2019.10.26 ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት 2019.10.26 ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት 

ንምእመናን ጽን ቢልካ ሰሚዕካ ምኽኣል! መሰናደዊ ሰነድ ሲኖዶስ አበው ጳጳሳት

ዋና ቤትጽሕፈት ሲኖዶስ አበው ጳጳሳት ንዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ዓም ንዝካየድ ሲኖዶስ ኣበው መመርሒ ዝኸውን ሰነድ ከምዝዘርገሐ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ንዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ዚካየድ ሲኖዶስ  ኣበው ጳጳሳት ንምእመናን ዝምልከት ኰይኑ ብዓንዱ ርእሱ ጽን ቢልካ ኣብ ምስማዖም ብምትኳር ‘ብዘይ ምንም ቅድመ ኩነታዊ ፍርዲ ጽን ቢልካ ምስማዕ ብትብ ዓትን ንጹር ብዝኾነ ኣገባብን ሃህ ቢልካ ምዝራብ ምስ ቤተክርስትያንን ማሕበረሰብን ምስ ካልኦት ኣብያተክርስትያንን ምውሳእ’ ዝብል ነጥብታት ይርከቦ።

እዚ ብዋና ቤትጽሕፈት ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት ዝቀረበ ሰነድከስ ብቀንዱ ንምስንዳእ ዝምልከት ኰይኑ ኣብቲ ዚካየድ ሲኖዶስ ከም መምርሒ ኰይኑ ጒባኤ ሲኖዶስ ብከመይ ከምዝካየድ ብምሕባር ዘሰኒ ሰነድ እዩ። እቲ ኣብ ሮማ ዝካየድ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ካብ 9-10 ጥቅምቲ እንክኽፈት እቲ ኣብተን ናይ ክልል ኣብያተ ክርስትያን ዚካየድ ከኣ ዕለት 17 ጥቅምቲ ክኽፈት እሞ ብደሓን የጽንሓና ንዝመጽ እ 2023 ካብ መላእ ዓለም ብዝጋብኡ አበው ጳጳሳት ኣብ ከተማ ቫቲካን ኪካየድ እዩ።

 እዚ ትማል ሰሉስ ዕለት 6 መስከረም 2021 ዓም ዝተዘርግሐ መሰናደዊ ሲኖዶስ ል ዕሊ ኩሉ ነቲ ንሕዝበ እግዚኣብሔር ጽን ቢልካ ንምስማዕን ምኽሮም ንምቅባልን ምናዳ ኣብተን ናይ ክልል ኣብያተ ክርስትያን ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ዓም ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ 2022 ዓም ንዚካየድ ንምሕጋዝ እዩ።

ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝካ ብሓባር ምጒዓዝ!

ነዚ መምር ሕጽር ብዝበለ መንገዲ ንምግላጽ እቲ ሰነድ ‘ብካል እ ኣዘራርባ ከም ንምህርቲ ዝሰናዶ ግራት ኰይኑ ናይ ነፍሲ ወከፍ ተመኲሮ ብምቅብባል ነቲ ኣብ ማሕበረ ክርስትያን ብቀጻሊ ሲኖዶሳዊ ዘተን ለውጥን ዝርከብ ምህርቲ ኣብ ብስለት ንክበጽሕ ዝሕግዝ እዩ’ ምስ በለ በዛ ትስዕብ መሠረታዊ ሕቶ መደቡ የቅርብ።

“እዚ ሎሚ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ማለት ካብ ደረጃ ክልል ክሳብ ዓለምለኸ ደረጃ ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ኢድ ንኢድ ተታሓዝሒካ ሓቢርካ ምጒዓዝ ንቤተክርስትያን ብከመይ ዝበለ መንገዲ ንወንጌል በቲ ዝተዋህቦ ተልእኮ ክትሰብኽ የፍቅደላ! ከም ሲኖዶሳዊት ቤተክርስትያን ኰና ንክን ዓቢ መንፈስ ቅዱስ ኣየናይ ዕድ የቅርበልና!”

ናብ ሲኖዶሳውነት ዝመርሑና ስጒምታት!

እቲ ሰነድ ነዘን ሕቶታት ምስ ኣቅረበ ከም ሓገዝ ዝኾና ገለ ስጒምታት ይ እንፍት። ቅድሚ ዝ ኣገረ ንኩሉ ዘጠቃልል ኩሎም ዝሳተፉሉ ጒ ዕዞ ቤተክርስትያን ንነፍሲወከፍ ክውፈ ኣለዎ፡ ምናዳ ኸኣ ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተገሊሎም ንዝርከቡ ሓሳባቶም ንክገልጹ ዕድል ክ ወሃቦምን ክስምዑን ብድሕሪኡ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ንረብሓ ምሉእ ስድራቤት ዘመደ ኣዳም ብነጻ ኣብ ልዕሊ ነፍሲወከፍ ዘፍስሶ ውህበታት ፍልልያቶምን ሃብቶምን ምልላይን ምቅባልን የድሊ። ብካል ኣይ ደረጃ ሓላፍነትን ሥልጣንን ኣብ ቤተክርስትያን ብከመይ ከምዝንበር ምርማር ከምኡ እውን ንምክያዶም ዝጥቀሙሉ መሳርዕ! በዚ ከምዚ ከኣ ነቲ መሠረት ወንጌል ዘይብሉ ቅድመ ኩነታዊ ፍርድታትን ዘይቅኑዕ ኣገባባትን ንምልዋጥ ይከኣል ይብል።

ካብዚ ብምቅጻል ሓንቲ ማሕበረ ክርስትያን ኣብ ቅድሚ ኩሎም ብከመይ ዝበለ ኣገባብ ኣብቲ ማሕበረ ዘተን ፍወሳን ዕርቅን ንኩሉ ሃንጐፋይ ቢልካ ብምቅባል ተሳትፎ ንክህልዎምን ዳግመ ሕንጸት ደሞክራስን ምድንፋዕ ሕውነትን ማሕበራዊ ዕርክነትን ብከመይ ዝበለ መንገዲ ክተበርክት ትኽእል። ከምኡ እውን ከመይ ገቢራ ኣብ መንጎ ክርስትያን ርክብ ዳግም ከምዝውለድ ትገብር ማለት ምስ ተወከልቲ ካል ኦት ኣብያተክርስትያንስ ብምቅሻል ከኣ ምስ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ሓፋሽን ሲቪላውን ውድባትን ሕዝባውያን ምንቅስቃሳትን ርክብ ምፍጣር ይከኣል።

እዚ ብጭቡጥ ዝግበር ስጒምታት ክውን ዝኾነሉ ታሪኻዊ ሃዋህው ብቀንዱ ብለበዳ ኮቪድ 19 ዝሰዓበ ግድላት ነቲ ብቀደሙውን ንሕዝቢ ዘሳቂ ኣብ ዝነበረ ዘይማዕርነትን ፍትሒ ምጒዳልን ዳርጋ ክባራዕ ቀርቢሉ ኣብ ዘሎ ዘመን እዩ። ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ቤተክርስትያን እውን ኣብ ውሽጣ ኰይኑ ብዝሕምሳ ምጒዳል እምነትን ብልሽውናን ዓይኖም ኣፍጢጦም ኣብ ዝጥምቱላ ዘመን እዩ። ዝገደደ ኸኣ ነቲ ብትሕቲ ዕድመን ተኣፈፍትን ብሰንኪ ጾታዊ ዓመጽን ሥልጣን ብዘይመንገዱ ብምጥቃምን ምዝመዛ ሕልናን ብውሉደ ክህነት ዝወረደ ቃንዛ ኣብ ዝጋዋሓሉ ዘመን እዩ ዝካየድ ዘሎ።

እንተኾነ ነዚ ብዝተፈላለየ ስቃያት ዝተዃዕተ ኣቊሳል ንምፍዋስ ብ ኡ ኣቢልካ ኸኣ ሓዲስ ክርስትያናዊ ጐደናን ቤተክርስትያናዊ ሕይወትን ንኽዕምብብ ሓዲስ ቋንቋ እምነትን ሓደስቲ ጐዳናታትን ምንዳይ ግዲ እዩ። እዚ ኩሉ ብሓንሳብ ተደማሚሩ ከምቲ ሲኖዶስ ዝሓቶ ዝተሓደሰ ተሳትፎን ተቀባልነትን ም እመናን ምናዳ ኸኣ ደቂ ኣንስትዮን መን እሰያትን ብሰፊሑ ኪካየድ ዕድል ይፈጥረልና። በዚ ከኣ ኩሎም ንጡፋት ሰበኽቲ ወንጌል ይኾኑ።

ንጡፋት ሰበኽቲ ወንጌል!

ብቀንዱ እቲ ሲኖዶስ ተሳትፎ ም እመናን ዝምልከት ብምዃኑ ነቲ ካል ኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝበሎ እንደገና ብምድጋም ‘ም እመንና ብምሥጢረ ጥምቀት ኣብ ስብከተወንጌል ንጡፋት ተሳተፍቲ እዮም’ ይብል እሞ ካብቲ ቀንዲ እዚ ሲኖዶስ ክስ ዕቦም ዘለዎም ጐዳናታት ሓደን ቀንድን ጓሶት ነቶም ሓደራ ዝተዋህቦም መጓሰ ክፈርህዎም ከምዘይብሎም እኳ ደኣ ጽን ኢሎም ክሰም ዕዎም እቲ ሰነድ ይላቦ።

ብድምጺ ንምክትታል!
07 September 2021, 15:24