ፓሮሊን ንዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኮርያ፥ “ብዘይ ሰተን ይቕረታን ሰላም የሎን” ፓሮሊን ንዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኮርያ፥ “ብዘይ ሰተን ይቕረታን ሰላም የሎን” 

ፓሮሊን ንዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኮርያ፥ “ብዘይ ሰተን ይቕረታን ሰላም የሎን”

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብምዝካር ብፍላይ ፍስሓን ተስፋን ዝብል ውሳኔ መሰረት ገይሮም “ሰላም ካብ ውግእ ዘይምህላው ኵነት ንላዕሊ እዩ” ቢሎም “ሰላም ኣብ መንጐ ተጻባእቲ ሓይልታት ሚዛኑ ዝሓለወ ስልጣን ንምዕቃብ ናብ ዝብል ሓሳብ ዝጐድል ኣይኮነን፡ ዓብላልነት ስርዓት ዘይኮነስ “ፍትሒ ዘምጽኦ ሳዕቤን እዩ።”

እቲ ብዛዕባ ሰላምን ሓድነትን ሓውሲ ደሴት ኮርያ ንምምይያጥ ኣብ ዓዓመት ሚኒስትሪ ሓድነት ረፓብሊክ ኮርያ ዘዳልዎ “ዓለም ለኻዊ መጋባእያ ሰላም ኮርያ” ናይ ለምዘበን 2021 ዓ.ም. ጉባኤ ዕለት 31 ነሓሰ ከም እተጀመረን፥ ናብቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ፍትሒ ንመሰላት ካልኦት ከይንጥሕስን ንነፍሲ ወከፍ ዚግብኦ ክንህብን” ዚሓትት እዃ እንተዀን ግብረ ሰናይ ግን ካልኦት ዜድልዮም ነገራት ከም ናትካ ዀይኑ ክስምዓና ዝገብር ንፍርያም ምትሕብባር ባይታ ዝፈጥር እዩ። እተዘይኰይኑ ግን ‘ኣሉታዊ ሰላም’ ማለት ፎኪስ ምስሕሓብ ወይ ውን ውግእ ናይ ዘይምህላዉ ኵነት ጥራሕ ኢና እንፈጥር። በቲ ካልእ ሸነኽ ግን ሰላም ሓድነት ከም ዝህልወና ዝገብር ምትብባዕ ዝኣመሰለ እወታዊ መዳያት ዘነቓቕሕ እዩ። ብሓጹሩ ሰላም ምሕዝነት እዩ ክበሃል ይከኣል” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ብዛዕባ ሓድነትን ሰላምን ሓውሲ ደሴት ኮርያ ዝመክር ዕለት 2 መስከረም 2021 ዓ.ም. ዝዛዘም ዓውደ ርክብ - ‘ሓድሽ ራእይ ንሰላምን ቍጠባን ሕይወትን’ ብዝብል መርሕ ቃል ዝተመርሐ ምዃኑ ኣመላኺቱ፡ ናይ ቡጹዕነቶም መልእኽቲ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርትን ከምኡ እውን ኣብቶም ናይ መወዳእታ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ስልጣናዊ ትምህርትን ዘማእከለ ከምዝነበረ ኣፍሊጡ።

ጳውሎስ ሻድሻይን ከም ኣሕዋት ርክብ ሃገራትን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን መልእኽቶም ካብቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብቲ ግዜ እቲ “ህዝብታትን ሃገራትን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኮይኖም ከም ደቂ ኣምላኽ ኪእከቡን ሓባራዊ መጻኢ ደቂ ሰብ ንምሕናጽ ብሓባር ኪዓዩን እተጸውዑ እያቶም” ብዝበልዎ ሓሳብ ኣበጊሶም፡ እዚ ኸኣ “ንዘይንጽል ዕቤት ደቂ ሰብ ዚኸውን ኵነታት ምፍጣር” ዝብል እዩ። . . . “ምቅርራብን ግልጽነትን ዘተን ትዕግስትን ከምኡ እውን ዘይኵንን ሕያውነትን ብዝብል ሓሳብ ዝትርጐም ቃል እዩ” ቢሎም፡ ንኻልኦት ብሓቂ እንቕበለሉ ናይ መጀመርታ ስጒምቲ ናብኦም ንምቕራብ ኣብ ህይወትና ቦታ ምሃብ ሓጐሶምን ጓሂኦምን ንምክፋል ፍቓደይና ምዃን ከምኡ እውን ናይ ሓቂ ርክብ ምምስራት እዩ።” እዚ ኸኣ “ንህይወት ወድሰብ ንምኽባርን በብእርካናቱ ምስ ሰባት ንምትሕብባርን ዝዓለመ ሓባራዊ መስርሓዊ ሜላ ኣብ ግብሪ እንተ ዘይውዒሉ ኣብ ኵሉ ክፋላት ስኒት ዘለዎ ምዕባለ ሕብረተሰብ ክህሉ ኣይክእልን እዩ”። ብተመሳሳሊ ኣብ ማሕበረሰባትን ጒጅለታትን ግጭት ንምፍታሕ ዘተ ባህሊ ንምግባር ጽን ኢልካ ምስማዕን ኣገዳሲ እዩ። ፍልልያት ዕሽሽ ከይበልካ” ግን ከኣ ኣቕዋምና ካብ ናይ ካልኦት ከየስዓርና” ዝብል ዘተ ክኸውን ኣለዎ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዮሓንስ መበል 23ን ሓድነት ዘሀልው ስነ ምግባራዊ ስርዓታትን

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ “ሓድሽ ራእይ” ዝብል ናይቲ ጉባኤ መርሕ ሓሳብ ዘመላኽቶ ሓሳብ መሰረት ዮሓንስ መበል 23 ዘኪሮም፡ ዮሓንስ መበል 23 ነቲ ዘዋህደና ደረት ኣልቦ ዝኾነ ኵላዊ ስነ ምግባራዊ ስርዓታትን ክቡራት ዋጋታትን ብፍሉይ ዘቃልሑ ከምዝኾኑን፡ እዚ ኣምር እዚ “ኵሉ ግዜ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ኣብ ኵሉ ሕብረትሰብን ዝርከብ ሰናይ ነገር የናድዩን ነቲ ምክፍፋል ዝፈጥር ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘሰንፍ ኣብ ኣኽብሮትን ሓባርዊ ምፍላጥን ዝተመርኰሰ ዘተ ዘቕውም እዩ፡ . . . ኣብ ኵሉ ሰብ ሰናይ ከም ዘሎ ብምእማን ነቲ ዚገማምዕ ዘይኮነስ ነቲ ዘዋህድ ቐዳምነት ንኺርከብ ዝመርሕ እውን እዩ። እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ መሰረት ናይቲ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ኵባ ተኸሲቱ ዝነበረ ቅልውላው ብሰላም ንምፍታሕ ናይ ዝተገብረ ጻዕሪ እዩ ዝነበረ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፣

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፥ ሰላም ውግእ ካብ ዘይምህላው ኵነት ንላዕሊ እዩ

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብምዝካር ብፍላይ ፍስሓን ተስፋን ዝብል ውሳኔ መሰረት ገይሮም “ሰላም ካብ ውግእ ዘይምህላው ኵነት ንላዕሊ እዩ” ቢሎም “ሰላም ኣብ መንጐ ተጻባእቲ ሓይልታት ሚዛኑ ዝሓለወ ስልጣን ንምዕቃብ ናብ ዝብል ሓሳብ ዝጐድል ኣይኮነን፡ ዓብላልነት ስርዓት ዘይኮነስ “ፍትሒ ዘምጽኦ ሳዕቤን እዩ።” . . . “ሰላም ምእንቲ ኽርከብ ንኽብሪ ካልኦት ውልቀ ሰባትን ህዝብታትን ንምኽባር ጽኑዕ ቈራጽነት ምግባርን ኰነ ዕቱብ ርክብ ምግባርን ምትሕልላይን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ሰላም ምሕዝነትን ሓልዮትን ምርድዳእን እዩ፡ ኮንፉቹ ጠቒሶም ከመይሲ “ሓደ ሰብ ንርእሱ ዘይደልዮ ነገር ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኪጽዕኖ የብሉን” እዚ ኸኣ ምስቲ “ንብጻይካ ከም ገዛእ ርእስኻ ኣፍቅር” ዝብል ክርስቲያናዊ መሰረታዊ ስርዓት ዚቀራረብ እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ፥ ኣገዳስነት ይቕረ ምባል

ብጹዕነቶም ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 2004 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓመታዊ መዓልቲ ሰላም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “ዕርቂ ብዛዕባ መጻኢ ሓድሽ ኣርኣእያ ንምኽፋት ከምኡ እውን ቈልዑ ሓንቲ ስድራ ቤት ብሓደ መገዲ ክኸዱ ዘኽእል ወጋሕታ ንምርኣይ ዘብቅዕ ቀንዲ እዩ” ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም እንተዀነ ግን ”ዕርቂ በይኑ ኣይኰነን” ዝብል “ጽቡቕ ናይ ምግባር መሰረታዊ ስርዓት” የድልየና። እዚ ድማ “ክልቲኦም ወገናት ክዕረቑን ሕድሕዳዊ ይቕረ ክበሃለሉን ክቕባበሉን ክሰማዑን ኣለዎም” . . . “ብዘይ ሕድገት ሓጢኣት ሰላም የልቦን” ቢሎም፥ “ስልጣነ ፍቕሪ” ኣብ ዝገዝኣሉ ጥራሕ እዩ ሰብኣዊ ፍጥረት ነባርን ሓቀይናን ሰላም ዘስተማቕር” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

በነዲክቶስ መበል 16ን ንሰላም ናይ መሃዝነት ክእለት

“ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንመስርሕ ሰላም ዘደንፍዕን ንመስላት ነፍሲ ወከፍ ወገን ዘኽብርን ተበግሶታት ኣብ ምምዕባል ዝያዳ መሃዚ ክኸውን ኣለዎ” ዝብል ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ሓሳብ ኣብ መልእኽቶም ዝጠቐሱ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም፥

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ማሕበራዊ ምሕዝነትን

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ መሰረት ገይሮም፥ ብፍላይ ነታ ኵላትና ኣሕዋት እትብል ዓዋዲት መልእኽቲ ተወኪሶም ብዛዕባ እቲ ዘተ ንምግባር ዘኽእል ናይ ሓባር ባይታ ዘንብር ምቅርራብን ምዝርራብን ዓይኒ ንዓይኒ ምርእኣይን ኣገዳሲ ምዃኑ ዘመላኸትዎ ሓሳብ ኣዘኻኺሮም፡ ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ካብቲ ለብዒ ኮቪድ - 19 እቲ ለብዒ ካብ ዘስዕቦ ኵለ መዳያዊ ቅልውላውን ዕንወትን ስቃይን መከራን መዓት ኵሉ እግዚኣብሔር ንኸናግፈና ኵሉ ኣብ ተወሸብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን በይኖም ብዘይ ምእመን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝመርሕዎ ጸሎትን ዝለገስዎ ስብከትን፥ “ኵላትና ኣብ ሓንቲ ጀልባን ተሰቢርናን ተደናጊርናን ኢና ዘሎና፡ እንተዀነ ግን ዋላ ሓደ እኳ በይኑ ስለ ዘይድሕን ኵላትና ንሓድሕድና እንደላለይ ኢና” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ መሰረት መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።   

01 September 2021, 08:24