ናብ ዝገደደ ዓዘቕቲ ንከይትጥሕል ንሃገረ ሊባኖስ ንሓግዝ! ቅድስት መንበር
ዜና ቫቲካን!
ኣብ ናይ ትማሊ ዜናና ከምዝገለጽናዮ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ድሕሪ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ንሃገረ ሊባኖስ ንምርዳእ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ብቃላት ዘይኮነ ብተግባር ይደግፍ እንክብሉ ድሕሪ ምግላጽ ንሃገር ሊባኖስ ክበጽሑ ዘለዎም ሃረርታ ኣውኪኦም ስለ ሕዝቢ ሊባኖስ ምናዳ ኸኣ ስለ እቶም ሎዕሊ 200 ዝኾኑ ግዳያትን ቤተሰቦምን ዝቈሰሉን ካብ ቤትንብረቶም ተመዛቢሎም ትርጉም ናብራ ጠፊ እዎም ዝሳቀዩ ዘለውን ካብ ምጽላይ ከምዘየቋርጹን ዝገልጽ መል እኽቲ ኣብ ዘመሓላለፉሉ ብሃገረ ፈረንሳን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝግበር ዋዕላ ፍረ ክህልዎ ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ከምዝገለጹ ዝዝከር እዩ።
ንቅዱስነቶምን ንቅድስት መንበርን ወኪሎም ከኣ ምስ መንግሥታት ዓለም ናይ ዝራኸብ ጨንፈር ቅድስት መንበር ምክትል ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሚሮስላው ዋኮውስኪ ዘመኑ ብዝፈጠሮ ናይ መራኸቢ ብዙሓን መልእኽቲ ማለት ቪድዮ ናብቲ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ቃል ‘ሊባኖስ ናብ ዝገደደ ዓዘቕቲ ንከይትጥሕል’ እንክብሉ ነታ በቲ ቅድሚ ዓመት ዘጋጠመ ሞትን መቊሰልትን ብርሰት ንብረትን ዘስዓበ ብርቱዕ ነትጒ ባርዕ ድሮ ኣብ ዓዘቕቲ ቅልውላው ማለት ማሕበራውን ቊጠባውን ፖሎቲካውን ዝሕምሳ ዘሎ ናብ ዝገደደ ኩነት ከይትወድቅ ንርዳኣያ ብዘስምዕ ቃና ተሪር መል እኽቲ ከምዘመሓላለፉ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።
እዛ ‘ሃገረ ሊባኖስ ከይትጥሕል’ ትብል ሓረግ ቅዱስነቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ዕለት 1 ስለ እታ ሃገረ ጽሕዲ ኢሎም ዝሰመይዋ ሃገረ ሊባኖስ ሰላም ክወርዳ ምስ ብዙሓት መራሕቲ እምነት ክርስትና ሓቢሮም ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ስለኣን ስለመላእ ማእከላይ ምብራቅን ኣብ ዝጸለዩሉ ግዜ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ብቅልጡፍ ‘እታ ሃገር ንከይትጥሕል እንታይ ደኣ ንዳግመ ህንጸት ዝወስድ ጐዳና ክትጅምር’ ኣዎንታዊ ምትታው ክገብር ኣብ ዝጸውዕኡሉ ገሊጾማ ነሮም።
ቅድስት መንበር እውን ነዚ መስመር እዚ ብምኽታል ‘እቲ ዝግበር ጉባኤ ብቁጠባ ነታ ሃገር ንኽሕግዙ ከመይ እታ ሃገር ድሮ ክትጠፍእ እንተዘይኮይኑ ክንዮኡ ክተንቈልቊለሉ ኣብ ዘይከኣል ደረጃ ስለዘላ ሃየ ዳግም ንክትንሥእ ንደግፋ። እዚ ከኣ ንጥቅሚ ኩሉ እዩ’ እንክትብል ቃላ ኣስሚዓ።
ንሓገዝ ሕዝቢ 350 ሚልዮን ዶላር ምእካብ የድሊ!
ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ብሃገረ ፈረንሳን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተሰናደወ ጉባኤ ነታ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ብዘይ መንግሥቲ እትርከብ ሃገረ ሊባኖስ ሓገዝ ዝኸውን 350 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ካብ ዝተፈላለዩ ለገሥቲ ንም እካብን ከምዝኾነ ተገሊጹ። እዚ ገንዘብ ዓዚ ቅድሚ ዝ ኣገረ ንዝተፈላለየ ሓደስቲ ጸገማት ናይቲ ዓዲ ዝውዕል ኰይኑ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ነቲ ብምኽንያት ዘጋጠመ ሓደጋን ቅልውላው ግዝ ኣተ ሕግን ነታ ሃገር ኣጓኒፉ ንዘሎ ግድላት ንምፍታሕ ንሓደስቲ ወፍሪ ርእሰ ማልን ከምዘገልግል እውን ተመልኪቱ።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ እውን ነዚ ቅዱስ ሓሳብ ኩሎም ደገፎም ንከበርክቱ ዝጽውዕ ሓጺር መል እኽቲ ብትዊተር ‘ንመጻኢ ሃገረ ሊባኖስ ብሓባር ንምህናጽ ኩሎም መንፈስ ምድግጋፍ ከርእዩን ንጻዕሪ ሕዝቢ ሊባኖስ ንምሕጋዝን ግዜኡ ሕጂ እዩ’ እንክብሉ ከምዝጸሓፉ ተመልኪቱ።
ብፁዕነቶም ኣብ ምዝዛም ናይ ርእየት መልእኽቶም ‘ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ቅድስት መንበርን ምስ ኩለን ናይ ተራድኦ ቅርንጫፋተን ኰይነን ካብ ጽባሕ እቲ ሓደጋ ጀሚረን ብዝተፈለለይ መንገዲ ገዛውቲ ብምህናጽስ ይኹን ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ ሕክምናን ብምድንፋዕ ሓገዘን ከምዘበርከታ ንብድሕሪ ሕጂ እውን ከበርክታ ስንድዋት እየን’ እንክብሉ ድሕሪ ምግላጽ ነዚ ቅዱስ ሓሳብ ናይ ሕውነትን ምትሕግጋዝን ንምውህሃድ ዓቢ ግደ ዘበርከቱ ፕረሲደንት ሃገረ ፈረንሳ ኢማንወል ማክሮንን ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስን ኣመስጊኖም።