ድለ

ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣባ ኮዳ፥ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝለዓለ ኣገዳሲ ፍጻመ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣባ ኮዳ፥ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝለዓለ ኣገዳሲ ፍጻመ 

ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣባ ኮዳ፥ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝለዓለ ኣገዳሲ ፍጻመ

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣትሒዙ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስን ስልታውን ፍጻመ እዩ ቢለ ክገልጽ ውዕዉዕ ምዃን ማለት ኣይኰነን። ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ነታ ቤተ ክርስቲያን ከም ብሓድሽ ከም እንረኽባ ገይሩና እዩ እዚ ድማ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓድነትን ተልእኾኣን ዝምልከት እዩ። ሎሚ ሓድሽ ጒልበትን ተመክሮን ዝረኸብናሉ ጒዕዞ ድሕሪ ምግባርና ተወሳኺ ስጒምቲ ንኽንወስድ ድሉዋት ኢና

“ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ንመጀመርታ ግዜ “ሕዝበ ኣምላኽ ዝጽምብር ፍጻመ” ነዚ ዝበሉ ናይቲ ካብ 2021 – 2023 ዓ.ም. ዝቕጽል ሲኖዶስ ጒዳይ ቲዮሎጊያ ዝከታተል ሽማግለ ኣባል የኔታ ኣባ ፒየሮ ኮዳ ምስ ዜና ቫቲካን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 ጥቅምቲ ኣብ መኽፈቲ እቲ ሲኖዶስ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ኣተንትኖን ከምኡ እውን ዕለት 10 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብ ዘዕረግዎ ናይ ሲኖዶስ ናይ መእኽፈቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከትን ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀዳም ዕለት 9 ጥቅምቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ሲኖዶስ ሓድሽ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ እቲ ካብ 2021 – 2023 ዓ.ም. ዝቕጽል “ንሓንቲ ሲኖዶሳዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ውህደትን ተሳትፎን ተልእኾን” ብዝብል እርእስቲ ተመሪሑ ዝካየድ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ብወግዒ እንከበግሱ ኣብ ዘስምዕዎ ናይ መኽፈቲ ቃለ ኣስተንትኖ፥ “ሲኖዶስ ህዝባዊ ባይቶ ወይ ውን ርእይቶ ዝምርምር ዋዕላ” ኣይኰነን” ዝብል ዘስመሩሉ ሓሳብ ንጽብሒቱ ዕለት 10 ጥቅምቲ ነቲ ሲኖዶስ ብወግዒ ንኸበግሱ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዛዕባ ሲኖዶሳውነት ኣማእኪሎም ኣብብ ዘስምዕዎ ስብከት ደጊሞም ኣቃሊሖም ኣስዒቦም እውን እዚ ጒባኤ እዚ ናይ ጸጋ ፍጻመ ማለት “ብመንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ ናይ ምሕዋይ መስርሕ” እምበር “ዞባዊ ኣኼባ፥ ናይ መጽናዕቲ ዋዕላ” ወይ “ፖለቲካዊ ጒባኤ” ክኸውን ከምዘይብሉ ብኣጽንዖት ከምዘተሓሳሰቡ ዝዝከር እዩ።

ኣባል ናይቲ ካብ 2021 – 2023 ዓ.ም. ናይ ዝካየድ ሲኖዶስ ቲዮሎጊያዊ ጒዳይ ናይ ዝከታተል ሽማግለ ኣባልን ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮሎጊያ ሽማግለ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ የኔታ ኣባ ፒየሮ ኮዳ፥ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ቃል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሲኖዶሳውነትን ተሳትፎን ዘተኮረ ምንባሩ ሓቢሮም፡ እዚ ኣብ ቫቲካን ብወግዒ ዝተበገሰ ሲኖዶስ “ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እቲ ልዑል ኣገዳሲ ዝኾነ ፍጻመ” እዩ። ኣብ ውሽጢ ክልተ ሺሕ ዓመት ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ንመጀመርታ ግዜ ንብምሉኦም ህዝበ እግዚኣብሔር ከሳትፍ ዝተጸወ እዩ” እንክብሉ የብርሁ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ መንጎ ሲኖዶስን ሕዝባዊ ባይቶን ዘሎ ፍልልይ ክሳዕ ክንድዚ ኣትሪሮም ዝገለጹ ስለምታይ እዩ? ግጒይ ምርዳእ ክህሉ ስለ ዝኽእል። ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ምክያድ ክበሃል ከሎ ነቲ ናይ ኣብላጽን ውሁዳንን ሰልፍታትን ዝነጻጸሩሉ ደሞክራሲያዊ መስርሕ ማለት ዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ክህሉ ስለ ዝክእል። ቤተ ክርስቲያን ናይ መንፈስ ቅዱስ ፍጻመ እያ። ስለዚ ናይ ሓቂ ቀንዲ ተዋሳኢ ሲኖዶስ ልክዕ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራችነስኮ ዝበለዎ “በበይ ዝዓይነቱ ፍልልይ ዘሰማማዕን ዘተዓርቕን ናብቲ ክርስቶስ ዝኾነ ሓድነት ዝመርሕ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ስለዚ ሲኖዶሳውነት ክበሃል ኣንከሎ ነቲ ቤተ ክርስቲያን እተመላኽቶ ነገር ኣብ ግብሪ ምውዓል ማለት እዩ። ኣብ ጒዕዞ ህዝበ እግዚኣብሔር ንዓለም ምግልጋል፥ ውሁድ ግና በበይኑ ዝዓነቱ ቃና እዩ።

በዚ ምኽንያት እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንፈስ ቅዱስ ምስማዕ ኣድላዪ ምዃኑ ንምግላጽ ኣድላዪነት ጸሎት ብትረት የዘኻኽሩ? ር.ሊ.ጳ. ነቲ ናይ ሲኖዶስ መስርሕ ንኸበግሱ ኮነ ኣብቲ ንመኽፈቲ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት “ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቍርባን” ዘለዎ ኣገዳስነት የተሓሳስቡ። እዚ እዩ እቲ ዘደነቐኒ - ፍራንቸስኮ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ህይወት፡ ብቐዳምነት ንመንፈስ ቅዱስ ንምስማዕ ልብን ኣእምሮን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ ብቐሊሉ ኽንርድኦ ዘይከኣል ምስጢር ፍቕሪ ኣቦ ዝኸፍተልና ወጅሂ ክርስቶስ ምርሃው ኣገዳሲ ምዃኑ ከዘኻኽሩና ከምዝደለዩ እየ ዝኣምን። እዚ ኸኣ “ኣምልኾ” ማለት እዩ። ኣብ ፍቕሪ ኣቦ ኵሉ ከማዕቝበልና ንሱ ቀዲሙ ከም ዘፍቅረና በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ንኻልኦት ክንሰምዖምን ፍቕሩ ንኸነብጽሕን ከም እተጸዋዕና ምፍላጥ ማለት እዩ፡ እዚ ናይ ኤቅለስያውነት ሱር እዩ፥ እዚ መስርሕ ሲኖዶስ እውን እዩ።

ስለምታይ ይመስለኵም ብዛዕባ ሲኖዶሳውነት ቤተ ክርስቲያን ዝመክር ሲኖዶስ ዘድለየ? እዚ ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣትሒዙ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስን ስልታውን ፍጻመ እዩ ቢለ ክገልጽ ውዕዉዕ ምዃን ማለት ኣይኰነን። ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ነታ ቤተ ክርስቲያን ከም ብሓድሽ ከም እንረኽባ ገይሩና እዩ እዚ ድማ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓድነትን ተልእኾኣን ዝምልከት እዩ። ሎሚ ሓድሽ ጒልበትን ተመክሮን ዝረኸብናሉ ጒዕዞ ድሕሪ ምግባርና ተወሳኺ ስጒምቲ ንኽንወስድ ድሉዋት ኢና። ኣብ ኵሉ እቲ ቤተ ክርስቲያን እትገልጾ ሓደ-ነትን ተልእኾን ኣብቲ ብጸጋ ጥምቐት ዝኣተናዮ ምስጢረ ክርስቶስ ንምስታፍና ህይወት ንምሃብ እዩ። ስለዚ ብዛዕባ ሲኖዶሳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ምክያድ ክበሃል ከሎ ኣብ ካልኦት ፍረ ነገር ከም እተካይዶ ጒባኤ ማለት ዘይኮነን የግዳስ ቤተ ክርስቲያን ከም ኣሃቲን ተልእኾኣን ጭቡጥን ታሪኻውን ዝኸውን ናይ ኵሉ ተሳትፎ ምስ ዝህልው እዩ። ስለዚ ቤተ ክርስቲያን ከምዚኣ ዝኣመሰለት ክትከውን እትኽእል ኵላቶም ምስ እትጾሮምን ኣብ ልባ ምስ ዝካፈሉን ጥራይ እያ ብፍላይ ኣብ ኣገልግሎት ነሕዋትን ነቶም ዝተናዕቁን ዝተሓረጉን ኣብ ናይ ህልውናን መፍነሳውነትን ከተማታትናን ወሳናስን ዝርከቡ፥ እዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን እቲ ዓሚቝ መንነታ እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ንሲኖዶስ ንኸበግሱ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ብዛዕና ተሳትፎ ክዛረቡ እነከውለዉ እዚ “ናይ እምነት ደኣ እምበር ናይ ኣገባብ ብቕዓት ማለት ኣይኰነ” ይብሉ፡ እዚ መብርሂ እዚ እተወሃበ ስለምንታይ ትብሉ? “ብናተይ ኣረኣእያ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተሳትፎ ኣማራጺ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ኰጒልሕዎ ዝደለይዎ ኵላትና አእጃምና ከነበርክት ከም እንኽእል ንምሕባር እዩ። ብፖለቲካዊ መዳይ ቅኑዓት” ምዃንና ንምርኣይ ጒዳይ ኵሕለ ምሕሊ ኣይኮነን፣ ኣብ ክንዱኡስ ብዛዕባ ዓሚቝ መንነት እዩ ዝዛረብ። ከም ሓቒ እኳ ደኣስ ኣብት ሓደ ምስጢረ ክርስቶስ ንካልፈ ኢና፡ ምስቲ ኣቦ ብመንፈስ ቅዱስ ዚህበና መወዳእታ ዘይብሉ ውህበት ፍቕሪ ከኣ ምስ ክርስቶስ ተሓባበርቲ ኢና። ስለዚ ነዚ ኣብ ህይወት ጸጋ እንምነትን ፍቕርን ተስፋ ክርስቶስ ዘሎና ተሳትፎ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ ወይ ክሳዕ መወዳእታ ብጸጋ ጥምቀትና እንታይ ክንከው ከም ዘሎና ኣይንፈልጥን ኢና። እዙ ኸኣ ብዛዕባ መንነት ደኣ እምበር ብዛዕባ ዅሕለ ምሕሊ ኣይኮነን፥ ተሳትፎን ሱታፌን ኣብ ሓቅን እምንት ተስፋን ጭቡጥ ዝብል እዩ። ናይ ሓሶት ኣይኮነን።

እሞኸ ሲኖዶስ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ምዕባለ ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ኣተኻፈሉ ኵሎም ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበሉ ከም ዘይኮኑ የስተብህል ድዩ? ታሪኻዊ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ እቲ ዅነታት ሓቂ እዩ። ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ንነዊሕ ዘመናት ማለት ኣብ ካልኣይ መዋእል ካብ ጎርጎሮስያዊ ሕዳሴ ኣትሒዙ ክሳዕ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ታሪኻዊ ዕቤት ብስለት ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን እውን ከይተረፈ ኣብታ ኣጸጋሚት ዓለም ብንዱ ማእከልነት ስልጣን ናይ ምርኣይ ክእለት ሰፈነ። እዚ ኸኣ ኵሉ እቲ ኣብ ህዝበ ኣምላኽ ዘሎ መንፈስ ኣኽቢርካ ንኸይርአ ብዙሕ ግዜ ዓጊትዎ እዩ። ዓበይቲ ቅዱሳንን ዓበይቲ ናይ መንፈሳዊ ሕዳሴ ምንቅስቓሳት እኳ እንተ ነበሩ እዚ መግለጽታት እዚ ግን ንዅሎም ኣባላት ህዝበ ክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ ዘይትንክፍ እዩ ነይሩ። ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካብ ብዛዕባ ቅድስና ዚገልጽ ኣድማሳዊ ጸዋዕታ ክዛረብ እንከሎ ኵላትና ማዕረ ህዝበ ኣምላክ ክብሪ ኣሎና፡ ስለዚ ከምቲ ኢየሱስ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝብሎ ታሪኻዊ ህሞት kairos - ቅኑዕን ምሽእን እዋን ማለት ህሞት ኣምላኽ ብልክዕ እዚ እዩ። ንተግባርን ንኽተሎም ሰባት ንምድሓን ኣብ ዓለም ዘላ ቤተ ክርስቲያን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከም በዓል - ቤት ሓላፍነት ከም ዝስምዖ ንዝገብር መንፈስ ቅድስ ክፉታት ክንከውን ክንጽዕር ኣሎና።

ብዘይካ እዚ ንህዝበ እግዚኣብሔር ምስማዕ ቅርጻዊ - መዋቕራዊ ክኸውን ወይ ክህልዎ ብዝገብር መስርሕ እተገብረ ናይ መጀመሪያ ሲኖዶስ እዚ ድዩ . . . ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብልክዕ ነቲ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ዝደለይዎ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ መዋቕር ንምሕዳስ ዘውጽእዎ ሰነድ ዝገለጽዎ እዚ ሲኖዶስ እዚ ብርግጽ ንሰለተ ዓበይቲ ደረጃታት ዝኸውን ሓድሽ መልክዕ እዩ ዘማዕበል ዘሎ። ኣብ ህይወት እተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን (ዞባውያን ኣቢያተ ክርስትያን) ዝምልከት ተሳትፎ ብምሉኦም ሕዝቢ ኣምላኽ ክዋሳእ ዝብል እዩ። ድሕሪ እዚ እቲ ኣብቲ ዝካየድ ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳት ንህዝቢ ኣምላኽ ብምስማዕ ዝቐረበ ሓሳባት ግብእ እንግዶት ረኺቡ ብጳጳሳት ይቐርብ። ደሓር ናብተን ኣብቲ ኸባቢ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ተመሊሱ ይቐርብ። ነዚ ርኢኻ እቲ ብርቱዕ ጒዕዞ ሓደሽ ነገር ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሺሕ ዓመት ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመ ንብምሉእ ህዝበ እግዚኣብሔር ንክተሓባበር ክጽዋዕ ንመጀመርታ ግዜ ምዃዩ ኣይንረስዕ። ስለዚ ዋላ ሃደ ሰብ ብመስኮት ምእንቲ ከይጥምትን ዝባኸነ ኣጋጣሚ ከይኸውን ንኣማልኽ ከነመስግኖ ከቢድ ሓላፍነት ክንስከም ዘሎና ይመስለኒ።

15 October 2021, 09:00