ድለ

2021.07.30 መካነ ጥበብ ንግሥተ ሓዋርያት ሮማ 2021.07.30 መካነ ጥበብ ንግሥተ ሓዋርያት ሮማ 

ኲስኰሳ ንኰስኰስቲ መበል ዕስራን ሓደን ክፍለ ዘመን!

ዜና ቫቲካን (ሎኦዘርቫቶረ ሮማኖ)

በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልአይ ኣብታ እምነትን ኣመክንዮን እትብል ብፊደስ ኤት ራስዮ እትፍለጥ ሓዋርያዊት መልእኽቶም ቊ.70 ‘ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ባህልታት ዝግበር ርክብን ንጽጽርን ቤተክርስትያን ስብከተ ወንጌል ካብ ትጅምር ኣትሒዛ ዝነበረቶ ተመኲሮ እዩ’ እንክብሉ ተልእኮ ስብከተወንጌል ምስቲ ሕይወት ነፍስወከፍ ወዲሰብ ዕለት ዕለት ዝዋሳኣሉ ባህሊ ከይተናበበ ምንም ክግበር ከምዘይከኣል ኣብሪሆም።

ፍርያማነት ናይዚ ኣብ መንጎ ባህልን ወንጌልን ዘሎ ርክብ ብልዕሊ ዕስራ ክፍለዘመናት ዝግለጽ ታሪኽ ቤተክርስትያን ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዓለምና ተመዝጊቡ ንረኽቦ። ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ተልእኮ ስብከተወንጌል እዚ ርክብ እዚ መሠረታዊ ምዃኑ ቀዳምነት እትህቦ። እዚ ከኣ ከምቲ ኣቀዲሞም በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኢቫንጀሊ ኑንስያዲ ስብከተ ወንጌል ኣብ ትብል ሓዋርያዊት ምሕጽንታ ቊ. 19 ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ‘ኣብ መነባብሮ ዘመደ ኣዳም ንዘለው መምዘኒታት ፍርድን ወሰንቲ ባህላውያን ሃብታትን መስመራት ኣተሓሳስባን ቀወምቲ መምርሒታትን ብሓይሊ ወንጌል ክምቅሩ ክልወጡ’ ኣብ ምሕጋዝ ክውዕል እዩ ቀንዲ ዕላማኡ ዝበልዎ እዩ።

ነዚ ንምድንፋዕ ኣብ ማእከል ሮማ ዝርከብ ጳጳሳዊ መካነ ጥበብ ረጂና ኣፖስቶሎሩም ማለት ንግሥተ ሓዋርያት መሠረት እምነት ንምፍላጥን ምስ ዝተፈላለዩ ባህልታት ክትዋሳእ ንምኽኣልን ከምኡ እውን ምስ ካልኦት ዓውዲ ትምህርታት ሳይንስን ተመኲሮ ደቂሰባትን ብምውሳእ ከመይ ገቢርካ ንመልእኽቲ ወንጌል ናብ ዝተፈላለዩ ባህልታትን ሰባትን ከምዝበጽሕ ንምግባር ዝሕግዝ እዩ (ኢቫንጀሊ ጋውድዩም ሓሴት ወንጌል ቊ. 133-134 ተመልከት)። እዚ ከኣ ነቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብ2018 ዓም ቨሪታቲስ ጋውድዩም ሓሴት ሓቂ ብዝብል ሓዋርያዊ ኣዋጅ ናብ ዪኒቨርሲታትን ተቅዋማት ቤተክርስትያንን ብምትኳር ‘መማቅርቲ ተባዕ ባህላዊ ለውጢ ኩኑ’ እንክብሉ ንዝተማሕጸንዎ ግብረ መልሲ ንምሃብ እዩ። ነዙይ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከኣ መካነ ጥበባት ካቶልካዊት ቤተክርስትያን ካብቲ ዘይነጽፍ ምንጪ ወንጌል ዝውሕዝ ዝተፈላለዩ ናይ ኲስኰሳ ኣብነታት ክጥቀሙ ኣብ ኣገልግሎት ተመሃሮ ክነጥፋ ኣለወን። ንኰስኰስትን ሰባክያነ ወንጌል መበል 21 ክፍለዘመንን ከኣ እንትርፎ እዚ መደብ ኲስኰሳ እዚ ካልእ መደብ የለን።

ንወዲሰብ ማእከል ዝገበረ ኣተሓሳስባ ከኣ ብመጠን ሰብ ዝተሓንጸ ተቊዋም ንክንምሥርት ይዕድመና። ኣብዚ ተቊዋማት እዚ ተማሃራይ ከምቲ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ብ2007 ዓም ኣብ ይኒቨርሲቲ ፓቭያ ብዛዕባ ባህሊ ንዘጽንዑ ሰባት ሓደራ ዝበልዎ ‘ምስ መማህራኑ ብሱል ዘተ ብምክያድ ንባህላውን ሰብኣውን ዕብየቱ ዘገልግሎ መበገሲታት’ ይረክብ። እዚ ኣገባብ እዚ ምስ ኣድላይነታት ዝነብርዎ ማሕብረሰብ ማዕረ ማዕረ እናሰጐመ መማህራንን ተማህሮን ቀንዲ ዕዮ ገዛ መበቆላውያን ወይውን ናይ ደቂኣባት መካነ ጥበባት ዝለዓለ ባህላውን ክኢላውን ሜላ ተጠቂሞም ንሓቂ ክደልይዋን ክረኽብዋን ኣለዎም። እዚ ኩሉ ተጠቃሊሉ ኣብታ መሠረታዊት ሕቶ ናብራ ወዲሰብ ብምጅማር ምስ ካልኦት ዝዛመደሉን ናብ ሃሰሳ እግዚአብሔርን ዝጐዓዘሉን ሥነ ኣእምሮኣዊ ብስለት ንከብጽሕ እዩ።

ኣብ መንጎ እምነትን ኣመክንዮን ንዘሎ ብቊዕ ርክብ ንምድንፋዕከስ ኣብ መንጎ ኩለን ዓይነት ትምህርታት ምትእስሳር ክህሉ እሞ ከምቲ ሓሴት ሓቂ ዝብሎ ኩሉ ጥበብ በታ ካብ ግልጸት እግዚአብሔር እትነቅል ጥበብ ዝውለድ ብርሃንን ሕይወትን ከምዝኹላዕ ምግባር እዩ። ኣብዚ ንምብጻሕ ከኣ ከምቲ ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ሓደራ ዝበልዎ ኣብ ኩሉ መዳይ ፍልጠት ዘተ ክህሉ ግዲ እዩ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ጳጳሳዊ መካነ ጥበብ ረጂና ኣፖስቶሎሩም ንኰስኰስቲ መበል ዕሥራን ሓደን ክፍለዘመን በዚ መንፈስ እዚ ንምኲስኳስን ንምህናጽን ዘድሊ መሰናድኦ ገሩ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣውሃሃድቲ ናይቲ መደብ ገሊጾም። 

ብድምጺ ንምክትታል!
01 August 2021, 21:12