ድለ

ወልባይ፥ ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ምዕብላል ኣብ ምግልጋል ብሓባር ምስ እትጓዓዝ ሲኖዶሳዊት እያ ወልባይ፥ ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ምዕብላል ኣብ ምግልጋል ብሓባር ምስ እትጓዓዝ ሲኖዶሳዊት እያ 

ወልባይ፥ ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ምዕብላል ኣብ ምግልጋል ብሓባር ምስ እትጓዓዝ ሲኖዶሳዊት እያ

ከም እትፈልጥዎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ሲኖዶሳውነት ንኽልተ ዓመት ዝቕጽል ናይ ሲኖዶስ መስርሕ ከተበግስ ቀሪባ ኣላ። ማሕበረሰብ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ናይ ሲኖዶሳውነት ታሪኽ ኣለዎ፡

ሊቀ ጳጳሳት ካንተርበሪ ዕለት 6 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ካብ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ናብ ውህደት ዝኣመተ ናይ ሓባር ዘተ እትሒዞም ክሳዕ ለወጢ ኵነታት ኣየርን ሲኖዶሳውነትን ክሳዕ እቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሓባር ናብ ደቡብ ሱዳን ከካይድዎ ዝሓስብዎ ዘለዉ ሓዋርይዊ መገሻ ዝኣመሰሉ እተፈላለዩ ጒዳያት ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ኣካይዶም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ካንተርበሪ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ጸጋውነቶም ጁስቲ ወልባይ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኮነ ምስ ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ተኸታታሊ ኣኼባታት ናብ ሮማ ኣብ ዝገብርዎ ምብጻሕ ምስ ዜና ቫቲካን ሰፊሕ ቃለ መሕትት ከምዘካየዱን፡ ገለ ካብቲ ዘጒልሕዎ ቅዉም ነገር፥ ኵለን ሃይማኖታት ንኣካባቢያዊ ዕቝባ ንምድንፋዕ ብኸመይ ሓቢረን ኪዓያ ከም ዚኽእላን ኣብዚ መዳይ እዚ ግደ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን የዘኻኽሩ።

ጸጋውነትኵም ካብቲ ነዚ ኣኼባ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ዛዕባ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ኣብ ዘማእከለ ዓውደ ምይይጥ ንኽትሳተፉን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኴይንኵም ድማ ብዝዕባ ምክንኻን ሓባራዊ ቤትና ዝገልጽ ጻውዒት ከቲምኵም ኢኹም። ኣቢያተ ክርስቲያን ነቲ ሓባራዊ ቤትና ንምክንኻን ብኸመይ ብሓባር ከም ዚዓያ ክትሕብሩና ትኽእሉዶ? . . . ብቐዳምነት ንህርኵት ጻዕር ቃል ኪዳን ምግባር እዩ። ሓደ ካብቲ ዕለት 5 ጥቅምቲ ኣብቲ ዘኻየደ ኣኼባ ከምዝበልክዎ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ካብ ማእከል ናብ ወሰናስን ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝብል ስጒምቲ ክንወስድ ይግብኣና። ምእመናን ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ስጒምታ ናይ ምውሳድ ኣጋጣሚ ኣለዎም ንፖልቲከይናታት ምስባኽ ትርጒም የብሉን። ስጒምቲ ክንወስድ ኣሎና። ስጒምቲ ድማ ንዘላቒ ምዕባለ እዩ። . . . ስለዚ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብዚ መዳይ ንፖለቲከይናታት ብምትብባዕን ብምድጋፍን ክዓያን ዓለም ዝኽተሎ ጒዳይ ኣገባባት ክቕይር ከምዘለዎ እውን የመላኽታ። . . .

. . . ፖለቲከይናታትን ኣህጉራውያን መራሕትን እዅል ነገር ብዘይምግባሮም ብዙሕ ነቐፌታ ይወርዶም ኣሎ፡ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያን ማለት ኣብ ካልኦት ሃይማኖታት ዘለዉ ምእመናን ካብቲ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ፖለቲካዊ ዓለም እንርእዮ ህውከት ሓሊፎም ስጒምቲ ኺወዱሉ ዝኽልሉ መገዲ ኣሎዶ? . . . መንግስታት ኣብ መጻኢ ሓምላይ ቍጠባ ምእንቲ ክብ ክብል ሕግታት ንግድን ቐጠባዊ ሕግታትን ኪቕይሩ ኣለዎም። ኢንዳስትሪታት ልምድታተን ኪቕይራን እቲ ንከባቢ ኣየር ዝብክል ጋዝ ናብ ዜሮ ንምብጻሕ ኣብ ዝገበር ኪደት ክስጒማ ኣለወን። ውልቀ ሰባት ተግባራቶም ክቕይሩ ኣለዎም። ሰዓብቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖታት ከኣ ብተግባርን ብቓልን ናይቲ ለውጢ ተዋሳእቲ ክዀኑን ኣብ ናይ ህዝቢ ኣረኣእያ ለውጢ ኽግበር ይጣበቑ። . . .

ከም እትፈልጥዎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ሲኖዶሳውነት ንኽልተ ዓመት ዝቕጽል ናይ ሲኖዶስ መስርሕ ከተበግስ ቀሪባ ኣላ። ማሕበረሰብ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ናይ ሲኖዶሳውነት ታሪኽ ኣለዎ፡ ምናልባት እውን ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እተፈልየ ተመክሮ እዩ ዘለዎ። ኣብ ማሕበረሰብ ኣንግሊካን ሲኖዶሳውነት ብኸመይ ይንበር ከም ዘሎን ናይ ሲኖዶስ መስርሕ ክንጅምር ከሎና ንቤተ ክስቲያን እንታይ ተመክሮ ከም እተቕርቡላ ኣሕጽር ኣቢልኩም ክትሕብሩና ምኸኣልኩምዶ? እወ . . . እዚ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ዘሎ ምዃኑ ዘደንቕ እዩ ዝመስለኒ፡ ብዙሕ ተገዳስነት ድማ ኣሎኒ። እቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረሰብ ኣንግሊካን - ኣህጉራዊ ሽማግለ ኣንግሊካን - ካቶሊክን ኣብ እተገብረ ዝርርብ ብዛዕባ እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ጽሕፉ ይገልጾ። ክልተና ብዛዕባ ሲኖዶሳውነት ንዛረብ እንኳ እንተ ዀንና ቍሩብ እተፈላለየ ትርጒም ከም ዘሎና የመላኽት። ኣብ ኣንግሊካን ሲኖዶሳውነት . . . ንኣብነት ኣብ እንግልጣር ኣቡናትን ኣቕሽሽትን ምእመናንን ዝበሃል ሰለስተ ክፍልታት ኣሎና፡ እዚ ድማ ንዓና ሲኖዶስ ኣብ ሰለስተ ደረጃ ብንጥፈት ይዓዪ። ናይ እዚ ሰለስተ ክፍሊ ድምጺ ዝስመዓሉ እዩ . . . ብዝዕባ እቲ መንፈስ ቅዱስ ንቤተ ክርስትያን ብኸመይ ይመርሓ ከም ዘሎ ኣብ ዝገለጹ ህዝበ እግዚኣብሔር ዝገበርዎ ፍልይ ዝበለ ምርዳእ እተመርኰሰ ይመስለኒ። ቅዱስ በነዲክቶስ ኣብቲ ዝመስረቶ ገዳም ዘንበሮ ስርዓት ገዳም፥ ኣብ ሳልሰይቲ ምዕራፍ ወይ ኣብ ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ዘሎ ይመስለኒ፥ ኣብ ገዳም ዓቢይ ውሳኔ ክግበር ከሎ እቲ ዝነኣሰን ዝተሓተ ኣገዳስን ጥበብ ማለት ጥበበዊ ቅኑዕ መንፈስ ክህልዎ ስለ ዝኽእል ንዅሉ ሰብ ምእካብ ጽቡቕ እዩ ይብል። ሲኖዶስ ልክዕ ከም ዝኾነ ይዅን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ መዋቕር ከተኣኻኽብ ይኽእል እዩ ስለዚ “ሲኖዶስ” ኣዚዩ ኣድላዪ ይመስለኒ syn – hodos - ኣብ ሓደ መገዲ ምጒዓዝ ማለት እዩ። . . .

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዅሉ ድምጺ ምስማዕ ከምዘድሊ ይዛረቡ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ዝሰፍሐ ክርስቲያናዊ ሕብረት ኣረ ካብ ክርስትና ወጻኢ ዘሎ ድምጺ እውን ኣሎ። ብናትኵም ኣርኣእያ ክትርእይዎ ከለዅም ማሕበረሰብ ኣንግሊካን ኣብ ሲኖዶሳውነት ካልቶሊክ ብኸመይ ኣበርክቶ ኺግብር ከም ዝኽእል ሓስብኵምዶ ትፈልጡ? . . . ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚቱ ኣብ ዝካይድ ዘተ ካብ እተራእየ ኣዚዩ መሳጢ ምዕባለታት፡ ትምህርቲ ዘይምሃብ ከምኡ እውን “እዚ ኣሎና ሕጂ ክንምህረካ ኢና” ዘይምባል ዘይኮነስ “ካባኻትኵም ክንመሃር ኣሎና” ምባል ምዃኑ እየ ዝኣምን። ስለዚ ክልቴና ንሓድሕድና ከምኡ ክንገብር ዘሎና ይመስለኒ። ካብቲ ካቶሊኣክዊት ቤተ ክርስቲያን ዘዳለወቶ ዓሚቝ ጥበብ ብዙሕ ክንመሃርን ኣበርክቶ ክህልዎ ተስፋ ንገብር፡ ብጸጋ ኣምላኽ ንጽበን ነማዕድዎን . . .  

ንስዅምን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ብሓባር ናብ ደቡብ ሱዳን ምብጻሕ ከተካይዱ ድላይ ከምዘለኵም ገሊጽኩም ኢኹም። ነቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ መስርሕ ሰላም ብኸመይ ትርእይዎ? ንስዅምን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ብሓባር ኣብታ ሃገር ምብጻሕ ከተካይዱ ተስፋ ዘሎዶ ይመስለኩም? እወ . . . ዕቤት ክትገብር እንከሎኻ ወትሩ ኢኻ እትግረም እቲ ዕቤት ከም ዝገበርካዮን ዝሓሰብካዮ እኳ እንተ ዘይበጻሕካዮ ናብኡ ገጽካ ተብል ምህልውካ ድማ ከገርመካ እዩ። ደቡብ ሱዳን እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ስለዚ እቲ ጒዕዞ ብሓቂ ኣገዳሲ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ። እዚ ኸኣ እቶም ጓሶት ንመጓሰ ዘለዎም ፍቕሪ ንምርኣይ እዩ። ነተን ኣባጊዕ ኪሰምዐን ምስተን ዝቘሰላ እውን ንምዃን። ባህ ብዜብል ቃላት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ነተን ኣብጊዕና ከነሽትትን ከምኣተን ንምሽታት እዩ - ጨና ናተን ክህልወና ኣለዎ፣ ንምግልጋለን” ስለዚ እቲ ጉዕዞ ኣዚዩ ኣገዳሲ ከምዝዀነ እዩ ዝስምዓኒ ይብሉ።

ብዛዕባ እተፈላለየ ጒዳያት ኣብ ዘካየድናዮ ምይይጥ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ምስማዕ ተዘራሪብና። ምናልባት እቲ ናብዚ ዝመጻእኩምሉ ወይ ብዛዕባ መጻኢ ኣብ ዘካየድናዮ ቃለ መሕትት ዘይተንከፍናዩ ጉዳይ እንተሎ? ናብ መጻኢ ብምጥማት ኣብ መላእ ዓለም ዜጨንቕ እዋን ኣሕሊፍና ኢና ክብል እንደሊ። ኮቪድ ውግእ . . . እዚ ዜስካሕክሕ ፍጻሜታት እዚ ዜምጽኦ ሳዕቤን ንሓያል ዓመታት ከይሰምዖ እፈርህ። እንተዀነ ግን ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ንዝተስንኦ ኣምላኽ ኢና እነገልግል። ስለዚ ንርእሰይን ንዅሎምን እቶም ዚሰምዑን፥ ኣትፍርሁ ክብል እፈቱ። ኣምላኽ ካብዝ ዝዀነ ይዅን ኣባዛ ዓለም እዚኣ ካብ ዘሎ ጸገማት ዓቢይ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

10 Oct 2021, 14:16