ድለ

2021.08.20  santi coreani (Seul 16.8.2014) 2021.08.20 santi coreani (Seul 16.8.2014) 

ቅዱስ ኣንድረያ ኪም ተጎንን ሰማዕታት ኮርያን! መሰኻኽር እምነትን መንነትን ሓደ ሕዝቢ!

ኣብ ዝበዝሐ ከባቢ ዓለምና ዝርጋሔ እምነት ክርስትና ካብ ሓዋርያት ጀሚርካ ዝነኣሰት እውን ትኹን መዓርግ ወይ ተልእኮ ብዘለዎም ሰባት ከምዝተፈጸመ እንክንገር ናይ ኮርያ ክርስትና ግን ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ብሓደ ምእመን እዩ ጀሚሩ። እዚ ብ1784 ብሓደ ምእመን ዝጀመረ ክርስትና ዓምቢቡስ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ቅዱስ ኣንድረያ ዝርከብዎም 103 ሰማዕታት ፈርዩ። እዚ በቲ ካብ 1839 ክሳብ 1867 ጸረ ክርስትና ብዝተላዕለ ስደት እዩ። እንተኾነ ደም ሰማዕታት ዘርኢ ክርስትና እዩ።

ዜና ቫቲካን!

እዚኦም ዝተጠቅሱ ሰማዕታት ኮርያ መብዛሕትኦም ብዕለት 20 ነሐሰ እንክስውዑ ገሊኦም ከኣ ዕለት 20ን 21ን መስከረም ሰማዕትነት ተቀቢሎም። ስለዝኾነ ከኣ ዕለት 20 ነሐሰስ ይኹን ዕለት 20ን 21ን መስከረም ቤተክርስትያን ዝኽሪ በዓላቶም ትገብር።

ካብዛ ብደም ሰማዕታት ዝዓምበበት ቤተክርስትያን ዝፈረዩ ካህናትን ልኡካነ ወንጌልን ንገዛእ ርእሶም ኰይኖምስ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝተፈላለየ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ይርከቡ። ሓደ ካብኦም ብፁዕ ኣቡነ ላዛሮ ዩ ናይ ደጆን ደቡብ ኮርያ ሊቀ ጳጳስ ዝነበሩ ኰይኖም ሎሚ ንካህናት ናይ እትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበር ሓላፊ ኰይኖም የገልግሉ ኣለው። ካብቶም ብዙሓት ሰማዕታት ኮርያ ቀዳማይ ካህን ዝኾኑ ብ1984 ብር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ቅድስናኡ ዝተኣወጀ ልክዕ 200 ዓመት ይገብር በዛ ዕለት እዚኣ ስለዝተወልደ ብፁዕ አቡነ ላዛሮ ዩ ዝሠርዕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሎሚ 21 ነሐሰ 2021 ብኣቆጻጽራ ሰዓት ሮማ 15.30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዝዓረገን መልእኽቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንሕዝቢ ኮርያ ከምዝተነበን ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ካቶሊካዊ ዲኻ! እወ ካቶሊካዊ እየ!

እዘን ሕጽር ዝበላ ደረቅ ሕቶን መልስን ኣብ መንጎ ሓላፊ መንግሥትን ሓደ ካብቶም ሰማዕታትን ዝተገብራ እየን። እዚ ግን ብቀሊሉ ከምዚ ነንብቦ ወይ ንሓስቦ ዘይኮነ ክንደይ መግረፍትን ስቃይን ማእሰርትን ሰጊሩ ኣብ መንጎ ሕይወትን ሞትን ትልኽ ትብል ትንፋስ ሒዝካ ቈጺርካ ዝዝረባ ቃላት ሰማዕታት ነበራ። ዚኣከል ተሳቂኻ ኣይምውት ኣይስሩር ገሮም ናብታ ቸላ ይመልሱኻ። እንደገና ድሕሪ ገለ ግዝያት እውን ከምኡ። ጽንዓት ናይ ኩሎም ሰማዕታት ኮርያ ምናዳ ኸኣ እቲ ብ1846 ሰማዕትነት ዝተቀበለ ቅዱስ ኣንድረያ ኪም ተጎን ጽንዓት እምነት ዝገልጽ ኩነታት ነበረ።

ናይ ሎሚ 200 ዓመት ይገብር ልክዕ ከምዛ ሎሚ ዕለት 21 ነሐሰ 1821 ዓም ቅዱስ ኣንድረያ ተወልዱ።  ኣብ ማካዎ ተማሂሩ ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ስደትን መከራን ክርስትናኡ መስኪሩ። ገና መንእሰይ 25 ዓመት እኳ ዘይመልኦ ከሎ እዩ ሰማዕትነት ተቀቢሉ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ከኣ ብ1984 ምስ ብጾቱ ኣብ መዝገብ ቅዱሳን ኣስፈርዎ።

ስለ ሰላም ኮርያ!

ኮርያ እንክዝከር ወትሩ ወጥርን ምፍፍላይ ኣሕዋትን ምንዳ ሰሜንን ደቡብን ኣብ ንብለሉ ዓለም ብዓለሙ ዝዛረበሉ ዘሎ ጉዳይ እዩ። ኣብ ልቢ ቤተክርስትያን ግን ኩሉ ግዜ ብጽንዓት እምነታ ስለትዝከር ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዕለት 17 ጥቅምቲ 2018 ዓም ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ስለ ሰላም ኮርያ ኣብ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ከምዝነበሩን ብዙሓት ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ከምዝተሳተፉን ዝዝከር እዩ። ሎሚ እውን ኣብዚ ንዝኽሪ መበል ክልተ ሚእቲ ዓመት ልደት ቅዱስ ኣንድረያ ዝግበር መሥዋዕተ ቅዳሴ ተሳቲፎም። ከምቲ ብፁዕ አቡነ ዩ ንኣገልግሎት ዜና ዮንሃብ ናይ ኮርያ ዝበልዎ ከኣ ሓልዮት እግዚአብሔር ዝገልጽ ፍጻሜ እዩ።

ሃገረ ሰማዕታት!

ሃገር ሰማዕታት ክንብላ እንኽእል ሃገረ ኮርያኸስ ኣብ ልዕሊ እቶም ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ምስ ቅዱስ ኣንድረያ ቅድስናኦም ዚኣወጁ 103 ሰማዕታት ዝሓለፈ 16 ነሐሰ 2014 ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ካልኦት 124 ዝኾነ ሰማዕታት ብፅዕናኦም ከምዝኣወጁ እውን ዝዝከር እዩ።

ዝሓለፈ 29 ሕዳር 2020 ዓም ንዝኽሪ መበል ክልተ ሚእቲ ዓመት ልደት ቅዱስ ኣንድረያ ዝተኣወጀ ዓመት ኢዮቤል እውን ክሳብ ዝመጽሕ 27 ሕዳር 2021 ዓም ገና ይቅጽል ኣሎ።

21 Aug 2021, 10:52