ድለ

2019.11.16 ምልኣተ ጉባኤ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ም እመናን ስድራቤትን ሕይወትን 2019 2019.11.16 ምልኣተ ጉባኤ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ም እመናን ስድራቤትን ሕይወትን 2019 

ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ምእመናን ስድራቤትን ሕይወትን ቅድስት መንበር ኣብ 5ይ ዓመቱ!

ቅድሚ 2016 ዓም ብክልተ ጳጳሳዊ ቤትምኽርታት ዝመሓደራ ዝነበራ ተቊዋማት ማለት ጳጳሳዊ ቤትምኽሪ ም እመናን ከም ኡ እውን ጳጳሳዊ ቤትምኽሪ ስድራቤት ብር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሓደ ክኾና ካብ ዝውሰናን ስራሐን ካብ ዝጅምራን ድሮ ሓሙሽተ ዓመት ኰይኑ።

ዜና ቫቲካን!

ክሳብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እቲ ኣብ ማእከላይ ክፍለ ዘመን ቮክስ ፖፖሊ ቮክስ ደይ ማለት ድምጺ ሕዝቢ ድምጺ እግዚኣብሔር ምዃኑ ዝግለጽ ዓንዲ ሕይወት ቤተክርስትያን ዝኾኑ ምእመናን ቦታኡ ኣይረኸበን ነሩ ክበሃል ይከኣል። ነዚ ሃጓፍ እዚ ዘስተውዓሉ አበው ካል ኣይ ጉባኤ ቫቲካን ግን ር እሱ ዝኸኣለ ንም እመናንን ግደኦም ኣብ ተል እኮ ስብከተ ወንጌልን ዝምልከት ፍሉይ ሰነድ ብምስንዳው ምእመናን ነቲ ብምሥጢረ ጥምቀት ዝተቀበልዎ ክህነታውን ነቢያውን ንጉሣውን ሥልጣኖም ብምጥቃም ኣብ ምሕደራስ ይኹን ኣብ ስብከተ ወንጌል ግደኦም ከበርክቱ ጸውዑ። ሽዑ ንሽዑ ከኣ ካብ ቊምስና ጀሚርካ ክሳብ ዝለዓለ ኣብያተ ጽሕፈት ር.ሊ.ጳ ብቤት ምኽርን ላዕለዋይ ኣብያተ ጽሕፈትን ምእመናንስ ይኹን ተል እኮ መን እሰያት ከም ኡ እውን ደገፍ ሕይወት ደቂሰባት ዘገልግሉ ተሰሪዖምስ ብዝለዓለ ጳጳሳዊ ቤትምኽርታት ቈይመን።

ኣብ ዘመን ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካል ኣይ ክሳብ ንስድራቤት ጥራይ ዝምልከት መካነ ጥበብ ኣብ ላተራነንሰ ብምቋምን ዝተፈላለየ ዕለታትን ሳምንታትን ብ ዓለም ሓቆፍ ደረጃ ብምቋም ንኣብነት  ዓለምለኸ ሶሙን ስድራቤታት ዓለምለኸ ዕለተ መን እሰያትን ብምስንዳው ኣብ ሰሰለስተ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለዓለማት መበል ክንድዚ እናተባህለ ንል ዕሊ ዓሠርተታት ግዜ ተኸቢሩ ገና እውን ይኸብር ኣሎ።

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ሥልጣን ምስ መጹ በቲ ተሠሪዑ ዝጸንሓሎም መስመር ንሰለስተ ዓመታት ምስ ተመላለሱ እዘን ኣብያተ ምኽርን ኣብያተ ጽሕፈትን ብሓደ እንተዝጥመራስ ብዝበለጸ መደንፍ  ብዝብል ሓሳብ ናይ ሎሚ ሓሙሽተ ዓመት ይገብር ኩሉ ኣብ ዕረፍቲ እንከሎ ብሃንደበት ብበዓለ ፍልሠታ ለማርያም ዕለት 15 ነሐሰ 2016 ዓም ሰዱላ ማተር ወትሩ እትሓሊ ኣደ ብዝብል ኣዋጅ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ንምድንፋዕ ሕይወት ዝግደስ ማሕበርስ ይኹን ንተልእኮ ምእመናን ዝምልከት ከምኡ እውን ንተልእኮ ሓዋርያዊ ኣገልግትሎ መንእሰያትን ስድራቤትን ደገፍ ሕይወት ወዲሰብን ዝምልከታ ኩለን ኣብ ሓደ ክጥርነፋ እሞ ንምእመናንን ስድራቤትን ሕይወትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ከምዝቆሙ ኣዊጆም።

እታ ብላቲን ሰዱላ ማተር እትብል መኽፈቲት ቃል ሓዋርያዊት መል እኽቲ ቅዱስነቶም ንኩሉ ሓልዮትን ሻቅሎትን ተገዳስነትን ሓንቲ ኣደ ዘመልክት ቅድስት ቤተክርስትያን እውን ከም ኣደ ጉዳይ ም እመንናናስ ይኹን ስድራቤት ብ ዓንዲ ር እሱ ከኣ ንሕይወት ደቂሰባት ብዝምልከት ብክንደይ ጥንቃቄ ንዘመናት ከምዝተኸናኸነት ነዚ በቲ መድሃኔ ዓለም ኣብ ደቂሰባት ብዘለዎ ርሕራሔን ምሕረትን ዘር ኣዮ ፍቅሪ ንምግላጽ ከምዝኾነ ምስ ገለጹ ነዘን ኣብ ላዕ ሊ ዝተጠቅሳ ላዕለዎት ጳጳሳውያን ኣብያተ ምኽርን ኣብያተ ጽሕፈትን ከም ዘመኑን ኣድላይነትን ንመላእ ቤተክርስትያን ብሓባር ንምግልጋል ብሓደ ኣተኣሳሲሮም ሓዲስ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት በቲ ልሙድ ቋንቋ ቫቲካን ዲካስተሪ ዝበሃል ከምዘቆሙ ገሊጾም ነበሩ።

ቅዋም!

ዝኾነ ተቊዋም እንክተቅውም መምርሒ ዝኾነ ሕጊ ክትገብር ግዲ ስለዝኾነ ነዚ ኣዋጅ ቅዱስነቶም ተኸቲሎም ንዝነበረን ሓዲስ ነገራትን ብሓደ ኣገናዚቦም ሊቃውንቲ ቤተክርስትያን ንላዕለዋይቢቤትጽሕፈት ም እመናን ስድራቤትን ሕይወትን ዝምልከት ንፈተነ ዝኸውን ቅዋም ኣርቂቆም ዕለት 10 ሚያዝያ 2018 ንቅዱስነቶም ኣቅሪቦምሎም ካብ ግንትቦ 13 2018 መምርሒ ክኸውን ተዋህበ። ሕዳሴ ናይቲ ቅዋም ዘመልክት ከኣ ኩለን ንጓል ኣንስተይትን ስድራን ሕይወትን ዘደንፍ ዓ ተቊዋማትን ማሕበራትን ክድንፍ ዓን ክተባባዓን ከምዝለወን ዝምሕጸን ሓደ ካብቲ ዕላማታቱ ነበረ። ንሰለስቲኤን ብሓንሳብ ዘጣምር ሓሳብ ሕይወት ወዲሰብ ካብ ጽንሲ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ዘድሊ ክንክን ክግበረሉ ኣደ ከኣ ብቀንዲ ተዋሳኢት ኣብ ስድራቤትስ ይኹን ካብ ጽንሲ ክሳብ ሕርሲ ፍሉይ ኣገልግሎት ከምዘድሊ ዝገልጽ ነበረ። ነዚ ኣድላይነት እዚ ኣብ ግምት ብም እታው ከኣ ኣባላትን ኣማኸርትን ናይዚቢቤትጽሕፈት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሰብ ሓዳርን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ካብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለማትና ዝመጹ ኣብ ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ዝተጸምዱ ክኾኑ ተወሰነ። ብሓጺሩ ንኩሉ ዞባታት ዓለምና ዝውክሉን ብኩሉ ኩሉ ዝበሰሉን ዓለማውያንን ውሉደ ክህነትን ክኾኑ ዝብል ኮነ።

 ቀንዲ እጃም ሥራሕ!

እዚ ሓሙሻይ ዓመቱ ዝዝክር ዘሎ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈትከስ ቀንዲ እጃም ሥራሑ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕቊፉ ዘለው ዓበይቲ ኣምራት ማለት ብቀንዱ ምእመናን ምሳኡ ብዝተታሓሓዘ ከኣ ስድራቤትን ሕይወት ደቂሰባትን ጸዋዕታ ነፍስ ወከፍ ሰብን ተል እኮኡ ኣብ ቤተክርስትያንን ኣብ ዓለምን ከም ውልቀሰብስ ይኹን ከም ኣባል ስድራቤትን ቤተክርስትያንን በብዘለዎ ምስ ኣባላት ማሕበራቱን ምንቅስቃሳቱን ቊምስናታቱን ሓላፍነቱ ተረዲኡ ግደኡ ከበርክት ክምህር ከዘኻኽር ከነቃቅሕ እዩ። በዚ ከምዚ ከኣ ሕልና ነፍስወከፍ ከምቲ ዝግባእ ክኩስኰስን ኪዓዪን ነቲ ብሓይሊ ምሥጢረ ጥምቀት ዝተቀበሎ ጸጋታት ኣብ ሕይወትን ተል እኮን ቤተክርስትያን ብምውፋር ንሓባራዊ ሠናይ ነገር ከደንፍ ዕን ክሰርሕን ክሕግዝ እዩ።

ነፍስወከፍ ም እመን ኣብ ሕይወት ቊምስናኡን ሰበኻኡን ከም ኡ እውን ኣብ ምምሕዳር ኩላዊት ቤተክርስትያን ብምኽርስ ይኹን ግደኡ ብምብርካት ክዋሳእ በዚ ቤትጽሕፈት እዚ ክሕገዝ ኣለዎ። ኣብ ምምሕዳር ንብረት ቤተክርስትያን እውን ክዋስኡ ሓዋርያዊ ኣገልግትሎ ስድራቤት ክይጓደል ልዕሊ ኩሉ ምሥጢረ ተክሊል ክሕሎ ግደ ሰብ ሓዳር ኣብ ቤተክርስትያንን ኣብ ማሕበራዊ ናብራን ምናዳ ሕይወት ወዲ ሰብ ካብ ጽንሲ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ምሕላውን ምክንኻኑን ከረጋግጽ ከምዘለዎ የመልክት።

 ዓለምለኸ ርክብ ስድራቤታት!

ካብቲ እዚ ቤትጽሕፈት እዚ ዝከታተሎ ዓለም ሓቆፍ ርክባት ሓደ ዓለምለኸ ርክብ ስድራቤት እንክኾን እቲ ንሎምዘመን ኣብ ሃገረ ሮማ ኪካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19  ንዓመታ ተሰጋጊሩስ ብደሓን የጽንሓና ካብ ዕለት 22 ሰነ ክሳብ 26 ሰነ 2022 ተመዲቡ ንዘሎ ምክትታል ሓደ ካብቲ ቀንዲ መደባቱ እዩ፡ ኣብ መእተዊ ከምዝገልጽናዮ እዚ ብተበግሶ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ካል ኣይ ዝጀመረ ዳርጋ ኣብ መብዝሕት ኤን ክፍላት ዓለምና ዝተገብረ ብዙሓት ስድራቤታት ዝተሳተፍዎ ብዝበለጸ ክሰፍሕን ንብዙሓት ባህልታት ክሓቊፍን ኣብ ዝጸዓረሉ ግዜ ን ዓመታ ዝግበር ሽሕ’ኳ ብ ዓለምለኸ ደረጃ ኣብ ሮማ ክግበር እንተተወሰነ ብትእዛዝ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነፍስወከፍ ሰበኻ እውን ምስ ሮማ ማዕረ ማዕረ ክትገብሮ ብምዃኑ ፍሉይ ይገብሮ። ምስዚ ነዚ 10 ዓለምለኸ ዕለተ ስድራቤት ፍሉይ ዝገብሮ በተን ንስድራቤትን ም እመናንን ዝምልከታ ኣሞሪስ ለቲስየ ሓሴት ፍቅሪ እትብል ሓዋርያዊት ቃለ ም ዕዳን ዝኽሪ ሻድሻይ ዓመትን ንቅድስና ኩሎም እትገልጽ ጋውዳተ ኤት ኤክዙልታተ ተሓጐሱ ደስውን ይበልኩም ራብ ዓይ ዓመት ዝገብራ መል እኽታት ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ክምራሕ ምዃኑ እዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
17 Aug 2021, 18:43