ድለ

ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ኣባይቲ ስድራ፥ ንመውሱቦኣዊ ፍቕሪ እተወፍየ ወግዓዊ ምስሊ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ኣባይቲ ስድራ፥ ንመውሱቦኣዊ ፍቕሪ እተወፍየ ወግዓዊ ምስሊ 

ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ኣባይቲ ስድራ፥ ንመውሱቦኣዊ ፍቕሪ እተወፍየ ወግዓዊ ምስሊ

ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ በቲ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ከምኡ እውን ብሰበኻ ሮማን እተወደበ ኰይኑ ኣብ ሻድሻይ ዓመት ዝኽሪ እተን ብርእሰ ሊቃስነ ጳጳሳት እተደርሳ Amoris Laetitia - ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዓዋዲት መልእኽትን ከምኡ እውን ኣብ ዝኽሪ ራብዓይ ዓመት Gaudate et Exsultate - ተፈስሑ ወተሓሰዩ

እቲ ብሰንኪ እቲ ለብዒ ንሓደ ዓመት ድሕሪ ምንዋሕ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት እተገበረሉ ፍጻሜ ዓስራይ ሕታማ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ካብ ዕለት 22 ክሳዕ ዕለት 26 2020 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ዝካየድ ኮይኑ፡ እቲ ነዚ ዓቢይ ፍጻሜ እዚ ዝውክል ምስሊ ከምእተመረጸን ናይቲ ምስሊ ደራሲ ኢየሱሳዊ ካህን ናይ ስነ ጥበብን ቲዮሎጊያን ሊቅ ኣባ ማርኮ ኢቫን ሩፕኒክ ከምዝኾኑን ንሶም ዘቕረብዎ ወግዓዊ መለለዪ ምስሊ ንመውስቦኣዊ ፍቕሪ ዝተወፍየ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ቅዱስ ፍቕሪ ነቲ ኣብ መንጐ ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያንን ንዘሎ ፍቕርን ዘይፍታሕ ሓድነትን ዘንጸባርቕ እዩ - ኢየሱስ ደሙ ኣብ ክንዳኣ ኣፍሰሰ። እዚ ትርጒም ናይቲ ወግዓዊ ምስሊ ዓስራይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ እዩ። እቲ “እዚ ምስጢር እዚ ዓቢዪ እዩ” ዘረእስቱ ጽሑፍ ዝተነብሮ ምስሊ ብኣባ ማርኮ ኢቫን ሩፕኒክ እተሳእለን እተደርሰን እዩ። እቲ ኣብ ገሊላ ኣብ እትርከብ ቃና እተፈጸመ መረዓ ድሕረ ባይታ ዝገበረ ስራሕ እውን እዩ። ብጸጋማይ ሸነኽ እቲ ምስሊ እቶም ሓደስቲ መራዑት ብመጐልበቢ ተሸፊኖም እዮም ዝረኣዩ። ብመስረት እቲ ጥንታዊ ስእሊ ክርስትና እቲ ወይኒ ዜፍስስ ኣገልጋሊ ወጅሂ ቅዱስ ጳውሎስ ዘለዎ ኮይኑ ንሱ እዩ ነቲ መጐልበቢ ብኢዱ ዝኣልዮ፡ እዚ ኸኣ “ቃል ኪዳናዊ መረዓ ዝውክል ኮይኑ፡ እቲ ምስጢር ከኣ እቲ ኣብ መንጐ ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ዘይፍታሕ ሓድነት” ዝገልጽ ምዃኑ ኣባ ሩፕኒክ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ይሕብሩ።

ናይቲ ምስሊ ደራሲ ኢየሱሳዊ ካህን ናይ ስነ ጥበብን ቲዮሎጊያን ሊቅ ኣባ ማርኮ ኢቫን ሩፕኒክ

እቲ ኣባ ሩፕኒክ ዝሰኣልዎ ናይ ቅብኢ ስእሊ ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ውጽኢት ኰይኑ ነቲ ናብቲ ኣብ 2022 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ንኽካየድ ንዝተወሰነ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ምስንዳዋትን ኪደታቱን ዝመርሕ መጋበርያ ጒስነት እዩ ዝበሉ ኣባ ሩፕኒክ ኣስዒቦም፥ “በዚ ንእሽቶ ምስሊ እዚ ኣቢልና ንዓና ክርስቲያን ስድራ ቤት መግለጺ ምስጢረ ተክሊል ምዃና ከነስተውዕሎን እዚ ኸኣ ወትሩ ምልዋጥ ስለ ዝሓትት ትርጒሙ ምሉእ ብምሉእ ምልዋጥ” ከምዘድሊ ዝሕብር ምዃኑ ኣብሪሆም፡ “ኣብ ቃላ ዘገሊላ ማይ ናብ ወይኒ ኪቕየር እከሎ ብዛዕባ እቲ ካብ ወይኒ ናብ ደመ ክርስቶስ ዝሓልፍ ቅዱስ ቁርባን ይኸፍት። ጳውሎስ ከኣ ከምቲ እታ መርዓት ኣብ ጽዋዕ እትእክቦ ደመ ክርስቶስ የፍስስ” ኢሎም።

ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ በቲ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ከምኡ እውን ብሰበኻ ሮማን እተወደበ ኰይኑ ኣብ ሻድሻይ ዓመት ዝኽሪ እተን ብርእሰ ሊቃስነ ጳጳሳት እተደርሳ Amoris Laetitia - ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዓዋዲት መልእኽትን ከምኡ እውን ኣብ ዝኽሪ ራብዓይ ዓመት Gaudate et Exsultate - ተፈስሑ ወተሓሰዩ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝካየድ እዩ።

ናይቲ ምስሊ ደራሲ ኢየሱሳዊ ካህን ናይ ስነ ጥበብን ቲዮሎጊያን ሊቅ ኣባ ማርኮ ኢቫን ሩፕኒክ

እቲ ዓስራይ ዓለም ለኻዊ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣገባብ ዝሓዘ እዩ። “ብዙሕን ፋሕ ዝበለን” ብዝብል ኣገባብ ስፍሓት ክህልዎ እዩ። ሮማ ቀንዲ መንበር ናይቲ ዋዕላ ክትከውን እያ። ኣብ ተመሳሳሊ መዓልታት እቲ ዓውደ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ ግን ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ ንኣባይቲ ስድራኡ ዞባዊ - ሰበኻዊ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ ከሰናድው እዩ። በዚ ኣገባብ እዚ ከኣ ኣብ ዓለም ዝርከባ ኣባይቲ ስድራ ኵለን ቀንዲ ተዋሰእቲ ይዀና። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ዕለት 2 ሓምለ በዚ ኣብ ሮማ ንኽካየድ ዝወሰንዎ ዓስራይ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ሮማ ‘ነፍሲ ወከፍ ሰባኻ ናይ ምእመናና ማእከል ርክብ ስድራቤታት ክትከውን ትኽእል’ ቢሎም ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ካብ ዝፍጸመሉ ከተማ ሮማ ጀሚርካ ኩለን ሰበኻታት ክሰናደዋሉ እንክብሉ፥ ሱታፌ መላእ ዓለም ስድራ ቤት ከምዘጒልሑ ይዝከር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ማሕበረሰባት ሰበኻታት ብእተኻእሎም መጠን ካብቲ ናይቲ ኣኼባ መርሕ ቃል ተበጊሶም “ፍቕሪ ስድራ ቤት ከም ጸዋዕታን መገዲ ቅድስናን” ዝብሉ ተበግሶታት ከሳልጡ ተማሕጺኖም እዮም። ምስቲ ኣብ ሮማ ምስ ዝፍጸም ኣገባብ ብምስምማዕ ምስ ኣባይቲ ስድራ ክትውድቡ ህያውን ንጡፍን መሃዝትን ክትኮኑ እምሕጸነኵም ኣለኹ። እዚ ንኣባይቲ ስድራና ማለት ንሰብ ሓዳርን ንኣባይቲ ስድራን ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምስ ጓሶት ብሓባር ብውዕዉዕ ስምዒት ንምኽዋን እንውፈየሉ ኵነት እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

31 July 2021, 08:53