ፓሮሊን ኣብ ው. ሕ. መ. ዓለም፥ ሰላም ኣብ ሕውነት እዩ ዝሕነጽ
ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ሓፈሻዊ ጉባኤ፥ ለብዒን ኣብ ግላስኮ ንኽካየድ ዝተወሰነ ዛዕባ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ዝመክር ዋዕላን ውግእን ኑኵለሳዊ ኣጽዋር ምውጋድን ምስ ስነ ምግባራዊ ስርዓት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝጋራጨዉ “ሓደስቲ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን” ዝብል ኣርእስታት ዘማእከለ ተጻዋርነትን ተስፋን ዘተኰረ መደረ ከምዘስምዑ ዜና ቫቲካን ፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዓለም ንምይይጥ ዝርድኽ ኣብ ሃይቲን ኣፍጋኒስታንን ሊባኖስን ሶሪያን ዝርአይ ዘሎ ስቓይ ንቕድስት መንበር ዓቢይ ሻቕሎት ከምዝኾነን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእክቲ ምስ ዘመላኸትዎ መገድታት ዝተተሓሓዘ ከምዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዕለት 26 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሃገራት መራሕቲ መበል 76 ሓፈሻዊ ጉባኤ ብመረብታዊ ውሕዘት ተሳቲፎም ብምስማዐ ርእየት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፡ “ብተስፋ ተጻዋርነት ምሕናጽ” ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘመላኸተ ኮይኑ፡ ዝተኸስተ ለብዒ ኮቪድ - 19 ዓለም ምንጻል ዘየድልያን ኣብቲ “ኣብ ኣልባብ ደቅሰብ ዘሎ ዕቝባ ሰናይ” ተመርኲሳ “ሓባራዊ ምቕርራብ” ዘተባብዕ ብጅግንነት ኣብ ዝተዘርአ ዘርኢ ተስፋ ክትረክብ ከምዘለዋ ዘመላኽት እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ንዅሉ ዝኸውን ክትባት
ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ጒባኤ ዘመሓላለፍዎ ሰላምታ ኣቕሪቦም፥ ብዛዕባ ለብዒ ኮቪድ - 19 እንክዛረቡ፥ ስቓይ ናይቶም ክትባት ክረኽቡ ዘይክእሉ ሰባት ንምእላይ ብሓባር ክንዓዪ ይግባእ እንክብሉ ዘቕረብዎ ምሕንጽንታን ከምኡ እውን ብዛዕባ ስርዓት ክንክን ጥዕና “በቲ ለብዒ እመና ስለ ዝተዓብለለ ኣብ ምእላይ ኮቪድ - 19 ምሉእ ብምሉእ ዘተኮረ ብምዃኑ ብዙሓት ብዝተፈላለየ ካልእ ሕማም ዝትጠቕዑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ክርስዑ ወይ ዘድሊ ክንክን ጥዕና ከይረኽቡ ይገብር ኣሎ” እብክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ብዛዕባ ንድኻታት ዝያዳ ተነቀፍቲ ዝገብሮም ካብ ቍጠባዊ ቅልውላው ኣብ ስርዓት ቍጠባ ዘሎ ተነቃፊ ነገራትን ጒድለታትን ከነተኵር ይዕድሙና። እቲ ብሰንኪ ለብዒ ብልክዕ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ምግባረ ብልሽውና ምቅላስ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግብኡ ጒዳይ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ፍጥረት
ለብዒ ኮቪድ - 19 ንሸቶታት ናይ 2030 ዓ.ም. መደብ ዘላቒ ልምዓት ከምዝጸልዎን “ነቲ ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባትን ቁጠባን ዘሎ ርክብ እንደገና ክሕሰበሉን ከምኡ እውን ቍጠባዊ ኣገባባትን መደባት ዘላቒ ምዕባለን ንሰባትን ንባህርያዊ ጸጋታትን ኣብ ክንዲ እትምዝምዝ ንመላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ሕድጋት ሕብረተሰብ ዘለዉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣገልግሎት ከም ዝውዕል ምግባር የድሊ” ዝብል ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ “ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ዕሽሽ ከይበሃሉ” ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ኣብ ልዕሊ ሃይቲ ዘሎ ኣረኣእያ
ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ነቲ ኣብ ግላስኮ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ዛዕባ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ዝመክር ዓለም ለኻዊ ዋዕላ እናማዕደዉ ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ድሕሪ እቲ ንስዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ህይወት ሰባት እውን ኣዕናዊ ጽልዋ ዘስዓበ ብሓድሽ መንፈስን ራእይን ንኽንብገስ ዝገብር ደራኺ ምኽንያት ከነለልይ ኣተሓሳሲቦም፡ ናብታ ነታ ብናይ ተፈጥሮ ሓደጋታት እተጠቕዔት ሃይቲ እናሓሰቡ፡ እዛ ሃገር እዚኣ “ብፖለቲካዊ ብድሆታትን ብህጹጽ ሰብኣዊ ኵነታትን እትሳቐ” ከምዘላ ኣዘኻኺሮም ማሕበረሰብ ዓለም “ነባርን ዘላቕን” ምዕባለ ናይታ ሃገር ዝሕክግዝ ክኸውን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ተስፋ ካብቲ ንኣብነት “ጽሩይ ጸዓት ንምጥቓም ዝሓትቶ ወጻኢታት ንምንካይ” ዝሕግዝ ካብቲ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለታት ዝመጽእ ውጽኢት ብፍትሒ ምጥቃም የድሊ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ዓለም ለኻዊ ውግእ ደው ናይ ምባል ውሳነ
ውግእን ጃምላዊ ጥፍኣት ዜምጽእ ኣጽዋር ተስፋ ዘጥፍእ እዩ። “እቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ሕጹጽ ሰብኣዊ ኵነታትን ኣብ ሶሪያን ሊባኖስን ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ዞባታት ዓለም ዝርአ ዘሎ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ውጥረትን ግጭታትን ኣብ ህዝብታትን ሃገራትን ዘሕድሮ ጽልዋ ብንጹር ዘዘኻኽረና እዩ።” ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ነቲ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፍን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ዓለም ለኻዊ ውግእ ደው ንምባልን ሓባራዊ ሰብኣዊ ሓላፍነት ንምስካም ዘቕረብዎ ጻውዒት መንግስታት ዓለም ክስቖሮም እዕድም” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብጹዕነቶም እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ብዛዕባ ምኽልኻል ኑክለሳዊ ኣጽዋር እተገብረ ስምምዕ ንገዛእ ርእሱ ንቕድሚ ናይ ምባል ስጒምቲ መርኣያ እዩ። ቅድስቲ መንበር እቲ ውዕሊ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ምይይጥ ዝግበረሉ ዝተበጽሐ ምጉዳል ምህርቲ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምንካይ ዝብል ውዕሊ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዜነቓቕሕ ክኸውን ጽኑዕ ተስፋ ከምዘለዋ እገልጽ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።
“ሓደስቲ መሰላት”
ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ብክሱት ምስማዐ ርእየት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ብተደጋጋሚ ዘጒልሕዎ፥ “እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ሕብረተሰብ ዓለም ኣብ ጽንኵር ኵነtታት ክወድቕ ዝገብሮ ዘሎ ቅልውላው ናይ ስነ ሰብእ ቅልውላውን ናይ ሰብኣዊ ተራኻብነትን ተማርኳስነት ቅልውላውን ውጽኢት እዩ” ዝብል ሓሳብ ኣዘኻኺሮም፡ “መብዛሕቲኡ ግዜ ግብረ ሰናይ ወይ ሰብኣዊ ጒዳይ ከም ግዴታ ዘይኮነስ ከም ምሕንጽታ ገይርካ እዩ ዝውሰድ” ከምኡ እውን በዚ ምኽንያት እዚ እዩ “ስደተይናታትን ኣብ ውሽጢ ሃገራት ዝመዛበሉን ሰባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ዘይምሹእ ኵነታት ክተርፉን ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ስደት ክሃልቁ ዝረአ፡ ብሰንኪ እምነቶምን ኣረጋውያንን ሕጻናትን ብሓፈሻኡ ተኣፋፍያን ክፍሊ ሕብረተስብ ክድርበዩን ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ስድራ ዝወርድ ዝተፈላለየ መጥቓዕቲ ዝኣመሰሉ እውን ጠቒሶም፡ እዚ እውን ኣብቲ ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ዝወሃብ ዘሎ ሓድሽ ትርጉም ብንጹር ዝርአ እዩ። መብዛሕቲኡ ግዜ እቲ ‘ሓድሽ መሰላት’ ምስቲ ክድገፍ ዝግብኦ ክቡራት ዋጋታት ዝጋራጮ ጥራይ ዘይኮነስ ኣህጉራዊ ሓባራዊ ስምምዕ እውን ኣይገበረሎም ብጸቕጢ ኣብ ምቕራብ ዝግበር ጽዋል ከምዝርአይ እውን ገሊጾም፡ ቅድስቲ መንበር ሰብኣዊ መሰላት ካብ ኣድማሳዊ ስፍሓቲ ክወጽእን እቲ ዘሕዝን ከኣ “እቲ ዝወሃቦ ሓድሽ ትርጉም ናይ ‘ሓሶት ዕቤት’ መወከሲ ህልዩ ኮይኑ፡ ውልታው ዝኾነ ምግምማዕ ክህልው ዝገብር እዩ። “እዚ ፈተነታት ካብቲ ብዛዕባ ምክልኻል መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝምልከት ሓባራዊ ናይ ስምምዕ ውሳነ ኣቃልቦ ከይግበረሉ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝግበር ጻዕሪ ዘልምስን ዘደናግርን እዩ” ቢሎም “መሰላት ህይወትን ሕልንናን ናይ ምሕሳብን ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ናጽነት ዝኣመሰለ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ክብርን ምድንፋዕን ዕቝባን ዘወግድ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ሰላም ኣንጠረይና ምዃን
መጋበርያ እቶም ሓያላት ዘይኮነስ ንዅሎም ሰባት ዘገልግል ዓለም ሓቆፋዊ ትካል ምዃን። እዚ ኸኣ ብጹዕነቶም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብቲ እተወሃቦ ስልጣንን ተልእኾን እንደገና ህያው ክኸውን ከምዘለዎን፡ “እቲ ናይቲ ውድብ ላዕለዋ ቤት ምኽሪ ጸጥታን ደሕንነትን ኣብ ዓለም ቀንዲ መጋበርያ ሰላምን ኣንጠረይና ሰላምን ክኸውን ዝተጸውዔ እዩ” እንክብሉ ሓላፍነቱን ተልእኾኡን ኣዘኻኺሮም። “ኣብቲ ዝደኸመ ሕብረተሰብና እውን ከይተረፈ ብዙሕ ምልክታ ተስፋ” ከምዘሎ ኣጒሊሖም “ሓነጽቲ ሰላም ምዃን ኪበሃል እንከሎ ነቲ ዘርእን ጠጥዕን ኣሕዋት ምርካብ ማለት እዩ።” ድልድል ሕብረት ንምዃን ካብ ስቓይ ስደተይናታትን ገዛእ ርእስኻ ምርሓቕ ኣይኰነን፡ መጻኢ ክንህቦምን ሰላም ክጥጥዕ መታን ብሓባር ንዕየይ” ምስ በሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዒራቕ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዘካየድሉ እዋን “ሰላም ሰዓርን ተሳዓርን ኣየድልዮን እዩ፡ የግዳስ ንዅሉ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠመ ግጒይ ምርዳእን በሰላን ካብ ግጭት ናብ ሓድነት ክብጻሕ ዝዓዩ ኣሕዋትን ኣሓትን እያቶም ዘድልይዎ” ዝበልዎ ጠቒሶም ብጹዕነቶም ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።