ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ቅንስል ምስለ ማርያም ዘቺንኵይንኵይራ

ነቲ መንፈሳዊ ስነ ስርዓት ዘበገሶ ኣብ ኮሎምቢያ ዞባ ቅዱስ ልዊስ በርትራን ዝርከብ ዶመኒካውያን ገዳም ከምዝኾነን፡ እዞም ዶመኒካውያን ኣብ ኮሎምቢያ ንሓድነትን ንማሕበራዊ ፍትሕን ንምትሕብባርን ዝግበር ጻዕሪ ንምትብባዕ

ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤተ ምሕደራ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ጁዘፐ በርተሎ ኣብ ዝተሳተፍሉ መንፈሳዊ ስነ ስርዓት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ቅንስላዊ ምስሊ ሓላዊት ቅዱስቲ ሃገረ ኮሎምቢያ ኣብ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ዓቢይ ክብሪ ዝወሃባ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘቺኵይንኵይራ ተባሪኹ ከምዝቖመ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ዕለት 9 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ቅድስተ ድንግል ማርያም ዘቺንኵይንኵይራ ናይ ሃገረ ኮሎምቢያ ሓላዊት ቅድስቲ ተባሂላ እተሰመየትሉ ዕለት ኣብ ዝተበዓለሉ ዕለት ቅንስላዊ ቅዱስ ምስላ ክቐውም ከምእተገብረ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ መንፈሳዊ ስነ ስርዓት ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤተ ምሕደራ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ጁዘፐ በርተሎን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ ኮሎምቢያ ልኡከ መንግስቲ ኾርገ ማሪዮ ኢስትማን ሮብለዶን ከምእተረኽቡን፥ ነቲ መንፈሳዊ ስነ ስርዓት ዘበገሶ ኣብ ኮሎምቢያ ዞባ ቅዱስ ልዊስ በርትራን ዝርከብ ዶመኒካውያን ገዳም ከምዝኾነን፡ እዞም ዶመኒካውያን ኣብ ኮሎምቢያ ንሓድነትን ንማሕበራዊ ፍትሕን ንምትሕብባርን ዝግበር ጻዕሪ ንምትብባዕ ኣሚቶም ከምዝኾነን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ምስሊ ናይ ፖርቱጋል ሓላዊት ቅድስቲ ሮዛርየም ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማን ሓላዊት ቅድስቲ ሃገረ ኤኳዶር ቅድስተ ማርያን ዘኵይንችሀን ሓላዊት ቅድስቲ ሃገረ መክሲኮ ቅድስተ ማርያን ዘጓዳሉፐን ሓላዊት ቅድስቲ ሃገረ ብራዚል ቅድስተ ማርያም ዘኣፓረሲዳን ሓላዊት ቅድስቲ ሃገረ ኣርጀንቲና ቅድስተ ማርያን ዘሉኻን ናይ ቺለ ሓላዊት ቅድስቲ ቅድስተ ማርያም ዘቀርመሎስን እውን ዝርከብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

10 July 2021, 18:47