ድለ

ኣብ ኡርባኒያኑም፥ መደብ ሕንጸት ንኣካላት ካቶሊካውያን ዘይመንግስታውያ ረድኤት ማሕበራት ኣብ ኡርባኒያኑም፥ መደብ ሕንጸት ንኣካላት ካቶሊካውያን ዘይመንግስታውያ ረድኤት ማሕበራት 

ኣብ ኡርባኒያኑም፥ መደብ ሕንጸት ንኣካላት ካቶሊካውያን ዘይመንግስታውያ ረድኤት ማሕበራት

እቲ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ዘዳልዎ መደብ ሕንጸት “ነቲ ቤተ ክርስትያን እትጽውዓሉ ማሕበራዊ ጒዳያት ብዝበለጸ መገዲ ንምጥቃም ተባሂሉ እተመስረተ ህሞት”

ካብ ዕለት 20 ክሳብ ዕለት 25 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣስታት 30 ካብ ዝግመታ ዘይመንግስታውያን ካቶሊካውያን ግብረ ሰናይ ማሕበራት ዝተዋጽኡ ኣባላት ንጒዳያት ዘይንጽል ዕቤት ደቅሰብን ስደተይናታትን ከምኡ እውን እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ዝረአ ሰብኣዊ ክብሪ ዘሕስር ንግድ-ሰብ ብመንጽር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሰረት ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ኣብቲ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ኣብ ዘዳለዎ ናይ ለብዘበን ካልኣይ ሕታም መደብ ሕንጸት ክሳተፉ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ተዋሰእንቲ ብምዃን ንውሳነታት ብኸመይ ከም እትገብርን ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ስኡናትን ድኻታትን ኣበይን ከመይን ድምጺ ከም እትኾኖም ንምፍላጥን ኣድላዪ ዝዀነ ናይ ካቶሊክ ዘይመንግስታውያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ውክልናን መንነትን ንምልላይን ምድልዳልን” ዝብል ቅዉም ነገር ናይቲ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ዘዳለዎ መደብ ሕንጸት ትርጒምን ዕላማ እዩ። ንሰራሕተይናታት ውድባት ካቶሊክ ዝወሃብ መደብ ሕንጸት ካብ ዕለት 20 መስከረም ክሳዕ ዕለት 25 መስከረም 2021 ዓ.ም. ዝካየድ ካልኣይ ሕታም፡ ብቐጥታ ምስ ዝምልከቶም ናይ ቅድስቲ መንበር  ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ብምትሕብባር ዝተዳለዎ ኮይኑ፡ ብእንግሊዘይናን ጣልያንይናን ቋንቋታት ዝቐርብ ከምዝኾነን እቶም ዝሳተፉ ኣስታት 30 ከምዝኾኑን ገሊኣቶም ብኣካልን ገሊኣቶም እውን በገባብ ምናባዊ ከምዝሳተፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ዘዳልዎ መደብ ሕንጸት “ነቲ ቤተ ክርስትያን እትጽውዓሉ ማሕበራዊ ጒዳያት ብዝበለጸ መገዲ ንምጥቃምን ተባሂሉ እተመስረተ ህሞት” ምዃኑ ክሕበር እንከሎ ካብ ማሕበራዊ ሰረተ እምነት ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣትሒዙ ክሳዕ እቲ ኣብ ዓውዲ ግብረ ሰናይ ዝካየድ መደባት ሕንጸት “ብዛዕባ ቅድስቲ መንበር እትርከበሉ ንቤተ ክርስቲያን በዳሂ ዝኹነ ቐንዲ ኣህጉራዊ ጒዳያት ኣሕጽር ኣቢሉ ንምጉላሕ” ዝኣመተ እዩ። እቲ ናይ ኵርያ ሮማና ከምኡ እውን ናይ ዝተፈላለያ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ መምሃራን ዘማዕበልዎ መደብ ሕንጸት፥ እቲ ብቤተ ክርስቲያን ብቓልን ብግብርን ዝንገር፥ ትምህርትን ዘይንጽል ኣገልግሎት ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየትን ማሓድሮን ስድራ ቤትን ስነ ሕይወት ስነ ምግባርን ዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ንግድ ሰብን ዝምልከቱ ኣርእስታት ዘጠቓለለ ከምዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ክንየው ኤቅለስያዊ ትርጉምን ተልእኾ ነፍሲ ወከፍ ዘይመንግስታውያን ካቶሊካውያን ማሕበራት ግብረ ሰናይ እተን ውድባት ካቶሊካዊ ኣስተንፍሶ ዘለወን ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ጒዕዞ ክስጒማ” ዝድግፍ እውን ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ መኽሰብን ረብሓታት ዘይኮነስ ኣብ ሰብኣውነት ሰብ ዘተኰረ ተበግሶ ኰይኑ “ቤተ ክርስቲያናውን ኤቅለስያውን ምስክርነት ዝብል ትርጉምን መለለይን ዕዮታት ናይተን ውድባት እቲ መለለይኤን ተወሳኺ ዋጋን ግልጽነትን ኣብ ወፍርታተን ክህልወን ዝድግፍ መደብ ሕንጸት ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

20 Sep 2021, 08:36