ብጹዕ ካርዲናል ጁዘፐ ቨርሳልዲ ብጹዕ ካርዲናል ጁዘፐ ቨርሳልዲ  

ቨርሳልዲ፥ ተጻዋርነትን ሰብኣዊ ሕውነትን ንምድንፋዕ ኣብ ሕንጸት ምትኳር የድሊ

“እቲ ዝተበጽሔ ስምምዕ ዋላኳ ኣብ መዳይ ሕንጸትን ትምህርትን ዝተሓጽረ ይዅን ኣገዳሲ ስጒምቲ እዩ” ነዚ ዝበሉ

ኣብ መንጐ ናይ ካቶሊካዊ ሕንጸት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበርን ናይ ኤመራት ዓረብ ናይ ትምህርት ጉዳይ ሚኒስትር ኣብቲ ሰብኣዊ ሕይወት ዘርእስቱ ሰነድ ዘማእከለ ምትሕብባርን ሕንጸትን ንምድንፋዕ ብሓባር ንምዕያይ ናይ ሓባር ስምምዕ ከምእተፈረመ ናይ ካቶሊክ ሕንጸት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ካብ ኣቡ ዳቢ ምስ ተመልሱ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ እቲ ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦናን ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብ ኣብ ኣቡ ዳቢ ብናይ ሓባር ክታም ወግዓዊ ዝኾነ ሰብኣዊ ሕይውነት ዘርእስቱ ሰነድ ፍረ የፍርይ ኣሎ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዓለም ተጻዋርነትን ሓባራዊ ህላወን ከምኡ እውን ሰብኣዊ ሕውነት ንምድፋዕ ኣገዳሲ እዩ። እዚ እቲ ኣብ ኤሚራት ዓረብ ኣብ መንጐ ናይ ካቶሊካዊ ሕንጸት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ጁዘፐ ቨርሳልዲን ናይ ኤሚራት ዓረብ ናይ ትምህርቲ ጉዳይ ሚኒስትር ሁሳይን ኢብራሂም ኣል ሃማዲ ዝሓለፈ ሰኑዕ ዕለት 5 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ዝተፈረመ ናይ ስምምዕ ሰነድ፡ ቀዳማይ ዕላማ ምዃኑን እዚ እውን ብገባብ መደብ ሕንጸት ኣብ ኤሚራት ዓረብ ኣብ ዝርከባ ካቶሊካውያንን ዘይካቶሊካውያንን ኣባይቲ ትምህርትታት ዝወሃብ ሕንጸት ምዃኑ ብጹዕ ካርዲናል ቨርሳልዲ እቲ ኣብ ኤሚራ ዓረብ ዘካየድዎ መብጻሕ ዛዚሞም ሃገረ ቫቲካን ምስ ኣተዉ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓብዪ መምህር ኣሕማድ ኣል-ጣይብ ኣብ ኣቡ ዳቢ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ “ሰብኣዊ ሕውነት፥ ሰላም ንዓለም ንሓባራዊ ናብራን” ዘርእስቱ ሰነድ ኣብ ዓውዲ ሕንጸትን ትምህርትን እውን ፍረ የፍሪ ከምዘሎ ናይ ኤሚራት ዓረብ ናይ ምጽውዋርን ሓባራዊ ናብራን ጉዳይ ሚኒስትር ናይሃን ቢን ሙባራክ ኣል-ናህያን ከምዝገለጹን ሰብኣዊ ሕውነት ሰነድን ሰብኣዊ ሕውነት ብመደብ ሕንጸት ኣብ ኩሉ ስፍራ ክመሓላለፍ ንዘበገሱን ንዘተባቦብዑን ዘለዉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነመስግን ከምዝበሉ ብጹዕ ካርዲናል ቨርሳልዲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣፍሊጦም።

ኣገዳሲ ስጒምቲ

“እቲ ዝተበጽሔ ስምምዕ ዋላኳ ኣብ መዳይ ሕንጸትን ትምህርትን ዝተሓጽረ ይዅን ኣገዳሲ ስጒምቲ እዩ” ነዚ ዝበሉ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ጳጳሳዊ ናይ ክስቲያናዊ ስነ መዕበያ ማሕበር ጠቕላሊዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ጉይ ረኣል ቲቨኣይርግ ናይዚ ጳጳሳዊ ማሕበር ልኡኽ ታጀዲነ ሳይፍን ተሰንዮም ኣብ ኣቡ ዳቢ ምብጻሕ ኣካይዶም እቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ ዝተፈራረሙ ናይ ካቶሊካዊ ሕንጸት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ጁዘፐ ቨርሳልዲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፥ “ብጭቡጥ መገዲ ተመሃሮን ኣብ ካቶሊካውያን ኣብያተ ትምህርት ናይ የዕራብ ኣቢያተ ትምህርትን ብሓባር ኣብ ዓውደ መጽናዕቲ ክካፈሉን ብሓባር ምርምር ኪገብሩ ኣብ ሓባራዊ ስነ ምግብራዊ ስርዓታት ተመርኵሶም ንፍልልያትን መለለይን ቤት ትምህርቲ ሓድሕዶም ብምኽባር ሓድሽ ምትሕብባር ክርህዉ ዘብቅዕ እዩ፥ እዚ ኸኣ ብዘይ ዝኾነ ይዅን ካብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሃይማኖት ናይ ምስዳዕ ተግባር ዝፍጸም እዩ’ ቢሎም፥”ድሕሪ ህጹጽ ኵነታት ኮቪድ እቲ ውዕል ምሉእ ሓላፍነታቱ ምእንቲ ኽፍጽም መምሃራንን ተመሃሮን ዘሳትፍ ዕማም ክኸወን እዩ” ኣስዒቦም፥ “ንጭቡጥ ሓድሕዳዊ ምልውዋጥ ባህሊ እውን ዝድግፍ እዩ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

08 July 2021, 18:09