነት ዘሰክምን መብጽዓ ዘእቱን ሰነድ ነበረ።

እዚ ግን ናብ ውሽጢ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘተኮረ ኣይነበረን፤ ኣብ ሳልሳይ ሺሕ ዘመነ ምሕረትቢቤተክርስትያን ኣፍሪቃ ንመላእ ዓለም ክተበርክቶ እትኽእል ሓገዝ እውን ኣብ ግምት ብምእታው እቲ መብጽዓ ንር እሳ ኰይናስ ንዓለም እውን እጃማ ንከተበርክት ነበረ።

ድሕሪት ምልስ ኢልና ነቲ ቃለ ምዕዳን እንተተመልከትና ክልተ ክፍልታት ከማኡ እውን መባእታ ክፍልን መደምደምታን አለዎ፣ ቀዳማይ ክፍሊ ተልእኮ ቤተ ክርስትያን ኣፍሪቃ ስብከተ ወንጌል ብምምእካል። ኣፍሪቃ ንዕላማ ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ እትህቦ መምርሒታት ይምርምር፣
ካልኣይ ክፍሊ ቤተ ክርስትያን እትህቦ ኣገልግሎት ብኅልፊ ኣብ መዳይ ቤት ትምህርቲ ሓለዋ ጥዕናን መራኸቢ ብዙኃንን ብዝምልከት ይዝርዝር፣ እዚ ክፍሊ’ዚ ሽሕኳ ኣብ ኣፍሪቃ ብዙሕ ግድላት እንተሎ ንዘሎ ናይ ሥነ-ምርምር ባህልን ሃይማኖትን ሃምታም ውርሻ ብምእታው ምሉእ ተስፋ ከምዘሎ ይገልጽ።። ቅዱስነቶም ኣብዚ ክፍሊ’ዚ ኣህጉር ኣፍሪቃ ካብቲ ኣልሚስዋ ዘሎ ግድላት ነጻ ብምዃን ዝሕግዝ ኃይሊ ካብ ውሽጣ ብምርካብ ሕይወታን ታሪኻን ንምምሕያሽ ክትብገስ ብዝበለጸ ንክርስቶስ ክትቀበል የተባብዑ።

ቀዳማይ ክፍሊ። ንተልእኮ ቤተ ክርስትያን ኣፍሪቃ ኣንፈት ዝህቡ መዋቅር


ቅዱስነቶም “ኣፍሪቃ ነቲ ንጸላኢ ከይተረፈ ከተፍቅር ዝሓትት ናይ ፍቅሪ ብጻይ ኣዋጅ ዝሓዘ ድምጺ ክርስቶስ ክትሰምዕ አለዋ” (13) እንክብሉ። እዚ ቃለ ምዕዳን እዚ ንሰላም ናይ ግድን ንዝኾኑ ዕርቂ ምስ እግዚአብሔርን ዕርቂ ምስ ብጻይን ክግበር ይዕድም፣ በዚ ኸስ ንውኅደት ሥድራ ቤታት መሠረታዊ ዝኾነ ንጽሕና ኅልና። ማለት ምሕረት ምቅባልን ምሕረት ምሃብን አድላዩ እዩ፣ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጸመ ዓመጽ መታን ከይድገም ነቶም ዝበደሉ ሃሰስ ቢልካ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፈጸሞ ዓመጽ ከምዝቆሙን ከምዝእረሙን ምግባር የድሊ፣
ኣብዚ ቅዱስነቶም ዘሥምሩሉ ጉዳይ አሎ። ሽሕ’ኳ ፍትሓዊ ማኅበራዊ ናብራ ምስራዕ ግደ ዓውዲ ፖሎቲካ እንተኾነ ቤተ ክርስትያን እውን ኅልና ሰብኡትን ኣንስትን ብምዅስኳስ። ነቲ ክንዮ ዝተሓተ ፍትሒ ብምስጋር ርእስኻ በጃ ኣኅዋትካ ክሳብ ምስዋእ ዘብጽሕ ኣብ ፍቅሪ ዝተምሥረተ ሰማያዊ ፍትሒ ብምምሃር ከተበርክት ትሕዝቲ እያ፣ ብናይ ክርስቶስ ፍትሒ ምንባርከስ ከምቲ ለበዋ ዝብሎ በመሠረት ወንጌላውያን ምኽርታት መነባብሮን ምትሕብባርን ፍቅርን እናሓሎኻ “ነቲ ቅቡል ዘይኮነን ኢሞራላውን ብስም መላእ ህዝቢ ዝግበር ምግባት ሃብቲ መወዳእታ ምግባር” (24) ማለት እዩ።። ስለዚኸስ “ንድኻን ንዝጠመየን ንዝሓመመን ንእሱርን ንስደተኛን ጽግዕተኛን ዝተፈናቀለን ፍሉይ ቆላሕታ ክግበር አለዎ”(27)፣ ቤተ ክርስትያን ነቲ “ናይቶም ንጹሓት ስደተኛታት ወይ እውን ናይቶም ገዛእቶም ንውልቃዊ ረብሓ ክብሉ ንዘሎን ዝመጽእን ከም ትሕጃ ዝገበቱሎም ህዝቢ ስቅታዊ ገዓር”(30) ድምጺ ብምዃን ሓዳስ ኣፍሪቃ ንምቋም እጃማ ተበርክት፣
ነዚ ኩሉ ኣብ ግብሪ ንምርኣይ ቤተ ክርስትያን ክትሰርሓሎም እትኽእል ዓውድታት ኣየኖት እዮም? ሓዋርያዊ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ልዕሊ ኩሉ ዘመልክቶ ትምህርቲ ክርስቶስ ክጽናዕ ዘለዎ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ግላውን ሥድራ ቤታውን ማኅበራውን ናብራ ክንበር ዘለዎ ምዃኑ። ነናይ ቦታኡ ባህላዊ ሥርዓታት ብኅልፊ ንዕርቂ ዝርኢ ኣድቂቅካ ክጽናዕ። እዚ ከአ ንስብከተ ወንጌልን ንወንጌል ኣብ ባህሊ ኣፍሪቃ ንምስራጽን ዝሕግዝ ወይ ዝዕንቅፍ ምዃኑ ንምግንዛብ ኢዩ። በዚ ከኣ ንቀቢላውነትን ዓሌትነትን ወገንነትን ዝቋወም ሓዲስ ሕውነት ከነደንፍዕ ንኽእል፣
ቅዱስነቶም ፍሉይ ምክልኻልን ምእላይን ዘድልዮም ብማለት ነዘን ዚስዕባ ነጥብታት ይዝርዝሩ።

ሥድራቤት። ሎሚ ንመርዓ ዝርኢ ጥሙዙዝ ኣተሓሳስባ ገኒኑ ንኣደነት ዋጋ ዝኸልእ ንፅንሲ ምውራድ ከምንቡር ዝወስድ ንፍትሕ ከም ቀሊል ፍታሕ ዝቈጽር ንኣይ ይጥዓመኒ ዝመለለዪኡ ተዛማዲ ሞራል ከም ዓቢ ግድል ኣብ ቅድመና ተገቲሩ ኣብ ዘለወሉ ግዜ ቤተ ክርስትያን ኣብ ማኅበረሰብ ሰላምን ውኅደትን ኣምጺኣ ንክትክእል ሥድራቤታዊት ክትከውን ኣለዋ።። ልዕሊ ኩሉ እቲ ኣፍሪቃ ንሽማገለታት እተርእዮ ክብርን እትህቦ ግምትን ንምዕራባዊ ዓለም ከም ኣብነት ናይ ኅብረተሰብ ርግኣትን ሥርዓትን ክኸውን ይኽእል፣

  • ደቂ ኣንስትዮ። ኣብ ኅብረተሰብን ቤተ ክርስትያን መተካእታ ኣልቦ አበርክቶ አለወን፣ ተጻይ ደቂ ኣንስትዮ ንዝግበር ዓመጽ ኩሎም ክርስትያን ክቃለስዎ ከወግዝዎን ክኹንንዎን አለዎም።።
  • ሕፃናት። ውህበት ኣምላኽን ኮይኖም ምንጪ ተስፋን ተሓድሶን። ዝኾኑ ሕጻናት ወትሩ ክትጻወሮም ናይ ዘይትኽእል ኣነውርቲ ተግባርት ግዳይ ከም ሕፃናት ወተሃደራት እሱራት ናይ ሥራሕ ባራዩ ንርእሶም ክኸላኸሉ በዝይምኽኣሎ ክዕመጹ ግሊኦም ክኣ ብጠንቆልቲ ከም ፍሉያት ፍጥረት ተወሲዶም ብዙሕ ኣደራዕ ዝስከሙ ከም ኣልቢኒ ዝአመሰሉ ፍሉይ ሕብሪ ዘለዎም ከም በራዩ ናይ ጾታዊ ስምዒት መርወይቲ ዝሽየጡ ኮይኖም ይርከቡ፣
  • ሕይወት። ቤተ ክርስትያን ንምውራድ ፅንሲ ንዕፀ ፋርስ (ሓሺሽ) ንስኽራን ትቃወም። ነቶም ቀተለቲ ዝኾኑ ከም ዓሶ ዓባይ ሰዓል አይድስ ዝአመሰሉ ሕማማት ንምጥፋእ ኣብ ቀዳማይ መስመር ኮይና ትቃለስ። ብሕልፊ ንአይድስ ዘድሊ መድኃኒት ንክርከብ ትጽዕር ኮይኑ ግን ነቲ ቀንዲ ጠንቁ ዝኾኑ ሞራላዊ መልሲ ብምሃብ ብስም ኣብ ሕጊ ተፈጥሮ ዝተመሥረተ ሰብእዊ ሕግን ቃለ እግዚአብሔርን ካብ ጾታዊ ርክብ ምቍጣብን ኣብ ኪዳንካ ጸኒዕካ ምንባርን ከም ቀንዲ መከላኸሊ ትምህር፣ ነቲ ማዕረ ሓለንጊ ማኅበራዊ ሞት ኮይኑ ዝረአ መሃይምነት ምጥፋእን ንመቅጻዕቲ ሞት ካብ ሕግታት ምድማሳስን እውን ግድነት እዩ፣


እዚ ቃለ ምዕዳን እዚ ካልእ ዘሥምረሉ ጉዳይ እውን አሎ። ኣፍሪቃ ብቅዋምን ነጻ ምርጫን ነጻ ቤት ፍርዲ ካብ ብልሽውና ነጻን ግሉጽን ዝኾነ አመሓድራን ዝግለጽ ጥዑያትን ቅኑዓትን መንግሥታት የድልይዋ፣ ካልእ ዋና ነገር ከአ ንሃብቲ ተፈጥሮ ምናዳ ንጥረ ነገራት ብስም ሓባራዊ ጥቅሚ ምምዝማዝ ነቲ ናይ ሓባር ሃብቲ ዝኾነ ማይ መሬት ምሕላው ከምዘድሊ ጸገም ስደት ንምቅዋም “ከም ናይ ሕውነት መግለጺ ንዝኾኑ ብነጻ ናይ ምውፋይ ዕላማን ናይ ጸጋ መንፈስን”(86) ዘጠቃልል ዓለም ለኸ ምትሕግጋዝ ግሎባል ሶሊዳሪት የድሊ።።

ከም መደምደምታ ናይዚ ቀዳማይ ክፍልን ከም ቀንድን ዘቅረብዎ ነጥቢ ጉዳይ ዘተ እዩ፣

ኢኩመኒካዊ ዘተ። እዚ ዘተ እዚ ዘድልየሉ ቀንዲ ምኽንያት ዝተመቃቀለ ክርስትና ዕንቅፋት ስለዝኸውን እዩ፣ እዚ ዕድመ እዚ ሓደስቲ ኢኩመኒካውያን ማኅበራት ብምቋም ብኃባር ግብረ ሠናይ ብምዝውታርን ኣብ ቅድሚ እቲ እንኣስፋሕፋሓ ዝኸዳ ዘለዋ ኣፍሪቃውያን ኣብያተ ክርስትያንን ንገለ ፖሎቲካውያንን ይኹን ንገለ ምእመናን ቊምስናታት ሃንቀው ዘብሉ ዝተፈላለያ ክርስትያናውያን ምንቅስቃሳትን ጉጅለታትን ቀጥ ቢለን ዘለወን ሃይማኖታዊ ውርሻ ንምዕቃብ እዩ፣

  • ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ። እዚ ብሓደ ወገን ምስተን ባህላውያን ሃይማኖታት ኣፍሪቃ ብምዝታይ ነቲ ምስ ወንጌል ዝሰማማዕ እናተቀበልካ ከም ጥንቀላ ንዝአመሰለ እናነጽግካ እንክግበር በቲ ካልእ ወገን ከአ ምስ ኣስላም ዝግበር ዘተ እዩ፣ እዚ ምስ ኣስላም ዝግበር ዘተ ኣብ ገገሊኡ ክፍልታት ኣፍርቃ ከጸግም ይኽእል፣ ቅዱስነቶም ግን ብአኽብሮትን ተጻዋርነትን ክግበር ምኽንያቱ ንሶም እውን ከም ክርስትያን ብሓደ ኣምላኽ ስለዝአምኑ እዚ ዘተ እዚ ነጻነት ሃይማኖትን ነጻነት ኅልናን ብምኽባር ክኸውን ከምዘለዎ ከምዘስመሩሉ ዝገልጽ ነበረ፡

ካልኣይ ክፍሊ። ዓውድታት ግብረ ተልእኮ ቤተ ክርስትያን


ኣብዚ ክፍሊ እዚ ቅዱስነቶም ብቀጥታ ናብ ጳጳሳት እዮም ዘተኵሩ። ጳጳሳት ምስ ተኸታሊ ጴጥሮስ ሓደ ብምዃን ምስ ካህናት ተወሃሂዶም መንቅብ ዘይብሉ ሕይወት ቅድስና ክነብሩ ይዕደሙ፣ ንፈተና ወገንነት ኣሸኒፎም ንምእመናን ኣብ ምምሃር ክጽመዱ አለዎም፣ ሰበኻታት “ናይ ጠባይ ደቂ ሰባት ኣብነት ብምዃን ናይ ግሉጽነትን ጽቡቅ ምሕደራ ቁጠባን”(104) ክኾና ኣለወን፣

  • ካህናት ብንጽሕናን ካብ ፍቅሪ ንዋይ ነጻ ብምዃንን ንዝኾነ ወገናውን ዓሌታውን ደረትን ፈተነን አሸኒፎም ፖሎቲካውያን መራሕተን ማኅበራዊ ሠራሕተኛ ናይ ምዃን ፈተና ከይወደቁ አብነታዊ ሕይወት ክመርሑ አለዎም።።
  • ተመሃሮ ዘርአ ክህነት። ብትምህርቲ ንባበ መለኮትን ብመንፈሳውነትን ንክህነት ክሰናደው ዝተጸውዑ ስለዝኾኑ እቲ ዝዅስኰሱሉ አክባቢ ንሥነ ኣእምሮኣውን ሰብኣውን መዕበያ እውን ዝሕግዝ ክኸውን አለዎ፣ ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት መንእሰያት ከአ ክጽመዱ ኣለዎም።
  • ምእመናን። ኣብ ዓለም ብቅድና ክነብሩ ኣለዎም፣ ሥራሖም ቅድሚ ናይ መኽሰብ መጋበሪ ምዃኑ ንገዛእ ርእሶም ዝዅስኵሱሉን ንብጻዮም ዘገልግሉሉን ምዃኑ ብግብሪ ከርእዩ አለዎም፣ ኣብ ዓውዲ ፖሎቲካ ቍጠባ ባህልን ኅብረተሰብን ዝሰርሑ ናይ ቤተ ክርትያን ኅብረተሰብአዊ ትምህርቲ ምፍላጥ መሠረታዊ እዩ፣
  • ድያቆናት ሰብ ውፉይ ሕይወትን መማህራን ትምህርቲ ክርስቶስን። እዚኦም ሰባት እዚኦም ቀጻሊ ኵስኰሳ ክረኽቡ አለዎም፣ በቲ ንእግዚአብሔርን ንአገልግሎት ብጻይን ዘወፈይዎ ሕይወቶም አብነታውያን ክኾኑ አለዎም፣
  • ካቶሊካውያን ኣብያተ ትምህርቲ ዩኒቨርሲታትን ተቅዋማትን። ኣብ ኅብረተሰብ ናይ ሰላምን ውኅደትን ምትእስሳር ክኣልሙ አለዎም። ክንዮ ዝኾነ መዐቀኒ ደቂ ሰባት ንዝኾነት ሓቂ ከናድዩ አለዎም፣ ካቶሊካዊ መንነቶም እናዓቀቡን ምስ ባህሊ ውኅደቱ እናኣማዕበለኡን ኣፍሪቃዊ ትምህርቲ ሥነ መልኮት ንክድንፍዕ እጃሞም ከበርክቱ አለዎም፣
  • ካቶሊካውያን ትካላት ሓለዋ ጥዕና። ቤተ ክርስትያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕሙም ዝሳቀ ሓደ ክፍሊ ኣካል ክርስቶስ ትርኢ፣ ኣንጻር ሕማም ኣብ ትገብሮ ተልእኾኣ ምስቲ ሞራላዊ ትምህርታ ብዝሳነን ሕይወት ብዝከላኸልን ኣገባብ እያ ትጐዓዝ፣ ቀዳማይ ረድኤት ሕክምና ዘበርክቱ ናኣሽቱ ክፍሊ ሕክምናታት ክበዝሑ ኣለዎም፣
  • መራኸቢ ብዙኃን። ንሕዝቢ ኣፍሪቃ ናይ ስብከተ ወንጌልን ናይ ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ህንጸት ዘገልግል ስለዝኾነ ቤተ ክርስትያን ብብዝሕን ብስሩዕን አገባብ ነቲ ሓዲስ ምህዞ ተክነሎጂ እውን እናጠመተት ንመራኸቢ ብዙኃን ክትጥቀመሎም ኣለዋ፣


ብክምዚ ዚበለ ኣገባብ ንኩሉ በብሓደ ምስ ዘርዘረ ሓዋርያዊ ቃለ ምዕዳን ድኅረ ሲኖዶስ ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ኣብ ኣድላይነት ስብከተ ወንጌል ብምትኳር ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ተልእኮ ነሕዛብ ሚስዮ ኣድ ጀንተስ ዝበሎ እዚ ቃለ ምዕዳን እዚ ናይቲ ሓዲስ ሠናይ ብሥራት ብምዃን ናብቶም ገና እዚ ብሥራት እዚ ዘይበጽሖም ከም ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ወይ እውን ነቶም እምነቶም ዘይክተሉ ወላውእውን ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ኣብተን ዝሰልጠናን ብዓለማውነት ዝተሰነፋን ሃገራት ከይተረፈ እንደና ስብከተ ወንጌል ወይ ተሓድሶ ስብከተ ወንጌል ክኸውን ዘለዎም ምንዮት ይገልጹ።።

ከም መደምደምታ ናይዚ ሐዋርያዊ ቃለ ምዕዳን ድኅረ ሲኖዶስ ቅዱስኖቶም ኣብቲ ናይ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣፍሪቃ ዝሃቦ ለበዋታት ብምምላስ ሓደ ሓደ ነጥብታት ከም መርኃ ግብር ኣቅሪቦም፣
ቃለ እግዚአብሔር ንሕውነታዊ ውኅደት ስለዘደንፍዕ ግብረ ተልእኮ ቅዱስ መጽሓፍን ብቃል ኣምልኽ ምጽላይን ምስትንታንን ለክስዮ ዲቪና ይዕበ

  • ቅዱስ ቍርባን ክንዮ ዝኾነ ዶብ ቋንቋ ባህሊ ዓሌት ወገንን ጸቢብ ብሄረኝነትን ሰጊሩ ሓዲስ ሕውነት ስለፈጥር ኣህጉራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ኮንቲነንታል ዩካሪስቲክ ኮንግረስ ይገበር
  • ቅዱሳን ናይ ፍትሒ አብነትን ናይ ሰላም ሓዋርያትን ስለዝኾኑ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስትያን ኣፍሪቃ ቅድስናኦም ክእውጅ ናይ ዝደለይዎም ሓደስቲ ቅዱሳን ኣስማት የቅርቡ
  • ጳጳሳት ነቲ ናይ ምድግጋፍን ኣህጉራዊ ሓድነት ቤተ ክርስትያንን ተቅዋም ዝኾነ ሲሞፖዝዩም ረኪበ ጳጳሳት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ሰካም ይደግፉ
  • ሃገራት ኣፍሪቃ ዓመት ዓመት ኣብ ዘመነ ምጽዓት ወይ ዘመነ ጾም ሓደ ዕለት ወይ ሓደ ሶሙን ናይ ዕርቂ ክገብሩ ይተባብዑ
  • ሲሞፖዝዩም ረኪበ ጳጳሳት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ምስ ቅድስት መንበር ብምልዛብ ንምሉእ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝኸው “ዓመት ዕርቂ” ክውን ንምዃን ከበርክት ይኽእል፣ ዝብል ለበዋታት ሂቦም፣

መደምደምታ። 

እዚ ሓዋርያዊ ቃለ ምዕዳን ድኅረ ሲኖዶስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ኃይለ ቃሉ ኣብ ተስፋ ብምግባር “ነፍሲ ወከፍ ኣፍሪቃዊ ሓዋርያ ዕርቂ ፍትሕን ሰላምን ንክኸውን” ከማኡ እውን ቤተ ክርስትያን ኣፍሪቃ “ሓንቲ ካብተን ናይ ሰብኣውነት ሰናቡእ ንክትከውን” ንጉዕዞ ስብከተ ወንጌል ኣህጉር ኣፍሪቃ ናብ ኣማልድነት ብፅዕት ድንግል ማርያም ብምምዕቋብ ደምደሚሞ።

ብድምጺ ንምክትታል!
19 November 2021, 12:54