ድለ

Papa Giovanni Paolo I, Papa Luciani Papa Giovanni Paolo I, Papa Luciani 

ር.ሊ.ጳ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማይ ብፁዕ ኪበሃሉ እዮም!

ንጒዳይ ቅዱሳን እትከታተል ማሕበር ቅድስት መንበር ከይዲ ኣዋጅ ብፅዕና ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማይ ንምምርማርን ነቲ ጉዳይ ምኽንያት ዝኾነ ብኣማላድነት ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማይ ተፈጺሙ ንዝበሃል ተኣምራታዊ ምሕዋይን ንምጽራይ ካብ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ፍቃድ ከምዝተዋህበ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ሓላፊ ጉዳይ ቅዱሳን እትከታተል ማሕበር ብፁዕ ካርዲናል ማርቸሎ ሰመራሮ ምስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብምርኻብ ብኣማልድነት ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማይ ዝተፈጸመ ተኣምራት ኣቅሪቦም ንኣዋጅ ብፅዕናኡ ክሳልጡ ፍቃድ ሓቲቶምስ ከምዝተፈቅደሎም ተመልኪቱ። እቲ ተኣምራት ከኣ ዝሓለፈ 23 ሓምለ 2011 ኣብ ብወነስ ኣየረስ ኣርጀንቲና ዝተፈጸመ ኰይኑ ናይ ሓንቲ ዓሠርተ ሓደ ዓመት ዘለዋ ቆልዓ ካብ ከቢድ ሕማም ብሕክምና ኪሓዊ ተስፋ ዘይነበሮ ኣክዩት ኤንሰፋልይ ኢንፍላመይሽን ዝበሃል ኣብ ርእሲ ዘጋጥም ሓደገኛ ሕበጥ ኰይኑ ኣብ ምውዳቅን ምንፍርፋርን ዘብጽሕ ሓደገኛን ናብ ካንሰር ገጹ ዝምዕብልን ሕማም ሒዝዋ ንምፍዋሳ ላዕልን ታሕትን ተባሂሉ ተቀቢጹ ኣብ ርእሲ እቲ ምውዳቅን ምድንዛዝን ናይ ሰናቡእ ጸገምን ሕጽረት ምስትንፋስን እውን ስለዝተወሰኾ ኩሎም ተስፋ ቈሪጾም ሞታ ኣብ ዝጽበየሉ እዋን ኣብ ከባቢ እቲ ተዓቊባትሉ ዝነበረት ሆስፒታል ቆምስ ዝነበሩን ኣብቲ ሆስፒታል መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዘወፍዩ ዝነበሩን ካህን ኩነታቱ ርእዮም እንትርፊ ጸሎትን ተኣምር ምጽባይን ካልእ ዝግበር ስለዘይትራእዮም ናብ መገልገሊ ኣምላኽ ዮሓንስ ጳውስሎስ ቀዳማይ ጸሎት ከዕርጉ ጀሚሮም። ብድሕሪዚ ጸሎት እዚ ምምያሽ ክረኤ ብኡ ኣቢሉ ከኣ እዩ እቲ ተኣምር ተኸሲቱ።

ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማይ መን ነበሩ!

ቅድሚ ነታ ን33 መዓልታት ጥራይ ር.ሊ.ጳ ኰይኖም ዝተሾሙሉ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማይ ዝብል ስም ምምራጾም ኣልቢኖ ልቻኒ ዝብል ስም ዝነበሮም ብዕለት 17 ጥቅምቲ 1912 ዓም ኣብ ፎርኖ ዲ ካናለ ሎሚ ካናለ ዳጎርዶ ዝበሃል ዞባ በሉኖ ናይ ሃገረ ጣልያን ተወልዱ ብዕለት 28 መስከረም 1978 ዓም ከኣ ኣብ ከተማ ቫቲካን ኣዕረፉ። ዘመነ ሥልጣኖም ኣብ ታሪኽ ኣርእስቲ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሓጸረ ኰይኑ 33 መዓልታት ጥራይ ነበረ። ወላዲኦም ንንውሕ ዝበለ ዓመታት ከም ስደተኛ ኣብ ሃገረ እስዊዘርላንድ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኰይኖም ወዶም ንገዳም ዘርኣ ክህነት ኪኣቱ ምስ ሓተቶም ኣብ ዝጸሓፉሉ መዘክር ‘ካህን ምስ ኰንካ ወገን ድኻታት ክትከውን ተስፋ እገብር ከመይ ክርስቶ ወገን ድኻታት እዩ ነሩ’ ኢሎሞ ከምዝነበሩን ር.ሊ.ጳ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማይ ክሳብ መወዳእታ ከምዝተኸተለንን ይንገር።

ፍቃድ ኣቦኦም ረኺቦም ናብ ዘርአ ክህነት ምስ ኣተወ ብ1935 ዓም ክህነት ተቀበሉ ብ1958 ከኣ ናይ ቨነቶ ጳጳስ ተሾሙ። እቶም ጳጳስ ዝሾሙዎም በዓል ሠናይ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንኪካየድ ስለዝኣወጁ እቲ ጉባኤ ተጀሚሩ ክሳብ ዝፍጸም ብምልኣት ተሳተፍዎ። ንኩሉ እቲ ሰነዳት ቫቲካን ካልኣይ ዝእዝዞ ዝነበረ ከኣ ቃል ብቃሉ ኣብ ግብሪ ኣውዓልዎ። ካብቲ ብፍላይ ዘዘውትርዎ ዝነበሩ ግብረ ተልእኮ ኣብ መንበረ ኑዛዜ ዘሕልፍዎ ዝነበሩ ነዊሕ ሰዓታት ይዝከር ከምኡ እውን ካብ መጓሲኡ ፈጺሙ ዘይርሕቅ ትጉህ ጓሶ ከምዝነበሩ ይምልከት። ብ1969 ዓም ከኣ ፓትርያርክ ናይ ቨነዝያ ተሾሙ ቀጺሉ እውን ብ1973 ዓም ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ካርዲናል ገበርዎም።

ድሕሪ ሞት ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብዕለት 26 ነሐሰ 1978 ዓም ኣብ ዝሓጸረ ግዜን ኣብ ናይ ሓደ መዓልቲ መረጻን ር.ሊ.ጳ ኰይኖም ተመርጹ። ስም ር.ሊ.ጵጵስና ኣብ ዝመረጹሉ ግዜ ነቶም ክልተ ኣዕኑድ ካልኣይ  ጉባኤ ቫቲካን ንምዝካርን ትምህርቶም ንምቅጻልን ነቶም ጀማሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ከምኡ እውን ነቲ ጉባኤ ብዓቢ ቃልስን ውሕልነትን ጥበብ መንፈስ ቅዱስን ኣብ ፍጻሜ ዘብጽሑ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብሓንሳብ ንምጥማር ዮሓንስ ጳውሎስ ዝብል ድርብ ስም መሪጾም። ቅድሚ እቶም ድሕሪኦም ዝሰዓቡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ዮሓንስ ጳውሎስ ጥራይ ተባሂሎም ዝስመዩ ዝነበሩ ካልኣይ ምስ ተረኽበ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማይ ተባሂሎም ተሰምዩ። ብሃንደበት ዕለት 28 መስከረም 1978 ዓም 33 መዓልታት ጥራይ ጸኒሖም ዕረፍቲ ጻድቃን ኣዕረፉ ኣብ ገዛኦም ኣብ ድቃሶም ሞይቶም ተረኽቡ። ልቢ ብዙሓት ብገርህነቶምን ዘርኣይዎ መንፈሳዊ ጒዕዞ ጒስነቶም ዝተተንከፉ ስለ እቲ ትሕትናኦምን ወንጌላዊ ሓሴቶምን እንከድንቅዎም ብዛዕባ ኣማውታኦም ዝተጠጀኤ ብዙሕ ወረታትን ጽሑፋትን እውን ተገሩ። ጉዳይ ብፅዕናኦም ካብ ዝጅምር ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ኣማላድነቶም ደልዮም ዝጽልዩ ዓለማውያንን ውሉደክህነትን ብዙሓት ምዃኑ እንክምልከት ካብቲ ብዙሕ ተኣምራታትን ምስክርነታትን ምሕዋይ ናይታ ጓል 11 ዓመት ኣብ ቦነስ ኣየረስ ንምእዋጅ ብፅዕናኦም ተመሪጻ ጸዲቃ ኣላ።  

ብድምጺ ንምክትታል!
14 October 2021, 14:32