ቱርክሶን፥ እቲ ለብዒ ንስቓይ እቶም ስንኵልና ኣእምሮ ዠለዎም ሰባት የግድዶ ኣሎ!
ህየንተ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ነቶም ኣእምሮኣዊ ስንክልና ዘለዎም ንምሕጋዝ ሓድሽ ስርዓት ክሕንጸጽ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ለብዒ ኮቪድ - 19 ነቶም ድሮ ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ዘለዎም ሰባት ስቓይ መሊሱ እዩ ዘጋድዶ ዘሎ፡ ነዚ ተነቃፊ ነገራት እዚ ንምስጋር ከኣ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሰብኣውን ጐስጓስ የድሊ እንክብሉ፡ እቶም ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን፥ ጥዕና ኣብ ዘይማምዕሩይ ዓለም” ብዝብል መርሕ ቓል ዕለት 10 ጥቅምቲ ተዘኪሩ ዝወዓለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ “ኣእምሮኣዊ ጥዕና” ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ምሕጽንታ የቕርቡ።
ዕሽሽ ዝበሃል ዘሎ ሕማም “ኣእምሮኣዊ ጭንቀት”
ኣብዚ ዓመት እዚ እተገብረ ፍጻመ “መዓልቲ ኣእምሮኣዊ ጥዕና” ነቲ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ዘለዎም ሰባት ኣብ ዝግበር ሕክምናን ደገፍን ዘሎ ፍልልይ ዘተኵር እዩ። “ኣብተን ትሑታት ማእከላይ እታዊ ዘለወን ሃገራት ካብ 75 ክሳብ 95 ሚእታዊ ናይቶም ኣእምሮኣዊ ስንክልና - ምዝንባል ዘለዎም ሰባት ኣገልግሎት ክንክን ኣእምሮኣዊ ጥዕና ከምዘይረኽቡን፡ እብተን ልዑል ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ከኣ ካብዚ ዝሓይሽ ኣይኮነን፡ ሕማም ስንክልና ኣእምሮ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ዕሽሽ ካብ ዝበሃሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘሳቕዩ ሕማማት ካብ ምዃን ሓሉፉ መብዛሕቲኡ ግዜ ሓደ ዓይነት ኣርኣእያ ዘለዎ ብዛዕባ እቲ ኣዚዩ ፍሉይ ጸገማትን ሕማቕ ሓበሬታን ብዙሕ ፍልጠት ዘይብሉ እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ እቶም ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ዘለዎም ሰባት ብዙሕ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፍጸምን ዳርጋ ፍርቂ ካብዚ ሕማም እዚ ኣእምሮኣዊ ምዝብልና ቅድሚ 14 ዓመት ዕድመ ስለ ዚጅምር ርእሰ ቕትለት ቀንዲ ጠንቂ ሞት እቶም ካብ 15 ክሳብ 29 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት እዩ።
ጽምዋን ሕራጐትን
ብጹዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ቅድሚ ለብዒ ኮቪድ 19 ምክሳቱ ኣብ ዓለም ዳርጋ ሓደ ቢሊዮን ሰባት ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ከምዝነበሮም ዘኪሮም - “ናይ ጥዕና ሃንደበታዊ ኵነታት ምስ ኣጋጠም እቲ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ህጹጽ ኵነታት እተገብረ ማሕበራዊ ቀይድታት ኣልኮላዊ መስተን ካልእ ናይ ስነ ኣእምሮኣዊ ኣፋውስ ምጥቃልምን ዝተፈላለዩ ዓይነት ወልፍታት ክህሉን ብማሕበራዊ መረብት ዝግበር ግብረ ምጥላዕን ከምዘጋደዶን ልክዕ ከምቲ ኾሮና ተህዋስ ንምቅላስ እተወስደ ስጒምትታት ነቶም ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ዘለዎም ሰባት ንኸቢድ ጽምዋ ከምዝዳረጐም ብዘፊሕ የብርሁ።
ተነቀፍቲ ናብ ምክንኻን እንምለሰሉ ግዜ እዩ
ከም ሓቂ እንተ ኰይኑ እቲ ለብዒ “ማሕበራውን ጥዕናን ቍጠባውን ስርዓታት ብቑዕ ዘይምዃኑ ሱር ዝሰደደ ብዙሕ ስፍሓት ዘለዎ ቅልውላው ከም ዘስፋሕፍሕ ዝገብር ረቛሒ ከምዝኾነ ተስተውዒሉ እዩ። እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ሓድሽ ድኽነትን ሕራጐትን ዜምጽእ ስርዓታት ጒድለት ምዕሩይ ምብጻሕ ጸጋታትን ምጒዳል ፍትሕን ዘይማዕርነት ከም ዚህሉ ዚገብር እዩ። እዚ ኸኣ ብሚሊዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ይጐድእ ኣሎ። “እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ስእነት ስራሕ ሓድሽ ዓይነት ድኽነት የስዕብ እዩ። እዚ ኸኣ ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ይጸልወን ኣሎ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ሓድሽ ኣገባብ ምዕባለ የድሊ!
ካርዲናል ቱርክሶን ነቲ “ንሰብኣዊ ኽብረት ማእከል ዝገብር ባህላዊ ኣርኣያ ንምቕባል ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ኣገባብ ምዕባለ ብምሕዳግ” ሓድሽ ስርዓት ክንቅበል ጻውዒት የቕርቡ። ግዚኡ “ነቲ ናይ ኣእምሮ ጭንቀት ዘለዎም ሰባት ዘሕልፍዎ ንጽገትን ኣድልዎን” ንምስናፍ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ንነፍሲ ወከፍ ቈልዓን ኣረጋውያንን ንምክንኻን ዝዕድም እዋን እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ብዙሓት ሳምራውያን ኣብ ጐድኒ እቶም ዝሳቐዩ
ኣብ መወዳእታ ካርዲናል ቱርክሶን ሓሳቦም ናብቶም ኣብ ኵሉ ጽፍሕታት ዝርከቡ “ህቡኣን ሳምራውያን - ርኣዩለይ ስምዑለይ ዘይብሉ” ክኢላታት ወለንተይናታት “ነቶም ብኣእምሮኣዊ ስንክልና ዝተጠቕዑ ዝከናኸኑ ከምኡ እውን መብዛሕቲኡ ግዜ ነዚ ሕማም እዚ ንምሕካም እዅል ህንጻታትን እኹል ዘድሊ ቐጠባዊ ሃብቲ ስለ ዘይብሎም ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ዝዓዩ” እንክብሉ ዘጓንፎም ጸገማት ዘኪሮም ነተን ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ሕማም ስነ ፍልጠታዊ ምርምር ኣብ ዝካየድ ተግባር ዝሳተፈ ትካላት ብምድጋፍን ማሐብራዊ ምትእኽኻብ ከም ዝሰፋሕፍሕ ንምግባር እውን ነቲ “ንኣእምሮኣዊ ጥዕና ንምሕላው ህሙማን ንምክንኻን ዘሎ ኣገባብ ጥዕና” ከነደልድሎ ተስፋ እገብር” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።