ድለ

ወትሩ ናብቲ እናዓበየ ዝኸይድ “ንሕናውነት፥” ሕልሚ እንኮ ሰብኣውነት!

ሰንበት ዕለት 26 መስከረም ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ግምት ብምእታው ክልተ ኣዋልድ ካብ ሃገረን ቨነዝወላ ጸገማታተንን ስክፍታታተንን ዝተመልኦ ሳንጣ ሒዘን

ብመሰረት እቲ ዕለት 26 መስከረም ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን 2021 ዓ.ም. ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዘነቓቕሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ካብ ርሑቕ ኣዋርሕ ዘበገሶ ወፈራ ይቕጽል ኣሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ከም ኣወዳትን ኣዋልድን ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ እዛ ናይ ሓባር ቤትና መሬት፡ ሓባራዊ - ሰብኣውነት እንኮ ሰብኣውነት ብሓባር ኣብ ምሕላም ክንጓዓዝን ከፍርሓና የብሉን” ነዚ ሓሳብ እዚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዘነቓቕሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን 2021 ዓ.ም. ኣሚቱ ካብ ነዊሕ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ብዘካይዶ ዘሎ መደብ ወፈራ መሰረት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ መተባብዒ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ እዩ።

ሰንበት ዕለት 26 መስከረም ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ግምት ብምእታው ክልተ ኣዋልድ ካብ ሃገረን ቨነዝወላ ጸገማታተንን ስክፍታታተንን ዝተመልኦ ሳንጣ ሒዘን ዝተሰዳ ዝሃበዎ ምስክርነት ኣብቲ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ተሳዅዒ ኣሎ። ክልቲኤን ድማ መነባብሮኤን ዳግም ንኽጅምራ ትብዓት ክህልወን ዝሕግአን ኣብ ናይ ታሪኽ ኪደት ኣብ ዘማእከለ ሕንጸት ዝሳተፈ እያተን።

“ሓንቲ ካብቶም ስደተይናታት - ስደት ቅድሚ ሕጂ ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ዓይነት ኣነባብራ ብምዃኑ ብኸመይ ከም እንነብር የፍርሃንናን ኣብ ዘይንፈልጦ ነገር ከይንኣቱ ንፈርህ ነርና። ሕጂ ግና ዘይንፈልጦ ክንፈርሆ ከም ዘይብልና ብሓቂ ክኣምን ጀሚረ። ምሕላም ፈጺሙ ከፍርሃና የብሉን” ይብላ።

“ኵላትና ኣሕዋትን ኣሓትን ስለ ዝኾንና ብሓባር ከም ኣሕዋትን ኣሓትን - ይብላ እተን ካልኤይተን - ኵላትና ናይ ሓባር መጻኢ እዩ ዘሎና። ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ዕላማ ስለ ዘለዎ ኵላትና እንጓዓዘሉ መገዲ ሓደ ምዃኑ እየ ዝኣምን፡ ኵላትና ከም ኣሕዋትን ኣሓትን መጠን ኣብ ሓደ ሓባራዊ ቤት ክንነብር ህድኣትን ሓጐስን ክንካፈል ተሳኒና ክንነብር ንኽእል ኢና” እንክብላ ይገልጻ።

26 Sep 2021, 01:59