ድለ

Logo_news_trasparente1920_1080.00_01_17_20.Immagine006.jpg

ኣብ መጻኢ ንኩልና መግቢ ዝወሓሰሉ ኣብ ባህላዊ ሥርዓተ ኣመጋግባ ደቂኣባት እዩ! ካርዲናል ተርክሰን

ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሮማ ኣብ ዝካየድ ንሥርዓተ ኣመጋግባ ዝምልከት ጉባኤ ሓላፊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ምዕባለ ኩለንትናዊ ሰብኣውነት ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ተርክሰን ድሕሪ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ንሶም እውን ብግዲኦም ንቅድስት መንበርን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ወኪሎም ኣብ ዘቅረብዎ ቃል ‘ምፍራይ መግቢ ንክነዕቢ ነተን ናኣሽቱ መበቆላውያንን ባህላውያንን ኣፍረይቲ ክነተባብዕ የድሊ። ከመይ እዞም ሰባት እዚኦም ምስ መሬት ዘለዎም ርክብ ወትሩ ቅርዑይን ዝተመዛዘንን እዩ’ እንክብሉ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ዜና ቫቲካን!

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ኣትሒዙ ንመላእ ዓለም ንዘጓንፉ ግድላት ንጥዕና ዝምልከቱስ ይኹን ንካልእ ጉዳያት ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ብሓፈሻ ፍታሕ ንምርካብ ዝተፈላለየ መደባትን ጉባኤታትን ምናዳ እቲ ብ2030 ዓም ክብጻሕ ኣለዎ ኢሎም ዘቀመጥዎ ነጥብታት ምዝካር ይኣክል። ሓደ ካብቲ ቀንዲ ኣሻቃሊ ጥሜትን ዓጸቦን ኰይኑ እዚ ከኣ ዋሕዲ መግቢ ምስ ዘይምዕሩይ ኣመቃቅላ ተደሚሩ ንብዙሓት ብሓለንጊ ጥሜት ከምዝግረፉ ይገብር ኣሎ።

ብደሓን ኣብኡ የብጽሓያ ዓለምና ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ኣብ 2050 ዓም ብዝሒ ሕዝባ ክንዮ ትሽዓተ ቢልዮን ክበጽሕ ከምዝኽእል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ። ኣብዚ ሕጂ ዘሎና ካብኡ ዝወሓደ ቊጽሪ ሒዛ እንከላ እትጠሚ ዘላስ ነዚ ክንድዚ ዚኣክል ሕዝቢ ንምምጋብ ብግዲ ቀረብ መግቢ ልዕሊ ሓምሳ ሚእታዊት ኪዓቢ ኣለዎ ዝብል ገምጋም ሊቃውንቲ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዚኣመሰለ ዕብየት ምፍራይ መግቢ ንክትበጽሕ እንታይ ምግባር የድሊ ብዝብል ሓሳብ ንዝመጽእ ወርሒ መስከረም ኣብ ኒው ዮርክ ንዝግበር ሓፈሻዊ ጉባኤ መሰናደዊ ንክኸውን ነዘን ክልተ መዓልታት ኣብ ሮማ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ትሕዝቶ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ኣብ ናይ ትማሊ መደብና ኣቅሪብናልኩም ነርና። ሎሚ ከኣ ብተመሳሳሊ ሓሳብ ሓላፊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ሰብኣዊ ኩለንትናዊ ምዕብልና ብፁዕ ካርዲናል ተርክሰን ከም ፍታሕ ዘቅረብዎ ሓሳብ ማለት ኩሉ ናብቲ ኩሎም ድሑርን ብዙሕ ዘየፍርን ኢሎም ሓዲጎሞ ዘለዎ መበቈላውን ባህላውን ኣገባብ ሕርሻን ምህርትን ምልስ ኢልና ነጽንዕ። ምስቶም መበቈላውያንን ባህላውያንን ኣፍረይቲ ወይውን ሓረስቶት እንብሎም ኣብ መላእ ዓለም ብመጠኑ ርእሶም ክኢሎም ሚዛኑ ዚሓለው ርክብ ምስ ተፈጥሮ ገሮም ዝናበሩ ቀጻሊ ዘተ ምግባር ከምዘድሊ ሓሳቦም ገሊጾም። እዚ ምስ ዝግበር ይብሉ ብፁዕነቶም ብዓለም ለኸ ደረጃ ቊምነገር ናይዞም ናኣሽቱ መበቆላውያንን ባህላውያንን ብዓለም ለኸ ደረጃ ዋጋ ረኺቡ ኣብቲ ዝግበር ፖሎቲካዊ ውሳኔታትን ንጥሜት ካብ ገጽ ምድሪ ንምጥፋእን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ዓቢ ኣበርክቶ ክህልዎም ይኽእል። ንኣገባብ ምህርቲ ምሕፋስን ውሕስነት መግብን ጥራይ ዘይኮነ ሥርዓተ ኣመጋግባኦምን ዕለት ዕለት ዘዘውትርዎ ኣገባብን ኣጽኒዕካ ብዝለዓለ ኣገባብ ምምዕባሉ የድሊ ኢሎም።

ምምሕያሽ ሥርዓተ ኣመጋግባን ዕለታዊ እንጌራን መበቆላውያንን ባህላውያንን ኣፍረይቲ!

ብፁዕነቶም ነቲ ዘቅረብዎ ጽሑፍ ከም ኣርእስቲ ዝመርጽዋ ሓረግ ‘ሥርዓተ ኣመጋግባ ደቂኣባትን ባህርያዊ ኣበጋግባን’ ዝብል ኰይኑ እዞም ደቂኣባት ወይውን መበቆላውያን ኣፍረይቲ ሓረስቶት እቶም ብምዕቡል ዓለምና ብዙሕ ኣተኲሮ ዘይወሃቦም ዝነበረ ከም ድሑራትን ዓቃባውያንን ኰይኖም ዝፍረጁ ዝነበሩ ኣብ ባህላዊ ማሕረስን ሥርዓተ ኣመጋግባን ተጸሚዶም ምስ ተፈጥሮስ ይኹን ኣብ ከባቢኦም ምስ ዝርከብ ሰብን እንስሳን ብሰላምን ብውህደትን ዝነብሩ ኣብ ርሑቅ ገጠራት ርእሶም ክኢሎም ዝነብሩ ምልስ ክንብል ይዕድሙ። ሎሚ ከም ሎሚ ወዲሰብ ብስም ምዕባሌን ብዙሕ ንምፍራይን ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ ንዓለምና ብዙሕ ስለዝበከሎን ክሊማዊ ለውጥን ነውጽን ከምዝስዕብ ስለዝገበረን ዕለት ዕለት ልዕልና ዋዒ ከባቢ ምዕልቅላቅ ማይ ተራእዩ ዘይፈልጥ ደርቂ ወዘተ ንዓለምና የናውጽ ኣሎ። እዚ ከኣ ልዕሊ ኩሉ ነቲ ትሑት መነባብሮን ኣብቲ ዝተጠቅሰ መበቆላውን ባህላውን ሕርሻን ናብራን ኣብ ዘዘውትሩ ኣደራዕ ኰይኑ ኣሎ። ስለዚ ድሕሪ ምልስ ኢልካ ሚዛን ተፈጥሮን ሥርዓተ መግብን ከመይ ገርካ ኣውሃሂድካን ኣመዛዚንካን ከምትነብር ካብዞም ሰባት እዚኦም ክንመሃር የድሊ። ነቲ ንሶም ንነዊሕ ዘመናት ዝተኸታተልዎ ኣገባብ ምፍራይ መግብን ሥርዓተ ኣመጋግባን ዳግም ምጽናዑን ምስ ተፈጥሮን ምስ ጥዕና ደቂሰባትን ብዘይጣረስ መንገዲ ምትግባሩን ነዚ ሎሚ ዘሎ ጸገማት መፍትሒ ወይውን ኣንፈት ፍታሕ ምሃበ ኢሎም። ነዚ ተበግሶ እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከኣ ነተን ብወድብ መግቢ ዓለም ከም ዞባታት ማሕበረ-ባህላዊ ዝተረቊሓ ሃገራት ምፍታኑ ጽቡቅ ምኾነ ኢሎም።

ውድብ መግቢ ዓለም ከም ዞባታት ማሕበረ-ባህሊ ዝረቊሐን ሸውዓተ ዞባታት!

ብፁዕነቶም ዘቅረብዎ ሓሳብ ኣብቲ ውድብ መግቢ ዓለም ዘቅርቦ ጽሑፋትን መጽናዕታትን ዝተመስረተ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር ነዛ ‘መበቆላውን ባህላውን ሥርዓተ ኣመጋግባን ዕለታዊ ናብራን ዳግም ምብርባር’ እትብል ሓሳቦም መፍረዪ ባይታ ኣብተን ቅድሚ ሕጂ ብውድብ መግቢ ዓለም ዞባታት ማሕበረ-ባህሊ ሶሾካልቹራል ዞንስ ተባሂለን እዞም ደቂኣባት ወይውን መበቆላውያን ልምድታት ዘዘውትሩ ሰባት ዝርከብውን ክፍልታት ዓለምና ማለት ኣፍሪቃ ኤስያ ማእከላ ኣመሪካ ደቡብ ኣመሪካን ካሪብያን ኣንታርክቲክን ማእከላይን ምብራቃን ኤውሮጳ ፈደረላዊት ሩስያን ማእከላይ ኤስያን ክፍሊ ካውካስን ሰሜን ኣመሪካን ሰላማዊ ውቅያኖስን ነበራ። ኣብዘን ዞባታት እዚኦም ብመበቆላውን ባህላውን መነባብሮ ንዝነብሩ ፈሊኻ ምፍላጥን ነቲ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዝተመዛዘነ ናብራን ሥርዓተ ኣመጋግባን ተኸቲሎም ንክነብሩ ዘኽኣሎም ጥበባት ኣጽኒዕካ ናብ ኩሉ ከምዝባጻሕ ምግባር የድሊ። እተን ቅድሚ ሕጂ ሰኣን ኣፍልጦ ከም ድሑራትን ክእለያ ዘለወንን ተባሂለን ተጸቂጠን ዝነበራ ተቊዋማት ደቂኣባት እንደገና ከምዝበራበራ ምግባር የድሊ ኢሎም።

ዳግመ ምብርባር ዝተጸቅጣ ተቊዋማት ደቂኣባት (መበቆላውን ባህላውን ተቊዋማት)!

ብፁዕነቶም ሎሚ ዓለምና ምስ ጨነቆ ንዝገብሮ መጽናዕትታን ዝሰፍሐ ክፍሊ ዓለምና ገና ኣብ ኢድ እቶም ደቂኣባት እንብሎም መበቆላውን ባህላውን ናብራ ብምዝውታር ምስ ዝኾነ ተጻብኦ ተቃሊሶም ገና ሕይወቶም ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ዝመርሑ ዘለው ዓቢይ ኣብነትን ትምህርትን ስለዝኾኑ ናብኦም ምልስ ከምቲ ብዙሕ ሃሰሳን መጽናዕትን ሥርዓተ ኣመጋግባን ምህርትን ዝገልጾ ምስ እዚ ዘሎ ለውጢ ክሊማን ካልእ ጸገማትን እውን እንተኾነ ውሕስነት ዘለዎ እዚ እዞም ሰባት ዘዘውትርዎ ኣገባብ ምዃኑ የረጋግጽ። ስለዚ ንመጻኢና ናይዞም ሰባት እዚኦም ኣገባብ ጥራይ እዩ ውሕስነት ዝህቦ። ነዚ ኣገባብ እዚ ዳግመ ግምት ብምግባር ዋጋ ክንህቦ የድሊ። ከመይ እዞም ደቂኣባት እንብሎም መበቆላውያንን ባህላውያንን ሰባት እዚኦም ነቲ ካብ ዘመናት ብልምዲ ዝዓቀብዎ ጥበብ ሕርሻን ሥርዓተ ኣመጋግባን ሎሚ ብድኽነት ኣብ ዝሕመሳን ብጥሜት ንዝሳቀያን ክፍልታት ዓለምና ዓቢ ትምህርቲ ክኸውን ይኽእል ኢሎም።

ንመበቆላውን ባህላውን ሥርዓተ ኣመጋግባን ምህርትን ዘዕነወ ሕርሻ ንግድ!

ብፁዕነቶም ኣብ ምዝዛም ቃሎም ነዚ ክንድዚ ዝነኣድ ኣገባብ ሥርዓት ኣመጋግባን ናብራን መንዮ ኣዕንይዎ ንዝብል ሕቶ ዝምልሹ እንክመስሉ ነቲ ብዙሓት ሊቃውንቲ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዘጽንዕዎ ምናዳ ኸኣ ኣብ ዞባ ሃዋይን ኣውስትራልያን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ደቂኣባትን ናብራኦምን ዝወረደ ኣደራዕ ብምጥቃስ ነቲ ባህላዊ ኣገባብ ምህርቲ ብዘመናዊ ኣገባብ ንምትካእ ከምኡ እውን በቶም ደቂኣባት ዘይድለን ሕማቅ ሳዕቤን ዘለዎም ብመልክዕ ድዂዕን ጸረ ባልዕን ጸረ ጻሕያይን ዝስነ ኣዕናዊ ኰይኑ ክሳብ ኣፍሪቃ ከምዝተራእየ ገሊጾም። እዚ ኣገባባት እዚ ግን ነቶም ናኣሽቱ ኣፍረይቲ ብዘይመጠን ኣብ ርእሲ ምህሳዩ ኣብ ተፈጥሮ እውን ዘይሃስስ በሰላ ይገድፍ። ነዚ ንተፈጥሮ ዘዕኑ ኣገባብ ብስም ምዕብልናን ዘመናውነትን ዝጥቀሙ ከኣ ንመኽሰብን ንንግድን ዝግበር ሕርሻ ኰይኑ እቲ ዝለዓለ ዕንወት ኣብ ልዕሊ እቲ ቅርዑይ ናብራ ሕርሻን ሥርዓተ ኣመጋግባን ስለዘስዓበ ሕጂ እውን እንተኾነ ገና ግዜ ስለዘሎ ይተሓሰበሉ እንክብሉ ቃሎም ሂቦም።

ብድምጺ ንምክትታል!
28 July 2021, 20:04