ኣብ ቫቲካን ናብ ዝካየድ ጉባኤ ዛዕባ ትምህርታዊ ውዕሊ፥ ንሓነጽቲ ዝኸው ደገፍ
ነቲ ዕለት 5 ጥቅምቲ “ሃይምኖታትን ትምህርትን - ናይ ዓለም ለኻዊ ትምህርታዊ ውዕሊ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኽካየድ ዝተጸውዐ ዓውደ ጒባኤ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ንኣገዳስነት ዓለም ለኻዊ ትምህርታዊ ውዕል ዝመርሕ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ሰለስተ ሰነዳት ከምዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ቀንደይና ተዋሰእቲ ናይ ዘተን ስኒት ናይ ዘለዎ ስልጣነን፡” እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብዛዕባ ዓለም ለኻዊ ናይ ትምህርቲ ውዕል፥ ሓድነትን ሰላምን ፍትሕን ምእንቲ ኽፈጥር ነቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ዘለዎም መንእሰያት ወለዶታት ምቕራብ ዝብል ክኸውን እንከሎ ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ተበግሶ ምስ ይሴባሕን ከምኡ እውን ምስ ኵላትና ኣሕዋት ዓዋዲ መልእኽትታት ዝተተሓሕዘ ክኸውን ዕለት 15 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣመሓላሊፎምዎ ኣብ ዝነበረ ናይ ምስማዐ ርእየት ክሱት መልእኽቲ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘዘኻኽር ዓውደ ኣኼባ ከምዝኸውን ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ክፉትን ሓቛፍን ትምህርቲ
ካብ ካቶሊካዊት ትምህርቲ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ኣብ እተዋህበ መግለጺ፥ ዕለት 19 መስከረም 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኣወጅዎ እሞ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ናብ ዕለት 14 ግንቦት 2020 ዓ.ም. እተወደበ ፍጻሜ እንተኾ፡ ኣብዚ ኵነት እዚ እቲ ዓለም ለኻዊ ትምህርታዊ ውዕሊ ብዙሕ ኣቓልቦ ክረክብ ሓያሎ ተበግሶታት ክግበረሉ ከምዘተባብዔን ኣዘኻኺሩ፡ ሰሉስ ዕለት 5 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን “ሃይማኖታትን ትምህርትን - ብዛዕባ ዓለም ለኻዊ ውዕል ትምህርቲ” ብዝብል ኣርእስተ እተመርሔ ኣኼባ ክካይድ ምዃኑ ሓቢሩ፡ ኣብዚ ዓውደ ጉባኤ ዕስራ ተወከልቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ክሳተፉ እዮም። እዚ ተበግሶ እዚ “ነቲ ሓድሽ ወለዶታት ዝኣተዉዎ ቓል ኪዳን እንደገና ህያው ንምግባር ነቲ ብትዕግስቲ ክሰምዑ ሃናጺ ዘተ ክገብሩ ከምኡ እውን ንሓድሕዶም ክረዳድኡ ዝኽእሉ ዝያዳ ግልጽን ሓቛፍን - ዘይንጽል ስርዓት ትምህርቲ ንኽህሉ ዘሎ ባህጊ ንምሕዳስ” ዝብል ሓሳብ ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ ከምዘሎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
መሳለጢያ ዕዮ
ምስቲ ዕለት 5 ጥቅምቲ ዝካየደ ዓውደ ኣኼባ ብምትሕሓዝ ሰለስተ ኣገደስቲ ናይ ዕዮ መሳለጢ ሰነዳት ኣብቲ ናይ ዓለም ለኻዊ ትምህርታዊ ውዕል ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ብሓሙሽተ እተፈላለየ ቋንቋታት ተሓቲሙ ከምዝቐረበን እዚ ሰነድ እዚ እቲ ኣብ ቐረባ ግዜ ብቤት ማሕተም ቫቲካን እተሓትመ “ኣብ መንጎ ቅልውላውን ተስፋን ዘሎ ትምህርቲ” ዘርእስቱ ሰነድ ኣብ ከም ሃይማኖታውን ባህላውን ክብሪ ዘተን ሰብኣዊ መሰላትን ባህሊ ሰላምን ዜግነትን ሓድነትን ምትሕብባርን ዕደ ጥበብን ዘይንጽል ማሓድሮን ዝኣመሰለ እተፈላለዩ ሓሳባት ናይቲ ናይ ትምህርታዊ ውዕሊ ሕመረት ብንጹር ዝተነብሮ እዩ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ጒዳይ ዓለም ለኻዊ ውዕል ክብጻሕ ዘለዎ ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣርሒቑ ዘመላኽት ናይ ስምምዕ ሰነድ ኸውን ዝኽእል ዝብሎ ሓሳብ ዝተነብሮ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።