ፓሮሊን፥ ር.ሊ.ጳ. ናብ ዓለም ናይ እትወጽእ ቤተ ክርስትያን መሰኻኽር ንኽንከውን ይሓቱና

ኣብ ስሎቫኪያ ንር.ሊ.ጳ. እቲ ናይ ቅዱሳን ቀርሎስን ሜጠድዮስን ተዘክሮ ዝነብር ህዝቢ ሓንጐፋይ ኢሎም ክቕበልዎም ኢዮም። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ መንጐ ምብራቕን ምዕራብን ዘሎ መንፈሳዊ ድልድል ዘረጋግጽ እዩ . . .

ፑዳፐስትን ስሎቫኪያን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይጽበያ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሻሽቲን ንዅሎም እቶም ተነቃፊ ኵነት ዘለዎም ሰባት ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ህድሪ ክህቡ እዮም። ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ ዓለም ለኻዊ መበል 34 ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዘጒልሕዎ ሓሳብ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመበል 34 ሓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ንኸካይዱ ይዳለዉ ኣለዉ። ሰንበት ዕለት 12 መስከረም ኣብ ቡዳፐስት ካብ ዕለት 5 መስከረም 2021 ዓ.ም. ዝተበገሰ ኣህጉራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ዕለት 12 መስከረም ናይ መዕጸዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኸዕርጉ ኣብ ቡዳፐስት ክርከቡ ካብኡ ተሰናቢቶም ክሳዕ ዕለት 15 መስከረም ዝቕጽል ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ስሎቫኪያ ከካይዱ እዮም። ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ሓዋርያዊ መገሻኦም እዚ “ንዓለም ወንጌል ኪዛረብ ዚኽእል ቋንቋ ብምርካብ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ክንከውን ጻውዒት የቕርቡልና፡” እዚ ናብ ፑዳፐስት ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዕለት 4 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ድሕሪ እተገብረሎን ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ዝገብርዎ ጉዕዞ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ብጹዕነትኵም እዚ ክልተ ሃገራት ዘጠቓልል ናይ ቅድስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሃዋርያዊ መገሻ ብኸመይ እዩ ተሓሲቡ? ባዕሎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዒራቕ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዛዚሞም ናብ ሮማ ኣብ ዝተመልሱላ ነፋሪት ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዝለገጽዎ ትምኒት እዩ፡ ካብ ጸሎት ዝተበገሰ ትምኒት። ቅድም ነቲ ኣብ ቡዳፐስት ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ናይ መዕጸዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ንምዕራግ ካብ ዝብል ድላይ እዩ ተበጊሱ ደሓር ግና ካብ ሃንጋሪ ናብ ስሎቫኪያ ሃዋርያዊ ምብጻሕ እውን ከካይዱ ዝብል ሓሳብ ተወሊዱ።

ናይ ቡዳፐስት ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ኤርዶ ሃንጋሪ ምስ ኵሎም ህዝብታት ሕውነት ንምስምማዕን ንምድልዳልን ብርሃን እምነት ከም ዘድልያ ይገልጹ። ካብ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን እንታይ ፍረ ኢና እንጽበ? ናይ ቅዱስ ቍርባን ጉባኤ ምስጢር ቅዱስ ቍርባን ንምብዓል ንምስትንታን ንምጽናዕ ንምዕማቝ ኣጋጣሚታት እዩ፡ ስለዚ እቲ ኣብ ቡዳፐስት ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ነዚ ዘተኮረ እዩ፥ ጒባኤ ቅዱስ ቍርባን ናብ ቅዱስ ቍርባን ክመርሕ ኣለዎ። ኣብዚ ግዜ እዚ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሞልፈታ፥ ኣብ 2018 ዓ.ም. ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ሕልፈት ኣባ ቶኒኖ በሎ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቍምስና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን - ድሕሪ ቅዳሴ ንገዛእ ርእስና ዘይኮነ ንኻልኦት ኢና እንነብር” ዝበልዎ ሓሳብ ክጻሓፍ ኣለዎ ዝብል ናይ ኣባ በሎ ሓሳብ ኣስሚሮምሉ እዮም፡ እዚ ትርጉም ናይቲ ካርዲናል ኤርዶ ዝበልዎ እዩ ዝብል እምነት እዩ ዘሎኒ - ቅዱስ ቍርባን ኣብ ፍቕሪ ክርስቶስ ማለት ኣብ ህይወት ናይቲ ንዅሉ ፍጥረት ዝፈቱ ክርስቶስ የጥሕለና እዩ። ስለዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጾሩ ክንጸሮሉ ዝግብኣና ሓው ክንርኢ የኽእለና ኢሎም።

ኣብ ስሎቫኪያ ንር.ሊ.ጳ. እቲ ናይ ቅዱሳን ቀርሎስን ሜጠድዮስን ተዘክሮ ዝነብር ህዝቢ ሓንጐፋይ ኢሎም ክቕበልዎም ኢዮም። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ መንጐ ምብራቕን ምዕራብን ዘሎ መንፈሳዊ ድልድል ዘረጋግጽ እዩ . . . ብርግጽ። ቅዱሳን ቀርሎስን ሜጠድዮስን ንብምልኡ ታሪኽ ህዝቢ ስሎቫኪያ ኣጸቢቖም ዝልለዩሉ ምስሊ እያቶም። ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ከይተረፈ ኣብ መእተዊ ጽሑፍ ንባዕሉ መንፈሳውን ባህላውን ኣቦታት ናይታ ሃገር ተባሂሎም ዝግለጹ ይመስለኒ። ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብታ Slavorum Apostoli - ሓዋርያት ስላቭ ብዝብል ኣርእስቲ ዕለት 2 ሰነ 1985 ዓ.ም. ኣብ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ መንጐ ምብራቕን ምዕራብን ድልልድ እንክብሉ ይገልጽዎም፡ ብዛዕባ እዞም ቅዱሳን እዚኣቶም ክንርድኦ እንኽእል ነገር - መልእኽቶም እዋናውን ንሓዋሩን ከም ዝዀነ ኸኣ እኣምን። ገለ ኻብዚ ኸኣ እቶም ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓለውቲ ቅዱሳን ኤውሮጳ ዝብል ኣርእስቲ ዝተወሃቦም እዚ ኸኣ እቲ ዘለዎም ወንጌል ናይ ምብህላው ብቕዓት ዘረጋግጽ እዩ። ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት ክዛረብዎም ክኢሎም እዮም፡ ወንጌል ክእውጁ ክኢሎም ኢዮም፡ እዚ ኸኣ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ሓንቲ ምሉእ ብምሉእ ናብ ወንጌላውነት ዓለም ዘተኰረት ሕውስቲ ቤተ ክርስቲያን (እትወጽእ) ክንከውን ጻውዒት ከቕርቡልንና፡ ዓለም ናብ ወንጌል ምምላስ ክበሃል እንከሎ ዓለም ኣዋጅ ወንጌል ምእንቲ ኽትቕበል ቅኑዕ ቋንቋ ምርካብ ማለት እዩ፡ ስለዚ በቲ ሓደ ሸነኽ እዚ ቕርጺ እዚ ንተልእኾ ወንጌል ድራኸ ክኸውን እንከሎ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ነዚ እተፈላለየ ዓይነት መንፈሳውነት መግለጺ መንፈሳውነትን ብህልን ቋንቋን ኣብ ሓድነት ካቶሊካውነት ብኸመይ ከም እነእትዎ ምፍላጥ እዩ፡ በዚ ከምዚ ድማ ስኑይ ውሁድ ጥዑም ማህሌት ይኸውን እምበር ሓደ ዓይነት ምዃን ኣይህልዎን እዩ።

እቲ ናይ ሃዋርያዊ መገሻ መርሓ ግብሪ ምሉእ ብምሉእ እንኰላይ እቲ ምስ ማሕበረሰብ ዓሌት ሮም ዘካይድዎ ርክብ ዝምልከት እዩ፡ እዚ ሓቂ እዚ ኣቃልቦ ክረክብ ከምዘለዎ ዝሕብር እዩ . . . እቲ መደብ ርክብ ምስ ዓሌት ሮም ምስቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሮማንያ ምስ ማሕበረሰብ ሮም ዘካየድዎ ርክብ መቐጸልታ እዩ ዝመስለኒ። እዚ ር.ሊ.ጳ. እዚ ብልክዕ ኣብ ስቓይ እቲ ህዝቢ ስለ ዝሳተፉ ክሳዕ ክንደይ ሓላፍነት ከምዝነበረና ማለት ቤተ ክርስቲያን ወይ ሰብ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ዅነታት እዚ ኽሳዕ ክንደይ ሓላፍነት ከም ዝነበሮን ይቕረታ ንኽግበረልና ዝቐርብ ሕቶ እውን እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ድማ በቲ ሓደ ሸነኽ ነዞም ተቐማጦ እዚኣቶም (ዓሌት ሮም) ኣተኵሮ የርእዩን ነቲ ዝግለጽሉ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት እውን ኣኽብሮትን ሞሳን የሕድር። ካብ ክቡር ዋጋ ስድራ ቤት ኣትሒዙ ክሳዕ ሓድነት እንግዶት ክንክን ኣረጋውያን ከምኡ እውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኣሎ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ንምትሕብባርን ምሉእ ብምሉእ ምስ ሕብረተሰብ ንምትሕብባርን ይግበር ኣሎ።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መዓልቲ ዓመታዊ በዓል ቅድስተ ማርያም ዘህማማቱ ሓላዊት ቅድስቲ ሃገረ ስሎቫኪያ   ኣብ ዝበዓለሉ ዕለት ኣብ ብሔራዊ ቤተ መቕደስ ዘሻሽቲን መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑ እዮም። እዚ መርሓ ግብሪ እዚ ቅዱስነቶም ክሓድግዎ ዘይደልዎ መድረኽ እዩ . . . ኣብቲ ንሓላዊት ቅድስቲ ስሎቫኪያ ዓብዪ ተወፋይነት ዘለዎ ህቡብ በዓል ንምስታፍ ነቲ ዝገብርዎ ጉዕዞ ብተወሳኺ ደረጃ ስፍሕ ክብል ገይርዎ እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ እዚ ር.ሊ.ጳ. ወትሩ ንህቡብ ሃይማኖታዊ ባህልታትን ልዕሊ ኩሉ ግን ነታ ብቐጥታ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ኣርጀንቲና ኣብ ኵለን ሃገራት እታ ኽፍሊ ዓለም ዘሎ ግን ከኣ ኣብ ኤውሮጳ ኣጸቢቓ ሱር ዝሰደደት ንእኖና ማርያም ውፉይ ምዃኖም ዝሕብር እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። እዚ ቤተ መቕደስ ሻስቲን እዚ ንእመቤትና ማርያም ዘሎና ተወፋይነት ንህይወት ሓደ ህዝቢ ማሕበረሰብ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘርኢ ኣብነት እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ድማ እዚ ድሕሪ እቲ ር.ሊ.ጳ. ዝተገብረሎም ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ዚግበርዎ ዘለዎ ቀዳማይ ጒዕዞ ምዃኑ ዘጒልሕ እዩ። ስለዚ ብእተወሰነ መዳይ ንእመቤትና ስለቲ እቲ ቅልጡፍ ምሕዋዮም ብደገፋ ንኸመስግኑ ጥራሕ ዘይኰነስ ንዅሎም እቶም ተነቀፍትን ተኣፈፍትን ኣብ ዝዀነሉ ኵነታት ዘለዉ እውን ሕድሪ ንኽብልዋ እዮም ልዕሉ ዅሉ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ገና ዘየብቀዔ ገና ኣብ ብዙሓት ሃገራት ስቓይ ዘምጽእ ዘሎ ዅነታት ለብዒ ኣብ ግምት ብምእታው እውን እዩ።

ብጹዕነትኵም ር.ሊ.ጳ. ብምንታይ ዓይነት መንፈስ እዮም ነዚ ጉዕዞ እዚ ዝነቕሉ? ንሱ ንባዕሉ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 5 መስከረም 2021 ዕ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ “ምስቶም እሙናትን ንምርኻብ ምስተን ኣቢያተ ክርስቲያን ንምርኻብ ከምኡ እውን እቲ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞታት ብሰንኪ ኮቪድን ውሒዱን ዳርጋ ጠጠው ኢሉ እውን ጽኒሑ እዩ ቅዱስነቶም እቲ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ እምነት ምጽናዕ ዝብል ኣገልግሎቶም ዳግም ንምብጋስን ብልክዕ ነቲ ኣነባብራኦምን ዝልለይሉ ምስ ሰባት ናይ ምርኻብ ኣጋጣሚ እውን እዩ፥ ምስ ህዝቢ ምርኻብ ሓደ እቲ መለለይኦም እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም። 

12 September 2021, 17:43