ድለ

ው. ሕ. መንግስታት ዓለም ንዝጠለቦ ዛዕባ ስርዓተ መግቢ ዝመክር ዋዕላ ዘተኵረ ቅድመ ጉባኤ ው. ሕ. መንግስታት ዓለም ንዝጠለቦ ዛዕባ ስርዓተ መግቢ ዝመክር ዋዕላ ዘተኵረ ቅድመ ጉባኤ 

ው. ሕ. መንግስታት ዓለም ንዝጠለቦ ዛዕባ ስርዓተ መግቢ ዝመክር ዋዕላ ዘተኵረ ቅድመ ጉባኤ

እዚ ነቲ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 ዓ.ም. ዝተጸውዔ ዛዕባ ስርዓተ መግቢ ዝመክር ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ግምት ብምእታው ዝካየድ ዓውደ ኣኼባ ሸቶታት እንታይ እዩ?

ኣብ ሮማ ንሰለስተ መዓልቲ ማሕበር ሓረስቶትን ንጋዶን ደቀባትን ዝተፈላለዩ በርገሳውያን ማሕበረሰብን ናይ ኣገልግሎት ማሕበራትን ብዝተፈላለየ ናይ መዝነት ጽፍሒ ዘገልግሉ ልኡካን ዘሳተፈ ነቲ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተጠልበ ኣብ ኒው ዮርክ ዝካየድ ዛዕባ ስርዓተ መግቢ ዝመርክ ዋዕላ ኣትኵሮ ዝገበረ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 26 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ከምእተበገሰን ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኻን መሪሔን ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ዝሳተፋ ዘለዋ እናቴ ስመሪሊ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፡ 70 ሚእታዊ ናይቲ ዓለም ለኻዊ ንግድ ሕርሻዊ ፍርያት ኣብ ኢድ ሒደት ትካላት ምዃኑ ገሊጸን እዚ ምምዝባል እዚ ናብ ጭቡጥ ስነ ማሕድሮኣዊ ሕርሻን ናብ ዘላቒ ስርዓተ መግቢ ንዝግበር ምስግጋር ዝዓግት እዩ ኢለን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ብመንግስቲ ኢጣሊያ ዝተዳለወ ስርዓተ መግቢ ዝመክር ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተጠልበ ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ኒው ዮርክ ዝካየድ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ኣብ ግምት ብምእታው ዝካየድ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 26 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ከምእተጀመረን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዩ ጉተረዝ ዝካየድ እዚ ናይ ሮማ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዓውደ ኣኼባ፡ ንመንእሰያት ሓረትስቶት ደቀባት በርገሳዊ ማሕበረሰብ ተመራርቲ ናይ ብሕቲ ትካላት ወከልትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ናይ ሕርሻን ክንክን ጥዕናን ሚስትራትን ናይ ቍጠብ ኣካላት ዘሳትፍ “ናይ ሕዝቢ ዋዕላ” እዩ። እዚ ኣጋጣሚ እዚ ንስርዓተ መግቢ ንምቕያር ብሓባር ስጒምቲ ብምውሳድ ብተኸታታሊ ክትግበሩ ዝክእሉ ሓደስቲ መብጽዓታት ንምእንፋትን ሃብቲ ገንዘብ ንምውፋርን ሽርክነት ንምምሕያሽን ዝሕግዝ ሓድሽ ስነ ፍልጠታዊ ሜላታት ንምቕራብ ዝዓለመ እዩ። ኣብዚ ዋዕላ እዚ ሃገረ ቫቲካን ዘለዎ ሻቕሎትን ንሕቶታት ዘላቂ ስርዓተ መግቢ መሰናኽል እያቶም ቢሉ ዝኣምነሉ ዘርዚሩን መፍትሕታቶም ብምቕራብ ጽቡቕ ልምድታት ቀዳምነት ክወሃቦም፡ ኣብቲ ዋዕላ ናይ ሃገረ ቫቲካን ልኡካን መሪሔን ዝሳተፋ ዘለዋ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊት ናይ ሃገረ ቫቲካን ጉዳይ ኮቪድ - 19 ናይ ዝከታተል ሽማግለ ኣወሃሃዲት ሓይልታት ዕማም ቍጠባ ናይ ስነ ቍጠባ ሊቅ እናቴ ኣለሳንድራ ስመሪሊ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ብዛዕባ ስርዓተ መግባውነት ንጹርን ልክዕእን ስእሊ የቕርባ።

እዚ ነቲ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 ዓ.ም. ዝተጸውዔ ዛዕባ ስርዓተ መግቢ ዝመክር ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ግምት ብምእታው ዝካየድ ዓውደ ኣኼባ ሸቶታት እንታይ እዩ? እቲ ቅድሚ እቲ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋዕላ ዝካየደ ቅድመ ኣኼባ ኣብ ስርዓተ መግቢ ማለት ኣብ ኵሉ መዳያት ኣመጋግባ ሰባት ዘተኵር እዩ። እዚ ምፍራይን ምዕጻድን ናይ ሕርሻ ምህርቲ ንመግባውነት ምስንዳውን ናብ ዕዳጋ ምቕራብን ዝግበር ኪደት ዝምልከትን ነቲ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝተሓንጸጸ ዘላቂ መደብ ልምዓት ንምምልካትን ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ተጻዋርነት ብምሕያል ተበጻሕነቱ ንምርግጋጽ ክውስደ ዘለዎ ስጒምቲ ንምቕራብን ናይ ዋጋ ሰንሰለት ንምድልዳል ኣመጋግባ ንምምሕያሽን እቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ምብኻን መግቢ ክሳብ ብፍርቂ ንምንካይ ስርዓት ሕርሻ ምምሕያሽ ኣድላዪ ምዃኑ ዘመላኽት ኣገዳስነት ዘለዎ ፍጻሜ እዩ። ናይቲ ዋዕላ ኣሳልጦ ኣብ ተሳትፎ ኵሎም እቶም ኣብ ኣሰራርሓ ስርዓተ መግቢ ተገዳስነትን ግደን ዘለዎም እተዋፈሩ ሰባት ከምኡ እውን ኣብቲ ካብቲ ዋዕላ ዝቐርቡ ጭቡጥ ስጉምትታት ዚምርኮዝ እዩ።

ስርዓተ መግቢ ንምምሕያሽ ኣብ ዝብል ኣመለኻኽታ ቅድስቲ መንበር እተቕርቦ ርእይቶ እንታይ ይመስል? ቅድም ቀዳድም መሰል መግቢ ንሰብኣዊ ክብረት መሰረታዊ እዩ። ስለዚ እዚ ናይቲ ዋዕላ ነቕ ዘይብል መርገጺ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ መሰረታዊ መሰል ህይወትን ብኽብሪ ናይ ምንባር መሰልን ኣለዎ። ቅዱስ ቝርባን ንምብዓል ክንእከብ ከለና እቲ እንጌራን ወይንን ኵሉ ኻልእ መግብን ቀዳማይ “ፍረ ምድርን ዕዮ ኢድ ሰብን” ምዃኑ ንዝክር ኢና። ኣብ ስድራ ቤት ብሓባር ኣብ መዓዲ ክንቀርብ ከሎና ኣብ ሓደ ካብቲ ባህ ዜብል ዓይነት ክንክን ህይወት ንካፍል፡ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ማለት ኣባላት ስድራ ቤት ዓለም ብጥምየት ክሳቐዩ ተቐባልነት የብሉን። ሎሚ ካብቲ ኮቪድ - 19 ዘስዓቦ ቅልውላው ብዝሓሸ መገዲ ንኽንወጽእ ዝድርኽ ምኽንያት ረኺብና ኢና፥ ፍትሓዊ ብዝኾነ ኣገባብ ምንባርን መሬትን ጸጋታታን ብፍትሓዊ ኣገባብ ምምሕዳርን ዘለዎ ፍጹም ኣገዳስነት ክስቆረና ዝገብር ኣጋጣሚ እዩ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ዓለም ዝኽተሎ ዘሎ ስርዓተ መግቢ ክቕየር ከምዘለዎ ዘነጽር እዩ። በረኣእያ ሃገረ ቫቲካን፡ ኣብቲ ድሕሪ ለብዒ ዘላ ዓለም ዘሎ ስርዓተ መግቢ ቍጠባውን ማሓድሮኣውን ማሕበራውን ባህላውን ጥዕናን መግቢ ኣብ ግምት ዜእቱ ኵሉ ምሉእ ብምሉእ ክቐርብ ኣለዎ። ባህልታትን ልምድታትን ደቀባት ምኽባርን ካብኣቶም ዝቐርብ ንመላእ ዓለም ዓቢይ ትምህርቲ ዝኾነ ዓይነት ምትሕልላይን ምክፋልን ዝብሉ ክብርታት ሓንጐፋይ ቢልና ምቕባል። ንኣሽቱ ሓረስቶት ምስ ናይ ከባብን ሃገራውን ዕዳጋ ዜራኽቦም ትሕቲ ቅርጺ ምሕናጽ ጥዑይን ብቐሊሉ ክንረኽቦ እንኽእል መግቢ እውን ከነተባብዕ ኣሎና። ዋጋ ዘለዎን መኣዛ ዘለዎን መግቢ ኵሉ ሰብ ክረኽቦ ኣለዎ።

ነዚ ሕጂ ዘሎን ንዚመጽእን ወአልዶታት ዚኸውን ሃብቲ ምዕቃብ እውን ኣገዳሲ እዩ። ባህርያውያን ስርዓታት ከም ብሓድሽ ናብ ዜፍሪ ከቢብ ኣገባብ ምህርቲ ምግቢ ምግዓዝ ጽቡቕ ጥዕና ከም ዚህሉ ዚገብር ባህርያዊ ስርዒት ማሓድሮ ዜመሓይሽ ከምኡ እውን እተፈላለዩ ዓይነት ኣትክልትታትን እንስሳታትን ንምድጋፍ ባህርያዊ መንበር ከም ዚህሉ ዚገብር እዩ፡ ኣዚ እውን ተፈጥሮ ካብ ምብካልን ምጓሕፍን ዘናግፍ ኣገባብ እዩ፡ ደቀንስትዮን መንእሰያትን ንኣሽቱ ኣፍረይቲ ከምኡ እውን ካልኦት እተገለሉ እቶም ንድሕሪት ዝሕደጉ ሰባት ዝሓቍፍ ቀጥዕታትን ውሳኔታትን ክውሰድ ከሎ፡ ኵሉ እዩ ኣብ መኣዲ ዙሪያ ዝርከብ፣ ንብሕታውን ሓባራውን ጥቕሚ ዘኽብር ኣነባብራ ንምድንፋዕ ዜኽእል ብሉጽ ኣገባብ ክርከብ ይሕግዝ፡ ኣብ መወዳእታ ፍልጠት ኣቦሓጐታትን ኣደሓጎአታትን (ንኣብነት እቶም መግቦም ኣብ ዱር ዝረኽቡን ካብ ዱር ዝእክቡን ከምኡ እውን ጓሶት) ምኽባርን ኣብ መንጐ ስነ ፍልጠትን ባህላዊ ፍልጠት ድልዱል ኣኽብሮት ዝመልኦ ርክብ ኪህሉ ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ስርዓተ መግቢ መሰረታዊ ኣዕኑድ ስለ ዝኾኑ። እቲ ብዛዕባ ንኣሽቱ ሓረስቶትን ደቀባትን ዘሎ ባህላዊ ፍልጠት ዕሽሽ ክበሃል የብሉን፡ እቲ ብቐጥታ ዝገብርዎ ተሳትፎ ኵሉ ሰብ ነቲ ናይ ሓቂ ቀዳምነት ዝህቦ ነገራትን ድሌቶምን ብዝሓሸ መገዲ ንኽርድኦ የኽእሎ ይብላ።

ውሕስነት መግቢ ምስ ጒዳይ ለውጢ ኵነታት ኣየርን ምስቲ ኣብ ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ እተገልጸ ሻቕሎትን ክሳዕ ክንደይ እዩ እተተሓሓዘ? ኣብዛ ሎማዊት ዓለም እዚኣ ናይ ዘሎ ጥምየት ቀንዲ ረቛሕታት ሰለስተ እያቶም፥ ግጭትን እቲ ካልኣይ ኣብዚ እዋን ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19ን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን እያቶም። እዚ ብዅሉ ጽፍሕታት ኣብ ልዕሊ ቀረብ መግቢ ዘሕድሮ ዕንወት ኣዚዩ ዘስምብድ እዩ። እዚ ለብዒ ኣብ ዝርኣየሉ እዋን እዚ ጥራይ እኳ በቲ ዓደግቲ ዘለዎም ናይ ምዕዳግም ክልእለት ንኣሽቱ ሓረስቶት መግብን ዕዳጋን ናይ ምርካብን ክእለቶም ብምንካዩ፡ እቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ምብኻን መግብን ብውሕዱ ን132 ሚሊዮን ሰባት ናብ ጒድለት ዝተመጣተመ መግቢ ከምዝድርኾም እዩ ዝግመት። ልክዕ እዩ እቲ ዝኸፍአ ሳዕቤን ጥሜት ኣብቶም ብወግእን ግጭታትን ማህበራዊ ዘይምርግጋእ ከምኡ እውን ስእነትን ኣልቦነት ስራሕን እተቓልዑ ተኣፋፍያን ወይ ካብ መነባብሮኦም ዝመዛበሉን እዩ ዚወድቕ። እዚ ቍጽርታት እዚ ከኣ ዘይዓዪ ስሮዓተ መግቢ ከምዘሎ እዩ ዝሕብር። ነዚ ዘይፍትሓዊ ተግባር እዚ ዕሽሽ ክንብሎ እንኽእል ብኸመይ እዩ? ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ መዓልቲ መግቢ ዓለም ዝበልዎ፥ “ጥምየት ንደቅሰብ ዘሕዝን ፍጻሜ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዘሕፍር እውን እዩ።” ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ከምቲ ኣብታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእክቶም ኣብ ፍቕዲ 189 ዝብልዎ “መግቢ ክገሃስ ዘይብሉ መሰል ኵሉ ፍጥረት ሰብ ስለ ዝኾነ ጥምየት ዓቢይ ጸረ ሰብኣዊ ገበን እዩ።”

ገሊኡ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ከም ዚሕብሮ እቲ ለብዒ ጥምየት ኣብ መላእ ዓለም ብዕጽፊ ክብ ክብል ገይርዎ እዩ፡ ስለዚ እቲ ጒዳይ ንናይ ሃገር ቫቲካን ጉዳይ ኮቪድ - 19 ንዝከታተል ሽማግለ እውን ቀዳምነት ዚወሃቦ ድዩ? ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ሽማግለ እዚ ከቝሙ ሰለስተ ቀዳምነት ክህበሎም ዝግብኦ ነገራት ብሕድሪ ሂቦም እዮም፡ እዚ ኸኣ ንዅሉ ዝኸውን ስራሕን ክንክን ጥዕናን መግብን ዝብል ኮይኑ፡ ንመጻኢ ድሉዋት ንኽንከውን እውን ሓቲቶምና እዮም። ኣብ መጻኢ ነቲ ድሕሪ ኮቪድ - 19 ዘሎ ኣገባብ መግቢ ኣብ ኣእምሮኻ ምስኣልን ምሕዳስን ኣብ ዘይንጽል ማሓድሮ ተመርኲስካ ምጉዓዝ የድሊ (ይሴባሕ ፍቕዲ 137 ረአ)። ኣብ መሰረታዊ ስርዓታት ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓባራዊ ጥቕሚ ከምኡ እውን ክንክን ሓባራዊ ቤትናን እተመስረተ ኣቀራርባ ስጒምቲ ንኽውሰድ ክድርኾን ክመርሖን ይኽእል። ነዚ መሰረታዊ መርገጺ እዚ ኣብ ግምት ምብእታው ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ ነቲ ዚሕደስ ኣገባብ ሕርሻ ዚድግፍ ስጒምትታት ንምውሳድ ከምኡ እውን ንሰባት ንምድርን ዚጠቕም ስነ ስሮዓተ መግቢ ንምርካብ ኢና እንጽዕር።

ሓደ ካብቲ ኣብ ምዕዳል መግቢ ዘጋጥም ጸገማት ኣብ መንጐ ሒደት ተጠቀምቲ ከምኡ እውን ገሊአን ማሕበራትን በርገሳዊ ማሕበረሰብ ዘሎ ኣትኵሮ ናይ ዕዳጋ ሓይሊ እዩ፡ ስለዚ ድማ ብዙሓት እቲ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተጠልበ ዋዕላ ንናይ ግሊ ረብሓ ሰፊሕ ባይታ ዝህብ እዩ ዝኽውን ዝብል ስግኣት ኣለዎም፡ ነዚ ብኸመይ እዩ ክውገድ ዝከኣል? ዘላቒ ስርዓተ መግቢ ንጥዕና መሬትንና ከይተለማለመ ንዅሉ ሰብ እዅል መግቢ ምስ ዜቕርብ ወይ ከኣ ኣብ መጻኢ ወለዶታት ምግቢ ናይ ምርካብ መሰሎም ውሑስ ዝገብር ተስፋ ዘይተበሮ ኮይኑ ኪቕጽል ኣይክእልን። እዚ ሕጂ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ስርዓተ መግብ በቶም ንኣሽቱ ኣፍረይቲ መግቢ ሰራሕተይናታት ሰንሰለት መግቢ ኣባይቲ ስድራ ከምኡ እውን ተጠቀምቲ ውሕስነት መግቢ ከይገብሩ ብዚኽልክላ ትካላት ዝተዓብለለ ኰይኑ ኣሎ፡ እረ ዳርጋ 70 ሚእታዊ ናይቲ ዓለም ለኻዊ ንግድ ሕርሻዊ ፍርያትሲ ኣብ ኢድ ሒደት ትካላት እዩ ዘሎ። እዚ ምዝባዕ ናይ ሓይሊ ሚዛን እዚ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ዘይምዕሩይ ኣገባብ ስርዓተ መግቢ ይዓጽወና። ናብ ስነ ሕርሻን ቀዋሚ ኣገባብ መግብን ናይ ሓቂ ለውጢ ንኸይህሉ ድማ ይዓግተና። ብዘይካ እዚ ነቶም ኣብ ዓውዲ መግቢ ዚሰርሑ እዅል ደሞዝ ከም ዘይክፈሎምን ዋጋታት ክብ ከምዝብል ዚገብርን መግቢ ንናይ ሃብቲ ገንዘብ ምጽንጻን መጋበርያ ክኸውን ዚገብር እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ስርዓተ መግቢ ኣብ መላእ ዓለም ኣትኵሮ ኪስሕብን ብዛዕባ እዚ ዓለም ለኻዊ ምይይጥ ኪካየድን ኣገዳሲ እዩ። ቅድስቲ መንበር ንረብሓታት ኵሎም ሰባት ክብሪ ውሑስ ንምግባር ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ትሳተፍ። በቲ ካልእ ሸነኽ ግን ምስቶም ኣብ ናይ ብሕቲ ትካላት ዝተዋፈሩ ዓበይቲ ተዋሳእቲ ኮፍ ቢልካ ብቖራጽነት ከይተመያየጥካ እቲ እዋናዊ ስርዓተ መግቢ ምቕያር ዘይሕሰብ እዩ፡ ስለዚ ብዛዕባ እቲ መስርሕ ንቝሓት ክንከውን ኣሎና። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ከም ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ከምኡ እውን እቲ ዛዕባ ጉዳይ ኮቪድ - 19 ዝከታተል ሽማግለን ምስ መንእሰያት ማሕበር ቍጠባ ፍራንቸስኮ ብምትሕብባር  ቅድሚ እቲ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ሓደ ፍጻሜ ኣተባቢዕና ኢና እዚ ኸኣ ድምጽን ተመክሮን ሓሳባትን መንእሰያት ክስማዕ ዝጽውዕ ሰባትን መሬትን መንእሰያት ንመግባዊ ፍትሒ ትርጒምን ተግባርን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሐ ዕለት 27 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ሰዓት 19.30 ዝተካየደ ዓውደ ኣኼባ እዩ እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

27 July 2021, 16:02