ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ሮማ፥ ኣብ መንጐ “ፍቕርን ማሕበራውን”
እቲ ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 26 ሰነ 2022 ዓ.ም. ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተመሪሑ ኣብ ሮማ ዝካየድ ዓስራይ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ ዘማእከለ ጋዜጣዊ መግለጺ ዕለት 30 መስከረም 2021 ዓ.ም. ካብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ከምእተወሃበን በዚ መደብ እዚ መሰረት እውን ኣብታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ብዝብል እርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ዘማእክለ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ክብገስን፥ ናይ ጸሎት መደባትን ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽትታትን ትምህርተ ክርስቶስን ከምዝቐርብን፥ ብጹዕ ካርዲናል ፋረል ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ “ስድራ ቤት ዚመስነወሉ ኣይኰነን፡ የግዳስ እቲ ኣብ ዓለም ዚዝራእ ዘርኢ እዩ፡” ኢሎም።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ስለዚ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ሰበኻታት ዝካየድ “ህብረ-ማእከልነት” ባህርይ ዘለዎ ነቲ ብዛዕባ ሲኖዶሳውነት ኣማእኪሉ ዝካየድ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ መስመር ዝስዕብ ኣባይቲ ስድራ ነቲ ጽባቔ ስድራ ቤት ባዕሎም ክዘንትዉ ዘተባብዕ ኵነት እዩ። ኣብዘን ኣዋርሕ እዚኣተን ድማ ብምኽንያት እቲ ለብዒ ድኽህነትን ስራሕ ኣልቦነትን ዝሳቀያ ኣባይቲ ስድራ ሓድነትን ደገፍን ንምሃብ ኣብ ዝግበር ተበግሶ ናይ ዘተኲር ጭቡጥ ፍቕሪ ክምስከር እዩ። እቲ ኣብ 2021 ዓ.ም. ክካየድ ዝነበሮ ናይታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዋ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዘራስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ዘማእከለ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ኣባይቲ ስድራ ብምኽንያት ኮቪድ - 19 ተሰጋጊሩ ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 26 ሰነ 2022 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ንኽካየድ ዝተወሰነ እዩ።
መሰረታዊ ትርጒም ዓስራይ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ
እዚ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ስድራ ቤት ብሰበኻ ሮማን ናይ ምእመናንን ኣባይቲ ስድራን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ዝውደብ ኰይኑ ኣብ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዓዋዲት መልእኽትን ኣብ ዝኽሪ ሳልሳይ ዓመት ተፈስሑ ወተሓሰዩ ብዝብል እርእስቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝካየድ ከምዝኾነ እዚ ድማ ስድራ ቤታዊ ፍቕሪ ከም ጸዋዕታ መጠን ናይ ቅድስናን ናይ ምርድዳእን መድሓኒኣውነን ትርጒም መዓልታዊ ናብራ ስድራ ቤት ንምቕላሕ ዝኣመተ ከምዝኾነ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ መብርሂ ዝሃቡ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ኣባይቲ ስድራን ህይወትን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ከቪን ፋረል ኣፍሊጦም።
ኣብ መላእ ሰበኻታት ዓለም ዝካየደ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ
ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዕለት 30 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ መብርሂ ዝሃቡ ብጹዕ ካርዲናል ፋረል እቲ ናይ ዓስድራይ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ ፍልይ ዘብሎ ህብረ ማእከልነት ብምዃኑ ኣዘኻኺሮም ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ሰበኻታት ዝርጉሕ ጒባኤ እውን እንተኾነ ወትሩ ዓለም ለኻዊ ጒባኤ እዩ ቢሎም፡ ስለዚ እዚ ሓድሽ ኣገባብ እዚ ከም ድሩት ገርካ ክረአይ የብሉን ኣብ ክንዱኡስ “ንኣባይቲ ስድራ ኵሎም ኣባላት ቤተ ክርስቲያንን ሰበኻታትን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዙርያ ኣቡን ንኽእከቡ ዝገብር ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ፡ ኣባይቲ ስድራ ሰበኻታት ኣብ ዙርያ ኣቡናቶም፡ ስለዚ ድማ እቶም ኪጐዓዙ ዚኽእሉ ጥራይ ዘይኰኑስ ኵሎም እውን ኣብቲ ዓቢይ ፍጻሜ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንኽሳተፉ ዘብቅዕ እዩ” ኢሎም።
ኣገዳስነት ተሳትፎ ኣባይቲ ስድራ
ብጹዕ ካርዲናል ፋረል ኣብ ዝሃብዎ መርብሂ ኣስዕብ ኣቢሎም፡ “ንሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣባይቲ ስድራ ሓድሽ ሓይሊ ንምሃብ” ዝያዳ ኣባይቲ ስድራ ዘዋስእ እዩ” ምስ በሉ “ኣባይቲ ስድራ መደረታትን ኣስተምህሮታትን ወይ ጽዑቕ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝዓርፈሎም ልክዕ ከም ዝምስነው ሓመድ ዘይንጡፋት ኣይኮናን” ኣብ ክንድኡ “ንዓለም ከፍርያ ዚክእል ዘርኢ እዮም! ልኡካነ ወንጌል እያቶም!” እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ድማ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣቡናት ንር.ሊ.ጳ. ጠቢቖም ንኽስዕቡን ነቲ ኣጋጣሚ ማለት ነቲ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ሰበኻታቶም ተበግሶታት ንምትግባር ዘክእሎም መደብ ክሕንጽጹ የተባብዕ”ኢሎም።
ናይ ፍቕሪ ሓሴት - ዓመት ስድራ ቤት
ካርዲናል ፋረንል ዓለም ለኻዊ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ “ነቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዓመት” ክዛዝም እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት “ኣብ ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ኣብዚ ኣዚዩ ኣጸጋሚ እዋን እዚ ብሓባር ናይ ምጒዓዝ ባህጊ ከም ዘሎ ኣስተብሂልናሉ ኢና” ቢሎም ኣባይቲ ስድራ ዘሰንይኦምን ዝድግፍኦምን ከምኡ እውን ‘ከም ቤተ ክርስቲያን ክሰምዐን’ ይደልያ” ኢሎም።