ቅድመ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ስርዓት መግቢ ኣብ ቫቲካን ዝተዳለወ ዓውደ ኣኼባ
“ሰብን መሬትን፡ መንእሰያት ንፍትሓዊ ውሕስነት መግቢ ትርጒምን ስጒምትን ይህቡ” እዚ ናይቲ ናይ ቫቲካን ጉዳይ ኮቪድ - 19 ዝከታተል ሽማግለ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ቅድሚ እቲ ኣብ ሮማ እተመደበ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ምስ “ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ ማሕበር” ብምትሕብባር ናይ ዘዳለዎ ዓውደ ኣኼባ ኣርእስቲ እዩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሰሉስ ዕለት 27 ሓምለ ካብ ሰዓት 19.30 ጀሚሩ እቲ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዘነቓቕሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ክቐውም ዝገበርዎ ጉዳይ ኮቪድ - 19 ዝከታተል ፍሉይ ሽማግለ ምስቲ ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ሕብረተሰብኣዊ ጠመቃዊ ትምህርቲ ጦብላሕታ ዝገበረ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ናይ ስነ ቍጠባ ሊቃውንትን ሰብ ትካላትን ኣዋፈርቲ ሃብቲ ገንዘብን መንሰያት ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝሓቁፍ “ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ” ኣህጉራዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ብምትሕብባር “ሰባትን መሬትን፥ መንእሰያት ንፍትሓዊ ውሕስነት መግቢ ትርጒምን ስጒምትን ይህቡ እዮም” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ዓውደ ኣኼባ ክብገስ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ቅድሚ እቲ ዕለት 26 ሓምለ ተበጊሱ ዕለት 28 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ዝዛዘም ተመራመርትን ንኣሽቱ ሓረስቶትን ደቀባትን ዘሳትፍ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋዕላ ዛዕባ ስርዓተ መግቢ፥ ተወከልቲ ናይ ግሊ ትካላትን ፖለቲካውያን መራሕትን ከምኡ እውን ሚኒስትራት ሕርሻን ማሓድሮን ጥዕናን ቍጠባን ኣሳቲፉ ጽቡቕ ልምድታት ንምክፋልን ከምኡ እውን ብዝተኻእለ መጠን ብሓባር ፍትሓዊ ውሕስነት መግቢ ንምኽዋን ዝድርኹ መብጽዓታት ክኣትዉን ክውሰድ ዘለዎ ስጒምቲ ከመላኽቱን ምዃኖም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ኣኼባታትን ወፈያታትን
ኣብቲ ኣብ ቫቲካን እተመደበ ኣኼባ ሽዱሽተ መንእሰያት ኣብ ክልተ ኣኼባ ተመዲቡ ኣብ ዝካየድ ዓውደ ምይይጥ ምስ ሰንሰለታዊ ቐረብ መግቢ ዝተኣሳሰረን ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ሎሚ ንስርዓት መግቢ ንምቕያር ዚጽዕሩሉ ዘለዉ ሓደስቲ መገድታት ዘተኮረ ተመክሮኦም ከካፍሉ እዮም። ነፍሲ ወከፎም ንጥቕሚ ሰባትን መሬትን ኢሎም ስርዓት መግቢ ኣብ ምቕያር ዓቢይ ግደ ኣለዎም። “ነፍሲ ወከፍና ከከም ባህሉን ተመክሮን ተሳትፎን ተውህቦን ንፍጥረት ኣብ ምክንኻን ክተሓባበር ይኽእል እዩ” (ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ፍቕዲ 14)። እቲ ክልተ ምይይጥ ኣቨኒረ ናይ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለታዊ ጋዜጣ ጋዜጠይና ሉቺያ ካፑዚን ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ዋና ጸሓፊ ኣባ ኣውጉስቶ ዛምፒኒን ኣላዛብነት ዝምራሕ ከምዝኾነን ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ ዝገልጽዎ “መግቢ ስራሕ ጥዕና ንኹሉ” ውሑስ ክኸውን ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ከምቲ ቅዱስነቶም ዝምዕድዎ ንሰብን መሬትን ቀዳምነት ዝህብ ስርዓት ብምፍጣር መጻኢ ንምድላው እንክብሉ ኣብ ዘቕርብዎ ምዕዳን ተመስሪቱ ነዚ ናይ 2021 ዓ.ም. ሸቶኡ ገይሩ ይዓዪ ከምዘሎ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ቃል ኪዳን ቅድስቲ መንበር
ድሮ ዝሓለፈ ግንቦት ከምኡ እውን ነዚ ኣገዳሲ መደብ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ኣብ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕርሻ ልምዓት መዋሊ ትካልን ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ውድባት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ሓዋርያዊ ልኡኽን ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ናይ ሃገረ ቫቲካን ጉዳይ ኮቪድ - 19 ዝከታተ ሽማግለ “መግቢ ንሕይወት፥ ፍትሓዊ ውሕስነት መግብን መግቢ ንዅሉን” ብዝብል ኣርእስቲ ነቲ ዛዕባ ስርዓት መግቢ ንኽዝትይ ብውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ዝተጠልበ ዓውደ ዓኼባ ኣማዕድዮም ብመረብታዊ ውሕዘት ዘዳለውዎ ዓውደ ኣኼባ ምክያዱ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ከምኡ እውን እቲ ጉዳይ ኮቪድ - 19 ዝከታተል ሽማግለ፥ “መግቢ ንዅሉ፥ ግብረ ገባዊ ምሕጽንታን - ግዴታን” ብዝብል ኣርእስቲ ዘዳለዎ እቶም ቅድም ቢሎም ብመረብታዊ ውሕዘት ዝተኻየዱ ዓውደ ኣኼባታት ዝጽምር ከሳቲ ምርኢት ኣብቲ ዕለት 27 ሓምለ ዝካየድ ዓውደ ኣኼባ ከቅርብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።