ፓሮሊን፥ ቅድስቲ መንበርን ሞናኮን ብሓባር ኣብ ምንቕቓሕ ሰብኣዊ ክብረት ፓሮሊን፥ ቅድስቲ መንበርን ሞናኮን ብሓባር ኣብ ምንቕቓሕ ሰብኣዊ ክብረት 

ፓሮሊን፥ ቅድስቲ መንበርን ሞናኮን ብሓባር ኣብ ምንቕቓሕ ሰብኣዊ ክብረት

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዕለት 18 ሓምለ ድሕሪ ቐትሪ ምስ ናይ ርእሰ ሰበኻ ሞናኰ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ብምርኻብ እምነት ምብሳር ግብረ ሰናይ ምዝውታር ንኣባይቲ ስድራ ምድጋፍ ከምኡ እውን ንፍጥረት ምክንኻን ህጹጽ ምዃኑ ኣጒሊሖም

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 40 ዓመት እቲ ኣብ 1981 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሞናኰን እተኸተመ ውዕሊ ካብ ዕለት 17 ክሳብ ዕለት 19 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ መንፈሳውን ባህላውን መደባት ከምእተሳተፉን፥ ኣብ ምምላሶም ትርጒም ናይቲ ዘካየድዎ ምብጻሕ፥ “ንተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ሃብታም ክውንነት ዘተብባብዕን እቲ ሃብታው ክውንነት ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ወንጌል ዘድልዮ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ” እንክብሉ ይገልጽዎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዝኽሪ መበል 40 ዓመት እቲ ኣብ 1981 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበር ሞናኰን እተፈረመ ውዕሊ ኣማእኪሉ ዝተኻየደ መንፈሳውን ባህላውን መደባት ክሳተፉን መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ዓቢይ ሓጐስ ከምዘሕደረሎም ገሊጾም፥ ኣብ ሞናኮ ባዚሊካ ቅድስተ ንጽሕት ድንግል ማርያም ዕለት 18 ሓምለ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝሰርዑን እዚ እቲ ዕለት 30 ሓምለ 1981 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንሰበኻ ሞናኮ ናብ ርእሰ ሰበኻ ጽፍሒ ክብ ዘበሉላ ዕለትን ስዒቡ እውን ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሞናኮን ዝተፈረመ ናይ ሓባር ውዕልን ብሓባር ዘተጣቓልል ዝኽሪ ምዃኑ ይሕብሩ።

ፓሮሊን፥ ቅድስቲ መንበርን ሞናኮን ብሓባር ኣብ ምንቕቓሕ ሰብኣዊ ክብረት
ፓሮሊን፥ ቅድስቲ መንበርን ሞናኮን ብሓባር ኣብ ምንቕቓሕ ሰብኣዊ ክብረት

ነቲ ብስጋን ብመንፈስን ንዝሳቐ ቀረባ ምዃን

ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ካቴድራል ቅድስተ ንጽሕት ማርያም መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ “ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሱር ዝሰደደ ክርስቲያናዊ እምነት” ዘኪሮም፥ ክርስቲያን በዚ እምነት እዚ ተደሪኹ ንጐረባብቱ ክከናኸን ንድኻታት ቀረባ ንምዃን ድጋፍን ቅርበትን እንገዳን ንስደተይናታት ከቕርብ ዝጽዉዕ እዩ። ናብ ዘይብል ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝተዓጽወ ክርስትና እምነት ኣይኮነን ከምዝበሉ ዝሓበር ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ወጅህን ኣቑሳልን ኣሕዋትን ኣሓትን ምስ ኢየሱስ ምርኻብ፡ እቲ ንዘመናት ንኤውሮጳ ህያው ዝገበረን ዝሓነጸን - ይብሉ ብጹዕነቶም “እቲ ክርስቶስ ኣብ ሕይወትና ዘፈሰሶ ማእለያ ዘይብሉ ምሕረት ኣምላኽ ብግዲኡ ኣብ ሕይወት ካልኦት ክውሕዝ የመባጽዓና፥ ዝተቀበልካዮ ምሕረት ምስፋሕ” ዝብል ክርስቲያናዊ እምነት እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንውሉደ ክህነት፥ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝነጽግ ባህሊ ማሕበራዊ ተጻይነት የስፍሕ

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዕለት 18 ሓምለ ድሕሪ ቐትሪ ምስ ናይ ርእሰ ሰበኻ ሞናኰ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ብምርኻብ እምነት ምብሳር ግብረ ሰናይ ምዝውታር ንኣባይቲ ስድራ ምድጋፍ ከምኡ እውን ንፍጥረት ምክንኻን ህጹጽ ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ . . . ካብ ሰውራ ፈረንሳ ኣትሒዙ ኣብ ኤውርጳ ዝጸንዕ ዘሎ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝነጽግ ዓይነት ዓለማዊ ኣተሓሳስባ፡ እናዐበየ ዝኸይድ ማሕበራዊ ምጽራር ኣብ ምምዕባል ኣበርክቶ ዝገበረ ብኸመይ እዩ?” ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም፥ እቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ፡ መሰል ዜግነት ንሃይማኖታዊ ረቛሒታት እንተ ተኸልኪሉ፡ ስኒት ዘለዎ ዕቤት በርገሳዊ ማሕበረሰብ ከምዘይህሉ ይገብር፡ ስለዚ ኣብ መንጐ መንግስትን ቤተ ክርስቲያንን ብሓፈሻ ኸኣ ኣብ መንጐ በርገሳዊ ን ሃይማኖታውን ስልጣን እወታዊ ርክብ ክህሉ ከም ዝኽእል ዘጒልሕ “ኣገባብ ምንጋስ” ዘለዎ ዓቢይ ኣበርክቶም ሓቢሮም፥ ነፍሲ ወከፎም እቶም ስልጣናት ናይ ገዛእ ርእሶም ሓላፍነት ዝዕቅብሉ ርክብ የካይዱ፡ ኣብ ንሓባራዊ ጥቕሚ ጒዳያት ብምትሕብባር” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ፓሮሊን፥ ቅድስቲ መንበርን ሞናኮን ብሓባር ኣብ ምንቕቓሕ ሰብኣዊ ክብረት
ፓሮሊን፥ ቅድስቲ መንበርን ሞናኮን ብሓባር ኣብ ምንቕቓሕ ሰብኣዊ ክብረት

ኣብ መንጎ ሞናኮን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ርክብ

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መናኮ ዘካየድዎ ምብጻሕ ዛዚሞም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ኣተዉ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ኣብ ሞናኰ ዘካየድክምዎ ርክብ እንታይ ትርጒም ኣለዎ? ር.ሊ.ጳ. ምስ ኵለን ኣቢያተ ክርስትያን ዘለዎም ጥብቂ ርክብ ንኽግለጹ እዮም ዝደልዩ እዚ ኸኣ ብሓዋርያዊ ጉዕዞታት ድዩ ብዘካይድዎ ምብጻሕ የረጋግጽዎ፡ እንተኾነ ግን ከም ዋና ጸሓፍ ቅድስቲ መንበር ምስ ዝተፈላለየ ማሕበራውን ፖለቲካውን ክውንነት ብዘካይዶ ርክብ ነቲ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮ ናይ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዕላማ እየ ዝነብር፡ ነቲ እነብዕሎ ዘሎና ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ናይ ሓባር ምፍርራም ውዕሊ ሕመረት ንምጒላሕ እዩ፡ ጸገማት እናሃለወ ክነሱ ኣብ መንገዲ ወንጌል ንቕድሚት ንኽንስጒም ዘተባብዕ እዩ። ምስ መንግስቲ ፍሉይ ርክብ እኳ እንተሎ ህብረተሰብ ካብ መሰረታዊ ስርዓታት እምነት እናረሓቐን ገዛእ ርእሱ ኢክርስቲያን እናገበረን እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ ስለዚ እቲ ምብጻሕ ብስም ር.ሊ.ጳ. ዝፍጸምን እቲ ሃብታምን ርዅብን ዝኾነ ሕብረተሰብ ናይ ወንጌል ክብሪ የድልዮ፥ ሃብታም ምዃን ከምቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ፥ ወንጌላዊ ክብርታት ንኽትሓትት ይድርኽ ኢሎም።

ኣብዚ ኵነት እዚ ቅድስቲ መንበር ነቲ ሞናኮ ካቶሊካዊ እምነት ከም ናይ መንግስቲ ሃይማኖት ገይራ ናይ ምርኣያ ፍሉይ ባህርይ ብኸመይ ትምልክቶ? እዚ ታሪኻዊ ውርሻ እዩ፡ ኣብ ካልኦት ክፍልታት ከኣ ብምኽንያት ፍልቀት ሕብረተሰብ ብልክዕ ጠፊኡ እዩ፡ ኣብ ሞናኰ ግን ተዓቂቡ ኣሎ። ቅድስቲ መንበር ነቲ ሃይማኖት ዘለዎ ህቡብ ግደ ነቲ ንምትሕብባር ኣፍልጦ ንምሃብ ኣጋጣሚ ገይራ እያ እትርእዮ ኢሎም።

እዘን ክልተ ሃገራት እዚኣተን ብሓባር ኪዓያ ዚኽእላ ብኸመይ እየን? ኣብቲ ዘሰማምዕ ደረጃ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኪተሓብበራን ነዚ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት እዚ ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ህይወት ከስርጽኦ ኪጽዑራ ይኽእላ። እዚ ንመሰረታዊ ስርዓት እትከላኸለሉ መገዲ ኣይኰነን የግዳስ ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምሕላውን ንምድንፋዕን መሰረታውዊ ኵነታት ገርና እንርእዮ ነገር እትኸላኸለሉ መገዲ እዩ። እዚ ኣገዳሲ እዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ኣብቲ ናይ ሞናኮ ልዑል ኣብ ዘበገሶ ንስኡናትን ተነቀፍትን ዞባታት ዝድግፍ ዓለም ሓቆፍ ናይ ምትሕብባር መደብ ክንተሓባበር ንኽእል ኢና። ቅድስቲ መንበር ነዚ ንምግባር ቆራጽነት ገይራ እያ። ንኣብነት ኣብዚ ደረጃ እዚ ክንተሓባበር ንኽእል ኣብ ካልእ ዓውድታት እውን ከምኡ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

21 July 2021, 08:15